ዱባይ፡ 'ከምዚ ኸ ኣሎ ድዩ?' ዘጸይፍ መርበብ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ተቓሊዑ

ኣብ ዱባይ ዝርከብ ሓላፊ ዓንኬል ንግዲ ጾታዊ ርክብ ብቢቢሲ ተቓሊዑ

መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ምስ ጾታዊ ተግባራት ዝተኣሳሰር ዝርብሽ ትሕዝቶን ስእላዊ መግለጺታትን ዝሓዘ እዩ።

መስመር

ካብቶም ኣዝዮም ምዕሩጋት ከባቢታት ዱባይ ውጽእ ኢሉ ዝንቀሳቐስ መርበብ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ዝመርሕ፡ ከምኡ'ውን ተቓላዕቲ ደቀንስትዮ ዝምዝምዝ ውልቀሰብ፡ ቢቢሲ ብዘካየዶ መርመራ ተቓሊዑ።

ኣብ ለንደን መራሒ ኣውቶቡስ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ቻርለስ ምወሲግዋ፡ ንሕቡእ መርማሪ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ደቀንስትዮ ኣብ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ንኽዋፈራ ክሳብ ሓደ ሽሕ ዶላር መበገሲ ዋጋ ናብ ዝሓቱ ድግሳት ከቕርብ ከም ዝኽእልን መብዛሕትአን "ዳርጋ ኵሉ ዓሚል" ዝደልዮ ክገብራ ከም ዝኽእላን ይገልጽ።

ኣብ ኢማራት ኢማራት ዓረብ፡ ጽዑቕ ድግሳት፡ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ከም ዝካየድ ዝገልጽ ወረታት ንዓመታት ክዝርጋሕ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ቲክቶክ ልዕሊ 450 ሚልዮን ግዜ ዝተራእየ #Dubaiportapotty ዝብል ሃሽታግ፡ ምስ ላግጽን ምቅላዕን ናይተን ብገንዘብ ዝዓወራ ጸለውቲ ተባሂለን ዝተኸሰሳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ልዕሊ ዓቐን ዝዀነ ጾታዊ ጠለባት ብምምላእ ንኣገባብ ህይወተን ብሕቡእ ይምውላ እየን ዝብል ግጕይ ምስሊ ይመሓላለፍ ነይሩ።

ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ዘካየዶ መርመራ ግን፡ እቲ ክውንነት ካብዚ ንላዕሊ ዝኸፍአ ምዃኑ የርኢ።

መንእሰያት ደቀንስትዮ ዩጋንዳ፡ ኣብ ስርሓት ጾታዊ ርክብ ቻርለስ ምወሲግዋ ክንዋፈር ኢና ዝብል ትጽቢት ከም ዘይነበረን ይገልጻ።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ከም ሱፐርማርኬት ወይ ሆቴላት ዝኣመሰሉ ቦታታት ንምስራሕ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ዝተጕዓዛ ይዛረባ።

ብውሑድ ሓደ ካብ ዓማዊል ሚስተር ምወሲግዋ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ደቀንስትዮ ክሸይን (ሽንቲ ደገ) ብቐጻሊ ይሓተን ከም ዝነበረን "ሚያ" ትገልጽ።

"ሚያ" ንድሕነታን መንነታ ንምሕላውን ብዝብል ሽማ ተቐይሩ'ዩ። ንሳ፡ ኣብ መርበብ ምወሲግዋ ተሸሚማ ከም ዝነበረት ትዛረብ።

ሚስተር ምወሲግዋ ነቲ ክሲ ይነጽጐ።

ንሱ፡ ደቀንስትዮ ብመገዲ ኣካረይቲ መንበሪ ገዛ ንኽረኽባ ከም ዝሕግዘንን፡ ብምኽንያት እቲ ምስ ሃብታማት ዱባይ ዘለዎ ርክባት ግን ደቀንስትዮ ናብ ድግሳት ከም ዝስዕባኦን ይዛረብ።

ምስኡ ዝተኣሳሰራ ክልተ ደቀንስትዮ ካብ ልዑል ደርቢ ኣፓርታማታት ወዲቐን ከም ዝሞታ እውን ሓበሬታ ረኺብና።

እቲ ሕልፈተን፡ ነብሰ ቅትለት ተባሂሉ'ኳ እንተተወሰነ፡ መቕርባተንን ቤተሰበንን ግን ፖሊስ ዝያዳ መርመራ ክገብር ነይርዎ ይብሉ።

ምወሲግዋ፡ እቶም ፍጻመታት ብፖሊስ ዱባይ ከም ዝተመርመሩ ብምግላጽ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተደሊኹም ሕተቱዎም ኢሉና።

