ኢትዮጵያ፡ ልቡ ብየማን ንዝርከብ ህጻን ዝተገበረ ዕዉት ዝተሓላለኸ መጥባሕቲ

ኣብ ንቡር ተፈጥሮ ወዲሰብ ወጻኢ ልቡ ብኣንጻር ሸነኽ - ካብ ሰጋም ንየማን - ንዝርከብ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ህጻን፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝተሓላለኸን ዕዉትን መጥባሕቲ ልቢ ተገይርሉ፤ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና ከም ዝርከብ ድማ ወላዲኡን ሓኻይምን ይገልጹ።

ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኢትዮ-ኢስታንቡል ነቲ መጥባሕቲ ዝመርሐ ሕኪም ልቢ ህጻናትን ኣባጽሕን ዶክተር ሺቢቆም ታምራት፡ ብዘይንቡር ኣቀማምጣ ልቡ ብየማን ንዝርከብ ህጻን ቅድሚ 10 መዓልታት ሕክምና መጥባሕቲ ከም ዝተኻየደሉ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ቡርጂ ከተማ ሶያማ ዝነብር ኣቦ እቲ ህጻን ኣቶ ጂማ ሒዶ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ጸገም ውላዱ፡ “ኣዝዩ ከቢድ” ከም ዝዀነን “ኣብ ኢትዮጵያ ምሕካም ክኸብድ” ከም ዝኽእልን ተነጊርዎ ነይሩ።

ህጻን ጂዶ ጂማ ዝተገበረሉ መጥባሕቲ ሸሞንተ ሰዓታት ከም ዝወድአ ዶክተር ሺቢቆም ይሕብር።

ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሕክምና ወጻኢ ሃገር ዝጠልብ እዚ ዝተሓላለኸ መጥባሕቲ ልቢ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዕዉት መንገዲ ከም ዝተኻየደ ሓቢሩ።

ኣቶ ጂማ ድሕሪ እቲ ሕክምናዊ መጥባሕቲ፡ “ኣምላኽ ይመስገን፡ ወደይ ተሓኪሙ ይጻወት ኣሎ” ብምባል፡ ሓጐሱ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ዶክተር ሺቢቆም’ውን፡ “ከቢድ፡ ብጣዕሚ ጥንቃቐ ዝሓትትን ዝተሓላለኸን” ብምባል እዩ፡ ነቲ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ዝገልጾ።

'ዝሞተ ውላድ ተመሊሱ'

ኣቦ ሰለስተ ቈልዑ ዝዀነ ኣቶ ጂማ፡ እቲ ሕክምና ዝተገበረሉ በዅሪ ወዱ ከም ዝዀነ ይዛረብ።

“ክሳብ ሸሞንተ ዓመቱ ከም ታይፈስ ዓይነት ቅልል ዝበለ ሕማም’ዩ ዘጋጥሞ ነይሩ” ዝብል ወላዲኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓሚሙ ምርመራ ምስ ዝተገበረሉ ግን፡ ክፍሊ ኣካላት ውላዱ ካብ ንቡር ብዝተፈለየ ኣብ ካልእ ቦታ ከም ዝርከብ ከም ዝተነገሮ ይዝክር።

ዓሚ ምልክታት ሕማም ቅድሚ ምርኣዩ ግን ጥዑይ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ኣቶ ጂማ፡ “ኣመና’ዩ ዝንቀሳቐስ። ኣብ ትምህርቱ’ውን ንቝሕ’ዩ። ደሓር ግን ጐይዩ ጸወታኡ ወዲኡ ክመጽእ እንከሎ፡ ‘ርእሰይ ኣሕሚሙኒ፣ ኣርሂጹኒ’ ምባል ጀሚሩ። ንዓቐብ’ውን የብሎ ነይሩ። እንተዀነ ዓራት ዝሓዘሉ ግዜ ኣይነበረን” ኢሉ።

