እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሰንኪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ግመ በረራታት ተኣጓጒሉ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸሰተ ግመ (ዕምብረ) ነፈርቲ ካብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከይብገሳን ኣብኡ ከይዓልባን ከም ዘተዓናቐፈ ተፈሊጡ።
እዋናዊ በረራታት ዝምልከት መረዳእታ ዝዝርግሑ መርበባት ሓበሬታ፡ ‘ራዳር 24’ን ‘ፍላይት ኣዌር’ን ነፈርቲ ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ክዓልባ ተጸጊመን ኣብ ሰማይ ክዛውና የርእዩ ኣለዉ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ'ውን፡ እቲ ግመ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝዓርፋ ይዅና ካብኡ ዝብገሳ ነፈርቲ ምትእጉጓል ከም ዝፈጠረ ኣብ ወግዓዊ ናይ ቴሌግራም ገጹ ሓቢሩ’ሎ።
ካብ ቻይና - ጉዋንዙ ተበጊሳ ናብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝበረረት በረራ ቝጽሪ ET 607 ከምቲ ዝተሓሰበ ክትዓልብ ኣይከኣለትን።
ብተመሳሳሊ ካብ ካናዳ - ቶሮንቶ ዝተበገሰት ET 607 ኤርባስ A350፡ እቲ ኵነታት ኣየር ክሳብ ዝመሓየሽ ኣብ ሰማይ ኣዲስ ኣበባ ትዘውር ኣላ።
ካብ በይሩት ሊባኖስ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዱባይን ተበጊሰን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽኣ ነፈርቲ’ውን ኣንፈት በረራአን ክቕይራ ተገዲደን ኣለዋ።
ብዘይካ'ዚ፡ እተን ካብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ክብገሳ ዝግባአን ነፈርቲ'ውን ምድንጓይ ከም ዘጋጠመን ተፈሊጡ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ’ቲ ግመ ዝሸፈኖ ኵነታት ኣየር ክንደይ በረራታት ከም ዘተኣጓጐለ ኣይገለፀን።
መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብሰንኪ ብርቱዕ ኵነታት ኣየር በረራታት ክዕንቀፎ፡ እዚ ፈላማይ ኣይኮነን።
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝነበረ ግመ ብዙሓት ነፈርቲ ኣብ ካልኦት ክልላት እታ ሃገርን ጐረባብቲ ሃገራትን ናብ ዝርከቡ መዕርፎ ነፈርቲ ክዓልባ ኣገዲዱ ነይሩ።