እንተዀነ፡ ፖሊስ ዱባይ ቢቢሲ ንዘቕረቦ ሕቶ መልሲ ኣይበሃን።

ሓንቲ ካብተን ህይወታ ዝሰኣነት ጓል 23 ዓመት ሞኒክ ካሩንጊ፡ ካብ ምዕራብ ዩጋንዳ እያ ናብ ዱባይ ኣትያ።

ምስ ካልኦት ዓሰርተታት ደቀንስትዮ ድማ፡ ምስተን ንምወሲግዋ ዝሰርሓ ደቀንስትዮ ዝነብራሉ ክፍሊ ትነብር ከም ዝነበረትን፡ ሓንቲ ካብተን ኬራ ኢልና እንጽውዓ ጓለንስተይቲ ምንባራ ትገልጽ።

ኣብ 2022 ኣብ ዱባይ ምስ ሞኒክ ብሓባር ከም ዝነበራ ትዛረብ።

"[ገዛኡ] ዕዳጋ'ዩ ዝመስል... ኣስታት 50 ኣዋልድ ነይረን። [ሞኒካ] ዝተጸበየቶ ነገር ስለ ዘይጸንሓ፡ ሕጕስቲ ኣይነበረት።"

ሞኒክ፡ እቲ ኣብ ዱባይ ዝነበረ ስራሕ ናይ ሱፐርማርኬት እዩ ዝብል ግምት ከም ዝነበራ ሓፍታ ሪታ ገሊጻ።

"ንሱ [ምወሲግዋ] ናብ ዓደይ ክምለስ እየ ክብሎ ከለኹ ይቝጣዕ፡" ትብል ሚያ።

ሚያ'ውን ንሞኒክ ትፈልጣ'ያ፤ መጀመርታ ናብ ዱባይ ኣብ ዝመጸትሉ እዋን፡ ድሮ 2711 ዶላር ዕዳ ከም ዘለዋን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን እቲ ዕዳ ከም ዝወሰኸን ከም ዘዕለለታ ትዛረብ።

"እቲ ገንዘብ ናይ ኣየር ቲኬት፡ ቪዛ፡ ናይ ዓራትን መግብን እዩ፡" ትብል ሚያ።

"እዚ ማለት ደቂ ተባዕትዮ መጺኦም [ምሳና] ንኽድቅሱ ክትልምን፡ ኣበርቲዕካ፡ ኣበርቲዕካ፡ ኣበርቲዕካ ክትሰርሕ ኣለካ ማለት'ዩ።"

ሞኒክ፡ ድሕሪ ሓያሎ ሰሙናት ንምወሲግዋ እተእውዶ ዕዳ፡ ልዕሊ 27 ሽሕ ዶላር ከም ዝበጽሐ፡ ማይክል ኢልና ንእንጽውዖ ዘመዳ ነጊራቶ ከም ዝነበረት ይገልጽ። ድሕሪኡ ካብኣ ዝልኣኹሉ ዝነበሩ ናይ ድምጺ መልእኽቲታት፡ እናበኸየት እዮም ነይሮም ይብል።

ሞኒክ ኣብ ገጠር ዩጋንዳ ምስ ዓሰርተ ኣሕዋታ እያ ዓብያ

ምንጪ ስእሊ, Family handout

መግለጺ ስእሊ, ሞኒክ ኣብ ገጠር ዩጋንዳ ምስ ዓሰርተ ኣሕዋታ እያ ዓብያ

ሚያ፡ እቶም ዓማዊል መብዛሕትኦም ጸዓዱ ኤውሮጳውያን ምዃኖምን፡ ካብቲ ልሙድ ኣካላት ጾታዊ ርክብ ወጻኢ ዕግበት ጾታዊ ርክብ ንምርካብ ምስ ካልእ ነገራት ጽንኩር ድልየት ዝነበሮምን ደቂ ተባዕትዮ ከም ዘጠቓልሉን ነጊራትና።

"ሓደ ነይሩ፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝሸይን [ሽንቲ ደገ]። ኣብ ዝባነን ሸይኑ ብልዕኦ ይብለን፡" ትብል እናሓዘነት።