እቲ ጸገም ኣብ ልቡ ከም ዝዀነን ክፍተት ልቢ ከም ዘለዎን ተነጊርዎ። እዚ ጥራይ ኣይኰነን፡ ልቢ እቲ ህጻን ከም ናይ ብዙሕ ሰብ ኣብ ጸጋማይ ወገን ዘይኰነስ ብየማናይ ከም ዝርከብ’ውን ሰብሞያ ሕክምና ኣረጋጊጾም። ኣቶ ጂማ፡ ውላዱ ሕክምና መጥባሕቲ ንኽገብር “ኣዝዩ ልዑል ወጻኢ የድሊ” ከም ዝተበሃለ ይዛረብ።

“ካብ ኣርባ ምንጭ ናብ ኣዲስ ኣበባ ማእከል ልቢ ተላኢኸ። እዚ ጉዳይ ኣዝዩ ከቢድ ስለ ዝዀነ መፍትሒ እናኣለሽኩ እንከለኹ እየ፡ ንዶክተር ሺቢቆም ረኺበዮ” ብምባል፡ ይዝክር።

ዶክተር ሺቢቆም ከም ዝብሎ፡ እቲ ዝተኻየደ ሕክምና ፍሉይ ዝገብሮ ክፋላት ሰብነት ህጻን ጂዶ ካብ ናይ መብዛሕትኡ ሰብ ብዝተፈለየ ወገን ዝርከቡ ምዃኑ’ዩ።

ኣቶ ጂማ ብወገኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ፈተነ ሕክምና ብምግባር “ተስፋ ኣለዎ” ኢሉ ነይሩ። “ክፍትን እንከለኹ እቲ ዝኸውን ክርኢ ኣለኒ ብምባል፡ ዝኸኣልክዎ ክገብር ጸኒሐ” ይብል።

ውላዱ ኣብ ኢትዮጵያ ሕክምና ክረክብ ከም ዝኽእል ምስ ተነገሮ፡ “ፍሉይ ሓጐስ’ዩ ተሰሚዑኒ። ውላደይ ብህይወት ክተርፍ’ዩ ኢለ ተሓጒሰ” ይብል።

እቲ ሕክምና ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተዝካየድ፡ “ክሳብ ሓሙሽተ ሚልየን ብር ወጻኢ ከም ዝሓትት” ተነጊርዎ ነይሩ።

“ካብቲ ዝተበሃለ ብኣንጻሩ፡ ወደይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተሓኪሙ፡ ሰላማዊ ኰይኑ ይጻወት ኣሎ፤ ኣምላኽ ይመስገን” ብምባል፡ ሓጐሱ ገሊጹ።

“ውላደይ ረኺበዮ፤ ዝሞተ ውላድ ተመሊሱ ኢለ እየ ወሲደዮ” ኢሉ።

ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ንዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ጠቒሱ፡ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኢትዮ-ኢስታንቡል ምስ ስፐሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ውዕል ብምግባር፡ ሕክምና መጥባሕቲ ልቢ ንምርካብ ሪጋ ሒዞም ንዝርከቡ ህጻናት ብዘይ ክፍሊት ሕክምናዊ መጥባሕቲ ይህብ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኣንጻራዊ ኣቀማምጣ ክፍሊ ኣካላት

ዶክተር ሺቢቆም ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ እቲ መጥባሕቲ ፍሉይ ዝገብሮ እቲ ቀዳማይ “ኣፈጣጥራ” እቲ ህጻን እዩ።

“ኣፈጣጥራኡ ዝተፈለየ እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣፈጣጥራ ካብ 10 ሽሕ ሰባት ኣብ ሓደ ወይ ካብ 25 ሽሕ ሰባት ኣብ ሓደ ሰብ ከጋጥም ይኽእል። ሓደ በዓልሞያ፡ ኣብ ሕክምና መጥባሕቲ ልቢ ሓንሳብ፡ እንተበዚሑ ድማ ክልተ ግዜ ከጋጥሞ ዝኽእል ጸገም’ዩ ኣጋጢሙና” ኢሉ።

