እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ምቁራጽ በረራታት ነፈርቲ ናብ መቐለ ይካሰሱ'ለዉ
መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን፡ ምኽንያት ምቁራጽ ናብ ከተማ መቐለ ዝግበሩ በራራታት ብዝምልከት ነንሕድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ።
ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኣርፊዱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “ህወሓት፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተልኣኹ ረድኤት ዘመላልሱ ነፈርቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ መቐለ ከይዓልባ ከልኪሉ” ኢሉ ዝኸሰሰ እንትኾን፡ ዕላምኡ ድማ ስም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ንምጽላም ከምዝዀነ ገሊጹ።
መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ሎሚ ኣማስዮም ብቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ኣቢሎም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣገልግሎት በረራ ምሃብ ዘቋረጸ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ምዃኑ ሓቢሮም ኣለዉ። እቲ ሓቂ እዚ ኰይኑ እንከሎ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕሶት ይነዝሕ ኣሎ” ክብሉ ብወገኖም ከሲሶም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዘቕርቦ ዘሎ ክሲ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝኽተሎ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ክልከላ ረድኤትን ነዳድን፡ ንምሽፋንን ማሕበረሰብ ዓለም ንምትላልን ዝዓለመ እዩ ድማ ኢሎም።
ተወካሊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ወፃኢ፡ ኣይተ ዮሃንስ ኣብርሃ፡ “እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተቛሪጹ ዝብል ሕሶት እዩ። እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣገልግሎት ንክህብ ዘኽእል ነዳዲ ስለዘየለ እምበር መንግስቲ ትግራይ ነቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክዓፅዎ ስለዝደለየ ኣይኮነን። እኳድኣስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዚ ኢሉ ዝኸስስ ዘሎ፡ እቲ ናብ ትግራይ ክሰድዶ ዝግበኦ ነገር ክዓፁ ስለዝደለየ እዩ" ክብል ንቢቢሲ ገሊፁ።
እዚ ምስ ኣጋጠመ ድማ ንሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ረድኤትን ከምዝሓበሩ፡ ኣይተ ዮውሃንስ ኣረዲኡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ናብ ትግራይ ረድኤት ክሓልፍ ዝከኣሎ ኩሉ ይገብር ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ጁዴ ፉህነዊ፡ ብዛዕባ እታ ትማሊ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክትዓልብ ዘይከኣለት ነፋሪት እቲ ማሕበር፡ ብዝምልከት ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ብቐጥታ ምላሽ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።
እንተዀነ፡ እቲ ምቁራጽ ተጻብኦታት ካብ ዝግበር ኣትሒዙ፡ እቲ ማሕበር ሽድሽተ ቃፍላይ በረራ ከምዘካየደን፡ ኣዝዩ አገዳሲ መሳርሕታት ሕክምና፣ ንመጻርዪ ማይ ዝውዕሉ ቀረባትን ካልኦት ኣገደስቲ ነገራትን ከምዘግዓዘ ገሊጹ።
ናብ ትግራይ ዝግበር ቀረብ ረድኤት ተማሕይሹ ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ድማ፡ ሓደ ቃፍላይ ናብ ትግራይ ከምርሕ ከምዝፅበ ሓቢሩ።
ካልእ 'ኸ እንታይ ተባሂሉ ?
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዕላዊ ዝገበሩ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት፡ ነቲ 19 ወርሑ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ዝተወሰነ ረድኤት ብመጓዓዝያ ናብ ትግራይ ክሓልፍ ኣኽኢሉ ኣሎ።
እንተዀነ፡ እቲ ሎሚ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝተውሃቡ መግለጺታት፡ እቲ ንሓጺር እዋን ህድእ ኢሉ ዝነበረ ምክሳስ ዳግም ከይለዓልን ነቲ ተስፋ ተገይርሉ ዝነበረ ናይ ሰላም ኣንፈትን ናብ ሕቶ ዘእቱን ይመስል።
መንግስቲ ኣብ መግለጺኡ፡ ነቲ ኣብ ኣዝዩ ፈታኒ ኩነታት ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ረድኤት ንምብጻሕ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ኣድላይ ዝበሃል ረድኤት ክኸይድ ይገብር ከምዘሎ ዝገልጽ ኰይኑ፡ "ህወሓት ግን ረድኤት ከይሓልፍ ትንኮያታት ብምክያድ ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ" ብምባል ይኸስስ።
እቲ ትማሊ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ከይትዓልብ ዝተኸልከለት ነፋሪት፡ ናይ ሕክምና መሳርሕታትን ሃናጺ ምግቢ ናይ ህጻናትን ዝሓዘት ከምዝነበረት ድማ የረድእ።
እቲ ካብ መራሕቲ ትግራይ ዝተውሃበ መግለጺ ድማ፡ “ንህላወ ህዝቢ ትግራይ ዝቃለስ ዘሎ መንግስቲ ትግራይ፡ ስለምንታይ ነቲ ኣብ ዕጽዋ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኣገዳሲ ዝዀኑ በረራታት ክኽልክል ከምዝኽእል’ኳ፡ ርትዓዊ ምኽንያት ከቕርቡ ኣይኽእሉን” ይብል።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ክልከላ ከጻሪን ነቲ ዘይግቡእ ዝበሎ ተግባር ክኹነን ዝሓተተ ዀይኑ፡ መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ነቲ መግለጺ ‘ንብዓት ሓርገጽ’ ክብሉ ነጺጎምዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕን ናብ ትግራይ ረድኤት ንምልኣኽን "ንዘይተወሰነ" እዋን ዝፀንሕ ምቍራፅ ተፃብኦታት ምእዋጆም ይዝከር።
ናብ ትግራይ ብመካይን ዝለኣኽ ረድኤት ንኣዋርሕ ተቋሪጹ ድሕሪ ምፅንሑ፡ ዳግም ምጅማሩ ተስፋታት ፈጢሩ'ኳ እንተፀንሐ፡ ሕዚ’ውን ብዝሒ ተጸባዪ ረድኤት ወሲኹ ስለዘሎ እኹል ከምዘይኰነ፡ ኣይተ ዮውሃንስ ኣብርሃ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ነቲ ንልዕሊ 19 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ብዘተን ድርድርን ንምፍታሕ ድሉዋት ምዃኖም ድሕሪ ምግላጾም፡ ተስፋታት ሰላም ምቅልቓል ጀሚሮም ነይሮም።
ፕረዚደንት ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብቲ ብመንግስትን መራሕን ኬንያ ዝተዳለወ ሽምግልና ንምስታፍ ላዕለዎት ተወከልቲ ከምዝልእኽ 13 ሰነ 2022 ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ከረጋግጽ እንከሎ፡ ብሰሉስ ኣብ ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ቀሪቡ መግለጺ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ድማ ንሰላም ድሉዋት ምዃኖምን ኮሚተ ልዝብ ከምዝቘመን ኣፍሊጡ እዩ።