ካልእ 'ሌክሲ' ኢልና እንጽውዓ፡ ብዝተፈለየ መርበብ ከም ዝተታለለት ትዛረብ፤ ነቲ ኵነታት ዳርጋ "ተንቀሳቓሲ ሽቓቕ" ብምባል ንዛንታ ሚያ ተራጕድ።

"ሓደ ዓሚል ነይሩ፡ '15,000 ዲርሃም ኢማራት (4,084 ዶላር) ክንከፍለኪ፡ ብጕጅለ ክንዕምጸኪ፡ ኣብ ገጽኪ ክንሽይንን፡ ክንሃርመክን፤ ነቲ ቀልቀል እናበላዕኽዮ ክንስእለኪ -ቪድዮ- ድማ 5,000 ($1,361 ዶላር) ክንውስኸኪ፡" ዝብል ምዃኑ ትገልጽ።

እቲ ዝሓለፈቶ ተመኵሮ፡ ኣብዚ 'ኣኽራሪ ዓሌታዊነት ኣሎ' ኢላ ክትኣምን ገይርዋ እዩ።

"ከምኡ ክገብር ኣይደልን እየ ኣብ ዝበልኩሉ እዋን፡ ዝያዳ ህልኽ ዝሕዞም ይመስል። ዝበኪ፡ ዘእውን ዝሃድምን ሰብ እዮም ዝደልዩ። እዚ ድማ [ብናቶም ዓይኒ] ጸሊም ሰብ ክኸውን ኣለዎ።"

ሌክሲ፡ ካብቶም ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም ኢላ ዝሓሰበቶም እንኮ ሰባት - ፖሊስ - ሓገዝ ክትረክብ ከም ዝፈተነት ትዛረብ።

ግን "ኣቱም ኣፍሪቃውያን ኣብ ነንሕድሕድኩም ጸገም ትፈጥሩ። ኣብዚ ኢድና ከነእቱ ኣይንደልን ኢሎም እዮም ተሌፎን ዝዓጽውዎ፡" ኢላ።

እዚ ክሲ ናብ ፖሊስ ዱባይ እኳ እንተኣቕረብናዮ መልሲ ኣይሃቡን።

ሌክሲ ኣብ መወዳእታ ሃዲማ ናብ ዩጋንዳ ተመሊሳ፤ ሕጂ ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ንምድሓንን ንምድጋፍን ትሕግዝ።

ሞኒክ፡ ካብዚ ኣብ ዱባይ ዝርከብ ህንጻ ዋርሳን እያ ብግንቦት 2022 ወዲቓ ሞይታ
መግለጺ ስእሊ, ሞኒክ፡ ካብዚ ኣብ ዱባይ ዝርከብ ህንጻ ዋርሳን እያ ብግንቦት 2022 ወዲቓ ሞይታ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንቻርለስ ምወሲግዋ ምርካብ ቀሊል ኣይነበረን።

ኣብ ኢንተርነት ሓንቲ ስእሊ ጥራይ ኢና ክንረክብ ክኢልና፣ እዚ ኸኣ ብሕቘኡ ዝተሳእላ እያ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እውን ዝተፈላለዩ ኣስማት እዩ ዝጥቀም።

ግን ብውህደት ክፉት ምንጪ ስለያ፡ ሕቡእ መጽናዕትን ሓበሬታን ካብ ሓደ ኣባል መርበቡ ነበር፡ ናብ ሓደ ኣብ ዱባይ ዝርከብ - ጁመይራ ቪላጅ ሰርክል - ብምኻድ ረኺብናዮ።

ምንጭታት ብዛዕባ እቲ ዝሰርሖ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ዝነገሩና ንምርግጋጽ፡ ንደቀንስትዮ ንዘዋርድ ጾታዊ ተግባራት ምቕራብ፣ ከም ኣዳላዊ ፕሮግራማት መሲሉ ንዓበይቲ ድግሳት ደቀንስትዮ ዝደለየ ሕቡእ ሪፖርተር ሰዲድና።

ሚስተር ምወሲግዋ ብዛዕባ እዚ ንግዲ ክዛረብ ከሎ ህዱእን ርእሰ ተኣማንነትን ዘለዎ ኰይኑ ተራእዩ።

"25 ኣዋልድ ኣለዋና። መብዛሕትአን ቅኑዓት እየን . . . ዳርጋ ኵሉ ነገር ክገብራ ይኽእላ እየን።"