“ብልሙድ ኣፈጣጥራ ልቢ ብጸጋማይ ወገን ኣካላትና ከም ዝርከብ ኢና ንፈልጥ። ናይዚ ህጻን ግን ብየማን ኣንፈት እዩ ዝርከብ። ጸላም ከብዲ ብየማን እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ናቱ ግን ብጸጋም እዩ። ከስዐ (ከብዲ) ብጸጋም እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ናቱ ግን ብየማን እዩ። ክፍሊታት ሳምቡኡ'ውን ብተመሳሳሊ፡ ናይ የማንን ጸጋምን ዝተገላበጡ እዮም ነይሮም።”

እዚ ኵነታት ምስቲ ህጻን ዝዓበየ ከም ዝዀነ ዝሕብር እቲ ዶክተር፡ ኣቀማምጣ ሰራውር ደሙ’ውን ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣብሪሁ።

“ንሕና ብልሙድ ብኣንፈት ጸጋም ንዝርከብ ልቢ ኢና ሕክምና መጥባሕቲ ንገብር። ኣብዚ ግን ብየማን ኴንና ኢና ንሰርሕ ነይርና” ብምባል፡ መስርሕ እቲ መጥባሕቲ ኣብሪሁ።

እዚ ኣንጻር ኣንፈት ዝግበር መጥባሕቲ፡ “ንምስራሕ ኣጸጋምን ፈታንን” ከም ዝዀነ፡ እቲ በዓል ሞያ ይጠቅስ።

“እቲ መጥባሕቲ ዛዚምና፤ ምስጋና ንኣምላኽ ብዓወት እዩ ተፈጺሙ። ሕጂ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት’ዩ ዝርከብ። ይሓዊ ኣሎ” ክብል ዶክተር ሺቢቆም ተዛሪቡ።

ኣቶ ጂማ’ውን ውላዱ ደሓን ከም ዝዀነ ገሊጹ። “ወደይ ሕጂ ደሓን’ዩ። ባዕሉ ይጻወት፡ ይወጽእ፡ ይኣቱ ይበልዕ። ሰላም’ዩ” ኢሉ።

ክፍልታት ኣካላት ኣብ ዘይንቡር ሸነኽ ኣብ ዝዀኑሉ “ብዙሕ ጸቕጢ ኣይፈጥርን” ዝብል ዶክተር ሺቢቆም፡ “ከም ኵሉ ሰብ ምንባር ይከኣል’ዩ” ክብል ኣረዲኡ።

ኣብ ክፍሊ ኣካላት ጸገም ክሳብ ዘየጋጠመ፡ ዕብየት ሰብነት’ውን ምስ ናይ ካልኦት ማዕረ ከም ዝዀነ ይገልጽ። ይዅን’ምበር እዞም ብኣንጻር ኣንፈት ዝተፈጠሩ ክፍሊታት ኣካል ሕማም እንተጋጥሞም ዘድልዮም ሕክምናዊ መጥባሕቲ ካብቲ ዝተለመደ ወጻኢ ብምዃኑ ፈታኒ ይኸውን።

“ካብ ልሙድ ሕክምና ዝወጽአ ብምዃኑ ፈታኒ ይገብሮ። ሰብሞያ ነፍስወከፍ ዝሰርሕዎ ነገር፡ መርፍእን ፈትሊን ከይተረፈ፡ ብልዑል ጥንቃቐ’ዮም ዘሕልፍዎ” ይብል።

ኣካላት ወዲ ትሽዓተ ዓመት ጂዶ ዋላ’ኳ ብፍሉይ ዝተቐመጡ እንተዀኑ፡ ክሳብ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ብዘይካ ልቡ፡ ሰብነቱ ብጽቡቕ ይሰርሕ ከም ዝነበረ፡ እቲ በዓልሞያ ሕክምናን ወላዲኡን ተዛሪቦም።

