ኮሚሽነር ኮምሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋታት ኢትዮጵያ ኣቶ ምትኩ ካሳ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ኮሚሽነር ኮምሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋታት ኢትዮጵያ ኣቶ ምትኩ ካሳ ምስ ብልሽውና ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ሃገራዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ፖሊስ ፌደራል፡ ነቲ ብገበን ብልሽውና ዝተጠርጠረ ኮሚሽነር ምትኩ ሎሚ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ተሓቢሩ።

ኣብ ፖሊስ ፌደራል፡ ሓላፊ ምፅራይ ገበን ብልሽውና ዝኾነ ሓጋዚ ኮሚሽነር ታደሰ ኣያሌው፡ ኣቶ ምትኩ ምስ ሓደ ትካል ገባሪ ሰናይ ውሽጢ ዓዲ ብምትሕብባር፡ ፈጺሙዎ’ዩ ብዝተባህለ ገበን ብልሽውና ከም ዝተጠርጠረ ገሊጹ።

እቲ ገበን፡ ምስ ወናኒ “ኤልሻዳይ” ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ ብምምስጣር ዝተፈጸመ’ዩ ክብል ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ተዛሪቡ።

ኣቶ ምትኩ፡ እቲ ትካል ግብረ ሰናይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘየለው ተመዛበልቲ ከም ዘለው ብምምሳል ንዘቕርቦ ሕቶ ዝተፈላለዩ ቀረባት ክወሃቦ ገይሩ’ዩ ዝብል ክሲ ቐሪብሉ ኣሎ።

ንናይ ሓሶት ሕቶ ተሓገዝቲ ስዒቡ ዝቐርብ ረድኤት እኽልን ኣልባሳትን ድማ በቲ ገባሪ ሰናይ ምስተሸጡ እቲ ገንዘብ “መግዝኢ መንበሪ ገዛ እቲ ጥርጡር” ከም ዝወዓለ ፖሊስ ብመርመራ ኣረጋጊጹ ክብል ኮሚሽነር ታደሰ ገሊጹ።

ኣቶ ምትኩ ካሳ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኮሚሽነር ኮምሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋታት ኢትዮጵያ ኮይኑ ከገልግል እንከሎ፡ እቲ ኮሚሽን ብዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣውን ሰብ ሰርሖን ሓደጋታት ንዝተጐድኡ ዜጋታት ዝእከብ ረድኤት ናይ ምትሕብባር ስራሕቲ ይውግን።

እቲ ኮሚሽነት ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምእታዉ፡ ፖሊስ "ሰፊሕ ክትትል ከካይድ ከምዝፀንሐ" ሓቢሩ'ሎ።

እዚ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሓደ በዓል መዚ ዝተኸፍተ ዝለዓለ ክሲ ብልሽውና እዩ።

ኣቶ ምትኩ መን'ዩ?

ኣብ ክልል ደቡብ ፍሉይ ቦታ ይርጋለም ዝተወለደ ኣቶ ምትኩ፡ ናብዚ ናይ ኮምሽነርነት ስልጣን ቅድሚ ምምፅኡ፡ ኣብቲ ክልል ሓላፊ ክፍሊ ምትሕብባር ስራሕቲ ውሕስና መግቢ ብምዃን ኣገልጊሉ ነይሩ።

ኣብ 2019 ከኣ ኣብ ትሕቲ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ተጣይሹ ኣብ ዝነበረ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ተፈናቐልቲ ውሽጢ ዓዲ ብኣባልነት ተመሪፁ።

ንዝሓለፉ 7 ዓመታት ድማ ብኮሚሽነርነት ምሕደራ ስግኣት ሓደጋታት ኢትዮጵያ ክሰርሕ ፀኒሑ።