ቀጺሉ፡ ብዛዕባ ዋጋ ዝርዝር መብርሂ ይህብ፤ ንሓንቲ ጓለንስተይቲ ንለይቲ ሓደ ሽሕ ዶላር፤ "ንዘይተለምደ ነገር፡" ድማ ልዕሊኡ፡" በለ።

ድሕሪኡ፡ ነቲ ሪፖርተርና "ንመርኣዪ ለይቲ" ምጻእ ኢሉ ዓዲሙዎ።

እቲ ሕቡእ ሪፖርተር፡ ብዛዕባ እቲ "Dubai porta potty" ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ብዝሩብ ትርጕሙ "ተንቀሳቓሲ ሽቓቕ" ዝብሃል ሓቲቱዎ።

"ክፉት ኣእምሮ'ዩ ዘለወን እኰ ኢለካ። ክፉት ኣእምሮ ክብለካ ከለዅ . . . እታ ዝተፈለየት ክሰደልካ እየ፡" ኢሉ መለሰ።

ኣብ መንጐ ዕላሎም፡ ምወሲግዋ፡ ቅድሚ ሕጂ መራሒ ኣውቶቡስ ለንደን ከም ዝነበረ ገሊጹ።

ነዚ፡ ኣብ 2006 ኣብ ምብራቕ ለንደን ኣብ ወግዓዊ ሰነድ ከም ዘቐመጦ መርትዖታት ረኺብና ኢና።

ቀጺሉ ድማ ነዚ ቢዝነስ ከም ዝፈትዎ ንሪፖርተርና ሓቢሩ።

"ሎተሪ ክዕወት ይኽእል ነይረ፡ ሚልዮን ፓውንድ፡ ግን ሕጂ'ውን ምገበርክዎ... እዚ ኣካል [ህወይተይ] ኰይኑ'ዩ።"

ምዌሲግዋ፡ ናይ ዓዲ ኢንግሊዝ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ከም ዘለዎ ኣርእዩና፤ ኣብ ለንደን ድማ መራሒ መኪና ከም ዝነበረ ገሊጹ
መግለጺ ስእሊ, ምወሲግዋ፡ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ፍቓድ መምርሒ መኪና ከም ዘለዎ ኣርእዩና፤ ኣብ ለንደን ድማ መራሒ መኪና ከም ዝነበረ ገሊጹ

"ትሮይ" ዝተባህለ ኣካያዲ ስራሕ መርበብ ምወሲግዋ ከም ዝነበረ ዝዛረብ ውልቀሰብ፡ ነዚ ንግዲ ብኸመይ ከም ዘመሓድሮ ዝያዳ ሓበሬታ ሂቡና።

ሚስተር ምወሲግዋ እተን ናብ ዝተፈላለዩ ክለባት ዝወስደን ደቀንስትዮ፡ ዓማዊል ንክረኽባ፡ ንናይ ጸጥታ ሰባት ገንዘብ ከም ዝኸፍል ይዛረብ።

"ኣብ ህይወተይ ርእየዮም ዘይፈልጥ ዓይነታት ጾታዊ ርክብ ሰሚዐ እየ። ሃብታማት ደቂ ተባዕትዮ ሕጕሳት ክሳብ ዝዀኑ እንታይ ትሓልፍ ኣየገድስን . . . [እተን ደቂ ኣንስትዮ] መህደሚ መገዲ የብለንን...ምስ ሙዚቀኛታት ይድቅሳ፡ ምስ ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ይድቅሳ፡ ምስ ፕረዚደንታት ይድቅሳ።"

ሚስተር ምወሲግዋ ነዚ ስራሕ ክሰርሕ እንከሎ፡ ተሓታቲ ዝዀነሉ ኣሰራት ከም ዘይገድፍ ትሮይ ይገልጽ።

ምኽንያቱ፡ ትሮይን ካልኦትን ከም መራሕቲ መካይን ጥራይ ዘይኰነ፡ መካይንን ኣፓርትመንታትን ንምክራይ ኣሽማቶም እዩ ዝጥቀም።

ስለ ዝዀነ፡ኣብ ኣገደስቲ ወረቓቕቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ስም ፈጺሙ ከም ዘይርከብ ይዛረብ።