ዶክተር ሺቢቆም፡ “ብምርመራ ዝበጻሕናዮ ጸገም ናይ ልቡ’ዩ። ናይ ልቡ ድማ ኣስተኻኺልናሉ ኣለና። ድሕሪኡ ተወሳኺ ሕክምና መጥባሕቲ ኣየድልዮን። ኣብ ሳምብኡ፡ ጸላም ከብዱን ኲላሊቱን ጸገም ኣይረአናን” ኢሉ።

ኣብ ከይዲ ጸገም ከጋጥም እንተኽኢሉ ብዝብል ግን፡ እቲ ቅምሶ ንምርመራ ናብ ወጻኢ ሃገር ተላኢኹ።

“ንዕኡ ብምርኣይ ክንገብሮም ዝግብኡና ነገራት እንተልዮም፡ ኣብ ቀጻሊ ክንትልም ኢና። ጥዑይ እንተዀይኑ በዚ ንክቕጽል ክንገብር ኢና” ኢሉ።

ዶክተር ሺቢቆም ከም ዝበሎ፡ እቲ ህጻን ናብ ሕክምና ቅድሚ ምውሳዱ ኣብ ዝጻወተሉ እዋን ከምዝደክምን ከምዝርህጽን፡ ልቡ ከም ዘሕምሞን ኣይተፈለጠን።

ኣቶ ጂማ’ውን፡ ንውላዱ ናብ ሕክምና ምስ ወሰዶ፡ “ታይፎይድ’ዩ፡ ታይፈስ’ዩ” ይበሃል ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተገበረ ምርመራ ግን፡ ኣብ ልቢ ህጻን ጸገም ከም ዘሎን ኣቀማምጣኡ’ውን ካብቲ ዝተለመደ ኣንጻር ከም ዝዀነን ተነጊርዎ።

ድሕሪ እዚ’ዩ ምስ ዶክተር ሺቢቆም ዝተራኸቡ።

ዶ/ር ሺቢቆም፡ “እቲ ጸገም ኣብ ዓውዲ ሕክምና መጥባሕቲ ከቢድ’ዩ። ብጣዕሚ ጥንቃቐ ዝሓትትን ዝተሓላለኸን ከም ዝዀነ ተረዲአ” ብምባል፡ ብዛዕባ እቲ መጥባሕቲ ገሊጹ።

በዳሂ ሕክምና መጥባሕቲ

ኣብቲ ሸሞንተ ሰዓታት ዝወሰደ ሕክምና መጥባሕቲ ብድሆ ካብ ዝዀኑ ነገራት እቲ ሓደ፡ ኣቀማምጣ ሰራውር ደም ከም ዝዀነ እቲ በዓልሞያ ይገልጽ።

“ኣቀማምጣ ሰራውር ደሙ ብግልባጡ ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ እቲ ቀዳማይ ሱር ደም ካብ ክፋል የማናይ ልቡ እዩ ዝብገስ። ግና ካብ ጸጋማይ ክፋል’ዩ ክብገስ ዝግባእ ነይሩ። እዚ ነቲ መጥባሕቲ ኣጋሚ ገይርዎ።

መስርሕ ሕክምና ቅኑዕ መገዲ ሒዙ ንክኸይድ እንኽተሎ መስርሕ ኣሎ። እዚ ኣብ ንሰርሐሉ ድማ፡ ዝዀነ ዓይነት ምትሕውዋስ እንከይተፈጠረ እቲ ደም ዑደቱ ሓልዩ ክኸይድ ምግባር፡ ኣመና ጥንቃቐ ዝሓትት'ዩ ነይሩ” ክብል የብርህ።

ዶክተር ሺቢቆም ወሲኹ፡ “ዝተወሰነ ሚሊ ሜትር’ኳ መስመር እንተንስሕት ናይ የማናይን ጸጋማይን ናይ ልቡ ዑደት ደም ዝተሓዋወሱ ምዀኑ ነይሮም” ብምባል፡ እቲ ሕክምና ዝሓተቶ ጥንቃቐ ኣረዲኡ።

እዚ ጸገም ብኸመይ እዩ ዝኽሰት?

