ሓላፊ ቢሮ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ሙሉቀን ሃፍቱ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሉ ተላዒሉ

ኣባል ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባን ሓላፊ ቢሮ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን እታ ከተማ ሙሉቀን ሃፍቱ (ዶ/ር) ናይ ዘይምኽሳስ መሰሉ ተላዒሉ።

ባይቶ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኣባሉ ሙሉቀን ሃፍቱ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ንክለዓል ዝወሰነ፡ ካብ ሚኒስትር ፍትሒ ብመሰረት ዝቐረበሉ ሕቶ ስዒቡ እዩ።

ሙሉቀን ሃፍቱ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ዝወፅአ ዕጫ ሓባራዊ መንበሪ ኣባይቲ ብዝዛመድ ብገበን ብልሽውና ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ንክውዕል እዩ እዚ ናይ ምኽሳስ መሰል ተላዒሉ ዘሎ።

 ሙሉቀን ሃፍቱ ቅድሚ ክልተ መዓልታት እዩ ካብ ሓላፍነቱ ተኣልዩ።

 ኣባላት ባይቶ ተወከልቲ ህዝብን ናይ ኩለን ክልላት ቤት ምኽሪን ፡ ብትሕዞ ገበን እንተዘይዀይኑ፡ ኣብ ቀይዲ ናይ ዘይምውዓልን ናይ ዘይምኽሳስን መሰል ኣለዎም።

 ኣባላት ባይቶ ብገበን እንትጥርጠሩ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ክለዓል ዝገብር እቲ ዝተወከለሉ ቤት ምኽሪ እዩ።

 ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ቡዜና ኣልቃድር፡ ሚኒስትር ፍትሒ ዝለኣኾ ደብዳበ ናብቲ ባይቶ ኣቕሪባ።

 እቲ ሚኒስትር፡ ሙሉቀን ሃፍቱ ስልጣኑን ሓላፍነቱን ብዘይኣግባብ ብምጥቃም ብገበን ብልሽውና ተጠርጢሩ፡ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ምርመራ ክግበርን ናይ ዘይምኽሳስ መሰሉ ንክለዓልን እዩ ሓቲቱ።

 ነዚ ሕቶ ስዒቡ ድማ፡ ቤት ምኽሪ እቲ ከተማ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ፡ ናይ ሙሉቀን ሃፍቱ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ተቐንጢጡ።