ሞኒክ ብ27 ሚያዝያ 2022 ካብ ኣል ባርሻ - ኣብ ዱባይ ብወጻእተኛታት ዝፍቶ መንበሪ ከባቢ - ስእሊ ተሳኢላ ጠቂዓ ነይራ።

ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ግን ሞይታ። ኣብ ኢማራት ንኣርባዕተ ወርሒ ጥራይ እያ ጸኒሓ።

ሞኒክ ዝጠቅዓቶ ናይ መወዳእታ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Instagram

መግለጺ ስእሊ, ሞኒክ ዝጠቅዓቶ ናይ መወዳእታ ስእሊ

ሚያ ከም እትብሎ፡ ሞኒክን ሚስተር ምወሲግዋን ብቐጻሊ ክካትዑ ጸኒሖም እዮም።

ሞኒክ ንጠለባት ምወሲግዋ ኣየማኣልእን ብምባል ካብቲ መርበቡ መውጽኢ መገዲ ረኺባ ከም ዝነበረት ትጠቅስ።

"ገለ ዓይነት ስራሕ ረኺባ ነይራ፣ ኣዝያ ተሓጒሳ ነይራ። ነጻ ክወጽእ እየ ዝብል እምነት ነይሩዋ፤ ስራሕ ስለ ዝረኸበት፡ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ምድቃስ ኣእኺሉ ናብ ስሩዕ ህይወታ ክትምለስ እያ ትሓስብ ነይራ፡"።

ሞኒክ ናብ ካልእ ኣፓርታማ ቀይራ፤ እዚ ካብቲ ዝጸንሓትሉ ብእግሪ 10 ደቒቕ ጥራይ ይወስድ።

ካብ ባልኮኒ ናይዚ ኣፓርታማ እያ ብሓደ ግንቦት 2022 ጸዲፋ።

ሞኒክ ኣብ ዝሞተትሉ እዋን ኣብ ኢማራት ዓረብ ዝነበረ ዘመዳ ሚካኤል፡ መልሲ ንምርካብ ከም ዝፈተነ ይዛረብ።

ፖሊስ መርመራኦም ደው ከም ዘበሉዎ፡ ኣብቲ ሞኒክ ዝወደቐትሉ ኣፓርታማ ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተ ከም ዝረኸቡን፡ ኣብቲ ባርኮኒ ድማ ኣሰር ኣጻብዕታ ጥራይ ከም ዝረኸቡን ሓቢሮም ይብል።

ንሞኒክ ካብ ሓደ ሆስፒታል ናይ ሞት ምስክር ወረቐት ተዋሂቡዎ፤ ብኸመይ ከም ዝሞተት ግን ኣይገልጽን። ስድራኣ ድማ ጸብጻብ መርዛም ነገራት ክረኽቡላ ኣይከኣሉን።

ኣብቲ ኣፓርታማ ዝነብር ጋናዊ ሰብኣይ ግን ዝያዳ ተሓባቢሩዎም፤ ንሱ ነቲ ሓላፊ ሞኒክ እዩ ዝበሎ ሰብኣይ ንምርኻብ ናብ ካልእ ብሎክ ከም ዝወሰዶ ሚካኤል ይዛረብ።

ሚካኤል ኣብኡ በጺሑ እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣበይ ከም ዝዕቈባ ምስ ረኣየ ዘጋጠሞ ነገራት የብርህ።

ኣብ ሳሎን ብዝነበረ ትኪ ሺሻ ተኸዊሉ፡ ኣብ ጣውላ ኮኬይን ዝመስል ነገርን ኣብ ጠረጴዛ ምስ ዓማዊል ጾታዊ ርክብ ዝፍጽማ ደቀንስትዮን ከም ዝርኣየ ይዛረብ።

ነቲ ኣቐዲምና ቻርለስ ምወሲግዋ ኢልና ዝገለጽናዮ ሰብኣይ ምስ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓራት ከም ዝረኸቦን፡ ናብ ፖሊስ ክወስዶ ምስ ፈተነ ሚስተር ምወሲግዋ "ኣብ ዱባይ 25 ዓመት ኣሕሊፈ ኣለኹ። ዱባይ ናተይ እያ... ኣሕሊፍካ ክትህበኒ ኣይትኽእልን... ኤምባሲ ኣነ እየ፡ ኣነ ኤምባሲ እየ፡" ኢሉ ከም ዝመለሰሉ ይገልጽ።