ብእንግሊዝኛ ‘Situs inversus’ ዝተበሃለ ክፍልታት ኣካል ተገምጢሎም፣ ማለት ኣንጻር እቲ ንቡር ኣቀማምጣ ኰይኖም ንዝፍጠሩ፡ ኣብ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ዝኽሰት እዩ።

ካብ ልሙድ ኣፈጣጥራ ሰብነት፡ ኣካላት ንምንታይ ብኣንጻር ወገን ከም ዝቕመጡ ሕቶ ዘቕረብናሉ ዶክተር ሺቢቆም፡ ዝተረጋገጹ ደረኽቲ ምኽንያታት ከም ዘየለዉ ኣረዲኡ።

“ዘይተረጋገጹ ብዙሓት እንተታት ኣለዉ። ንኣቀማምጣ ክፍሊ ኣካላት ኣብ ዝውስኑ ዲኤንኤ ጸገም ኣብ ዝፈጥረሉ ዝኽሰት’ዩ ዝብል እቲ ሓደ ምኽንያት’ዩ” ኢሉ።

እቲ ጸገም ብብዝሒ ስለ ዘይክሰት፡ ኣብዚ ዓውዲ ዝተኻየዱ መጽናዕትታት’ውን ውሑዳት ከም ዝዀኑ ገሊጹ።

“ዝተረጋገጹ ምኽንያታት ስለ ዘይተፈለጡ ድማ ፈታኒ እዩ። ነዚ ዓይነት ሕክምና መጥባሕቲ ዝገልጹ መጽሓፍቲ’ውን የለዉን። ፍልጠትን ክእለትን ብምውህሃድ እቲ ሕክምና ብኸመይ ክካየድ ከም ዘለዎ ምሕታት የድሊ።”

ከምዚ ዓይነት ጸገም ዘጋጠሞም ህጻናት ሓደ ዓመት እንከይመለኦም መጥባሕቲ ከም ዝግበረሎም ብምሕባር፡ “ልክዕ ከምዚ ሰገን ትሽዓተ ዓመት ምስ በጽሑ ግን፡ ጸቕጢ ሳምቡኦም ልዕል ዝበለ’ዩ ዝኸውን።

ስለዚ ድሕሪ ሕክምና መጥባሕቲ ብሰንኪ ጸቕጢ ሳምቡእ ኣብ ጸገም ንከይኣትውን ልቢ ንኸይትጕዳእን፡ ልዑል ጥንቃቐ ክንገብር ነይሩና” ኢሉ።

ብሕክምና ልቢ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝፍለጡ ሰብሞያ ሓደ ዝዀነ ዶክተር ሺቢቆም፡ ነዚ ንህጻን ጂዶ ዝተገበርሉ ሕክምና መጥባሕቲ “ክሳብ ሕጂ ካብ ዝገበርክዎም መጥባሕቲ፡ በዳሂ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ መጥባሕቲ ኣብ እተካይደሉ ኣመና ከደናግር ዝኽእል እዩ” ብምባል እዩ ገሊጽዎ።

ወላዲ ህጻን ጂዶ ኣቶ ጂማ ስምዒቶም ክገልጹ እንከለዉ፡ “ሓጐሰይ ክቈጻጸረሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ እየ ዘለኹ። ውላደይ ረኺበዮ” ብምባል፡ ነቲ መጥባሕቲ ንዝገበሩ ሰብሞያ ኣመስጊኖም።