"[ሞኒክ] ጥራይ ኣይኰነትን ዝሞተት፤ ንሳ ድማ ናይ መወዳእታ ኣይክትከውንን እያ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ሚያን ኬራን ክልቲአን በብወገነን ነዚ ዕላል ከም ዝሰምዓኦ ብምግላጽ፡ እቲ ምልልሶም ከምኡ ከም ዝነበረ ኣረጋጊጸን።

ንሚስተር ምወሲግዋ እዚ እንታይ ማለትካ እዩ ኢልና ምስ ሓተትናዮ፡ ከምኡ ኣይበልኩን ብምባል ነጺጕዎ።

ሞት ሞኒክ ምስቲ ካልእ ምስኣ ኣብ ሓደ ከባቢ እትነብር ዝነበረትን ኣብ 2021 ካብ ዱባይ ካብ ዝርከብ ልዑል ደርቢ ኣፓርታማ ድሕሪ ምውዳቓ ዝሞተትን ካይላ ቢሩንጊ ዝተባህለት ካልእ ዩጋንዳዊት፡ ብቻርለስ ምወሲግዋ ትመሓደር ከም ዝነበረት ዝሕብር መርትዖታት ረኺብና።

ስድራ ካይላ ዝሃቡና ቍጽሪ ተሌፎን ዋና ገዛኣ፡ ሓንቲ ካብ ቍጽሪ ተሌፎን ምወሲግዋ ኰይና ረኺብናያ።

ትሮይን ካልኦት ኣርባዕተ ነዚ መርመራ ዘዘራረብናየን ደቀንስትዮን፡ ብተወሳኺ ሚስተር ምወሲግዋ ነቲ ኣፓርታማ ከም ዘመሓድሮ ኣረጋጊጾም።

ካልእ ካብ ሓደ ዓብዪ ህንጻ ጸዲፋ ዝሞተት ዩጋንዳዊት ካይላ

ምንጪ ስእሊ, Instagram

መግለጺ ስእሊ, ካልእ ካብ ሓደ ዓቢይ ህንጻ ጸዲፋ ዝሞተት ዩጋንዳዊት ካይላ

ኣዝማድ ካይላ፡ ንሳቶም - ከም ስድራቤት ሞኒክ - ሞት ካይላ ምስ ኣልኮላዊ መስተን ሓሽሽን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ከም ዝሰምዑ ይዛረቡ።

ቢቢሲ ዝረኣዮ ጸብጻብ መርዛም ነገራት -toxicology- ግን ኣብ እዋን ሞታ ኣብ ስርዓት ኣካላታ ዝዀነ ነገር ከም ዘይነበረ ይሕብር።

ስድራቤት ካይላ፡ ሬሳኣ ናብ ሃገሮም ክመልስዎን ስነ ስርዓት ቀብሪ ክፍጽሙን ክኢሎም እዮም፤ ሬሳ ሞኒክ ግን ኣይተመልሰን።

መርመራና፡ ኣብቲ "ዘይተፈልጠ" ተባሂሉ ዝግለጽ ክፋል መካነ መቓብር ኣል ቝሳይስ ዱባይ ተቐቢራ ክትከውን ከም እትኽእል ኣረጋጊጹ።

ምልክት ዘይተገብረሎም መቓብራት ብመስርዕ ዝሓዘ ኰይኑ፡ ብተለምዶ መቓብር ናይቶም ስድራኦም ሬሳኦም ናብ ሃገሮም ክመልሱ ዘይከኣሉ ስደተኛታት ምዃኑ ይግመት።

ሞኒክን ካይላን ኣካል ናይቲ ንዩጋንዳ ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዘራኽብ ሰፊሕን ዘይወግዓውን ሻምብቆ እየን ነይረን።

ዩጋንዳ ምስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት ኣብ እትቃለሰሉ ዘላ እዋን፡ ሰራሕተኛታት ናብ ወጻኢ ሃገራት - ብቐንዱ ኣብ ግዝኣታት ወሽመጥ - ናብ ስራሕ ብምግዓዝ፡ ኣብ ዓመት 1.2 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ግብሪ ነታ ሃገር ዘበርክት ዓቢ ኢንዱስትሪ ኰይኑ ኣሎ።

እዞም ዕድላት እዚኣቶም ግን ሓደጋ ኣሰንዮም ክመጽኡ ይኽእሉ እዮም።

ኣንጻር ምዝመዛ እትቃለስ ዩጋንዳዊት ማርያም ምዊዛ፡ ካብ ከባቢ ወሽመጥ ወሽመጥ ንልዕሊ 700 ሰባት ንምድሓን ከም ዝሓገዘት ትዛረብ።

"ጕዳይ ኣብ ሱፐርማርኬት ክሰርሑ ቃል ዝተኣተወሎም ሰባት ዝምልከት ንረክብ። ድሕሪኡ [እቲ ሰብ] ኣብ መወዳእታ ከም ፋይቶት ኰይኑ ይሽየጥ፡" ኢላ።

ስድራ ሞኒክ ነታ ወትሩ ዝሓሸ ህይወት ክትረክብ እተመዓዱ ዝነበረት ህይወታ ዝሓለፈት ጓሎም ብሓዘን ይዝክሩ
መግለጺ ስእሊ, ስድራ ሞኒክ ነታ ወትሩ ዝሓሸ ህይወት ክትረክብ እተመዓዱ ዝነበረት ህይወታ ዝሓለፈት ጓሎም ብሓዘን ይዝክሩ

ንስድራቤት ሞኒክ፡ ሕጂ ሓዘን ምስ ፍርሒ ተሓዋዊሱዎም ኣሎ።

ዝዀነ ነገር እንተዘይተገይሩ፡ ዕጫ ካልኦት ስድራቤታት እውን ተመሳሳሊ እዩ ክኸውን ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

"ኵላትና ሞት ሞኒካ ኢና ንርኢ ዘለና፤ እተን ገና ብህይወት ዘለዋ ኣዋልድ ግን መን ኣለወን? ገና ይሳቐያ እየን ዘለዋ፡" ይብል ሚካኤል።

ቢቢሲ ንቻርለስ "ኣቢ" ምወሲግዋ ኣብ መርመራና ንዝቐረበ ኵሉ ክስታት መልሲ ክህብ ሓቲቱ።

ዘይሕጋዊ ቀለበት ንግዲ ጾታዊ ርክብ ከም ዝመርሕ ግን ነጺጉ።

"እዚ ኵሉ ናይ ሓሶት ክስታት እዩ፡" ኢሉ።

"ኣነ ኣብ ጣውላታተይ ዓበይቲ ወጻኢታት ዝገብሩ ሰባት ዝዕድም ናይ ፓርቲ ሰብ ጥራይ እየ ኢለኩም ነይረ፤ በዚ ድማ ብዙሓት ኣዋልድ [ናብ] ዘለዅዎ ክውሕዛ ይገብር። እዚ ድማ ብዙሓት ኣዋልድ ከም ዝፈልጥ ይገብረኒ፡"።

ብተወሳኺ "[ሞኒክ] ፓስፖርታ ሒዛ እያ ሞይታ፤ እዚ ማለት ገንዘብ ዝሓታ ዝወሰዳ ሰብ ኣይነበረን ማለት'ዩ። ቅድሚ ሞታ ንልዕሊ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ሰሙን ዘይረኣኹዋ፡" ኢሉ።

"[ሞኒክን ካይላን] ይፈልጠን ነይረ፡ [ንሳተን] ድማ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካረይቲ እየን ነይረን። ኣብ ክልቲኡ ገዛ ዝዀነ ሰብ እንተዘይተኣሲሩ ወይ ዝዀነ ካብቶም ኣካረይቲ እንተዘተታሒዙ፡ ዝዀነ ምኽንያት ኣሎ ማለት እዩ። ክልቲኦም ፍጻመታት ብፖሊስ ዱባይ ዝተመርመሩ እዮም፡ ምናልባት ድማ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።"

ቢቢሲ ምስ መደበር ፖሊስ ኣል ባርሻ ብምርኻብ፡ ፋይላት ጕዳይ ሞኒክ ካሩንጊን ካይላ ቢሩንጊን ንምርኣይ ሓቲቱ።

ነቲ ሕቶ ወይ ሞት ሞኒካን ካይላን ብግቡእ ከም ዘይተመርመረ ንዝቐረበሉ ክስታት ድማ መልሲ ኣይሃበትን።

ቢቢሲ ምስ ሞኒክ ካሩንጊ ብዝተኣሳሰር ዝዀነ ጸብጻብ መርመራ መርዛም ነገራት ክርኢ፡ ወይ ድማ ምስ ኣካራዪ ናይቲ ንሳ ክትመውት እንከላ እትነብረሉ ዝነበረት ኣፓርታማ ክራኸብ ኣይከኣለን።