'እኩይ'ዩ' - ብወዲ 14 ዓመት ኮተቴ ዝተዓመጸት ኣደ

ማርክ ጎርደን

ማርክ ጎርደን፡ ሓደገኛ " ወፈፌ" እዩ ትብል ቅድሚ 36 ዓመታት ዝተዓመጸት ኣመሪካዊት ጓለንስተይቲ።

ንሳ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ንዕድመ ልክዕ ክእሰር ምተገብኦ ኢላ።

ጎርደን ወዲ 14 ዓመት ከሎ ኣብ ሚያሚ ኣብ ልዕሊ ጎረቤቱ ብካራ መጥቃዕቲ ብምፍጻም እዩ ተኣሲሩ።

ሕጂ ቢቢሲ ኒውስ፡ ናይቶም ዝፈጸሞም ገበናት ዘሰንብድ ባህሪ ዘቃልዕ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ረኺቡ ኣሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን 51 ዓመት ዝዕድሚኡ ጎርደንን ከምኡ'ውን ኮንስታንስ ማርተን ዝተባህለት ጓል 38 ዓመት መጻምድቱን፡ ካብ ሰበስልጣን ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝሃድሙሉ እዋን ውላዶም ቪክቶርያ ምሟታ ስዒቡ፡ ብከቢድ ብሸለልትነት ብዝተፈጸመ ዘይፍቓድ ቅትለት ገበነኛታት ኰይኖም ተረኺቦም ኣለዉ።

ሽዑ ኣብ መዝገብ ጾታዊ ገበነኛታት ዓባይ ብሪጣንያ ዝሰፈረ ጎርደን፡ መጻምድቱ ነፍሰጾር ከላ ምስ ጠፍአ እዮም ክልቲኦም መጻምድቲ ትኹረት ሃገር-ለኸ ኣለሻ ኰይኖም።

ካልኦት ኣርባዕተ ደቆም ብማሕበራዊ ኣገልግሎት ተወሲዶም ኣብ ክንክን ይርከቡ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ተወሊዱ ግን ከኣ ቆልዓ ከሎ ካብታ ሃገር ዝወጸ ጎርደን፡ ብዓመጽ ዝተፈርዶ ፍርዲ ዘይሕጋዊ ምዃኑ እዩ ወትሩ ዝገልጽ።

ብሕጋዊ ምኽንያት፡ ዳያኑ ኣብቲ ናይ መጀመርታ መስርሕ ፍርዲ፡ ጎርደን ኣብ 1989 ብዓመጽ ተፈሪድዎ ከም ዝነበረ ኣይተነግሮምን፡ ኣብቲ ዳግማይ ፍርዲ ግን እዚ ዝርዝር ሓበሬታ ተቐልቂሉ።

ን40 ዓመታት ክእሰር ተፈሪድዎ፡ ን20 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ተጠሪዙ።

ቢቢሲ ኒውስ ኣብ 1990 ኣብ ፎርት ላውደርዴል ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ካብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ስለዝረኸበ ምሉእ ዝርዝር ናይቲ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ ክገልጽ ይኽእል እዩ።

ግዳይ እቲ ገበን ዝዀነት ጄን (ስማ ዝተቐየረ) ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣመሪካ ብኣሽሓት ማይላት ርሒቑ ዝነበረ ሕጋዊ መስርሕ ከምዝተኸታተለቶ ንቢቢሲ ገሊጻ።

እቲ ቅድሚ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ልዕሊኣ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብኣይ፡ ኣብ 2023 ካብ ፖሊስ ዓባይ ብሪጣንያ ተሓቢኡ ከምዝነበረ ምስ ፈለጠት "ከም ዝሰንበደት" ትዛረብ።

ወሲኻ ድማ ጎርደን ኣብ ኣመሪካ ንዕድመ ልክዕ ክእሰር ነይርዎ ትብል።

"እተን ምስኡ ዘሕለፍክወን ኣርባዕተ ሰዓትን ፈረቓን፡ እከይ ምዃኑ ንኽፈልጥ እኹላት ነይረን።"

መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ መግለጺታት ዓመጽ ዝመልኦ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝሓዘ እዩ።

ጎርደን ቆልዓ ከሎ ምስ ኣዲኡ ናብ ኣሜሪካ ግዒዙ። ኣብ መጀመርታ ኣብ ኒውዮርክ ይነብሩ ነይሮም፤ ብድሕሪኡ ኣብ ማያሚ ክነብሩ ጀሚሮም።

ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ 1989፡ ሓደ ለይቲ፡ ማስክ ተኸዲኑን ካራን ናይ ጀርዲን ዓቢ መቐስን ሒዙ ናብ መንበሪ ጎረቤቱ ብኸመይ ሰይሩ ከም ዝኣተወ ወረቓቕቲ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ የመልክቱ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ ጎርደን ኣደ ክልተ ቆልዑ ንዝዀነት ጄን፡ ንልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓታት ብኸመይ ከም ዝዓመጻ ሰሚዑ።

ኣብቲ እዋን ኣውያት እንተስሚዓ፡ ዕድሚኦም ትሽዓተን ሸውዓተን ዓመት ዝነበሩ ደቃ ክቐትሎም ምዃኑ ኣፈራሪሕዋ።

ሽዑ ዕድሚኣ 30 ዓመት ዝነበረት ጄን፡ ከልባ ክነብሕ ከሎ ሰሚዓ ከም ዝተበራበረት ንዳኛ ገሊጻ።

"ናብ ማዕጾ መደቀሲየይ ከይደ፡ ሰጋእመጋእ ኢለ። ነቲ ማዕጾ ምስ ከፈትክዎ ጸሊም ክዳን ዝለበሰን ብማስክ ዝተሸፈነን ሰብ ርእየ፡" ትብል።

ሽዑ ጄን ኣእውያ፡ ንሱ ግን "ከይተእውዪ ወይ ደቅኺ ክቐትሎም እየ" ኢሉዋ።

"ኣማራጺ ከም ዘይብለይ ፈሊጠ" ትብል።

"እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝሞተላ መዓልቲ ስለ ዝዀነት ደቀይ ክሰናበት ነጊሩኒ። ከምተን ካልኦት ጽብቕቲ ከም ዘይኰንኩ፡ ዋጋ ከም ዘይብለይ ነጊሩኒ፡ እዚ ድማ ዝዓመጸኒ ቀዳመይቲ ሰብ ከም ዘይኰንኩ ክኣምን ገይሩኒ።"

"እዚ ክብለኒ ከሎ፡ በቲ ካራ ኣብ ኣካላተይ ንላዕልን ታሕትን ይነኽኣኒ ነይሩ። ቆርበተይ እንከይሓረደ ግን ብዘሕምም መገዲ ከምኡ ይገብር ነይሩ" ትብል።

"ኣብ ልበይ ገይሩ፡ 'ክገብሮ ዘለኒ ምድፋእ ጥራይ'ዩ፡ ሽዑ ትሞቲ' ኢሉኒ። ደቀይ፡ ኣካላተይ ብደም ተሸፊኑ ከይረኽብዎ ፈሪሐ። በቲ ዝገብሮ ዝነበረ መባህረሪ ተግባር ይሕጎስ ነይሩ።"

ማርክ ጎርደን ኣብ 1989 ኣብ እዋን ክእሰር እንከሎ ዝተሳእሎ ምስሊ

ምንጪ ስእሊ, Broward State Attorney’s Office

መግለጺ ስእሊ, ማርክ ጎርደን ኣብ 1989 ኣብ እዋን ክእሰር እንከሎ ዝተሳእሎ ምስሊ

ንጄን ምስ ኣጥቀዐ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን፡ ጎርደን ፓትሪክን ኣኔት ናሽን ዝበሃሉ መጻምድቲ ገዝኦም ሰይሩ ከም ዝኣተወ እውን እቲ ቤት ፍርዲ ሰሚዑ።

መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ጸሊም ክዳንን ተኸዲኑ ናብ መደቀሲ ክፍሎም ከም ዝኣተወ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።

ኣኔት ካብ ድቃሳ ተበራቢራ ምስ ኣእወየት፡ ጎርደን ቅድሚ ምህዳሙ ንሰብኣያ ብባዴላ ሃሪምዎ።

ኣብ 29 ለካቲት 1990 ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ፡ ጎርደን ብኣርባዕተ ገበናት ዕጥቃዊ ጾታዊ ምድብዳብ (ዓመጽ)፡ ሓደ ብዕጥቃዊ ጭውያ፡ ሓደ ብኸቢድ ደብዳብን ክልተ ድማ ብብረት ቤት ምስባርን ገበነኛ ምዃኑ ተኣሚኑ።

ድሒሩ ግን ገበነኛ ምዃኑ ስሒቡ፡ ኣብ 1994 ኣብ ዝተኻየደ ህውከት ዝመልኦ መስርሕ ፍርዲ ድማ ተፈሪድዎ።

ኣብ እዋን መስርሕ ፍርዲ፡ ቀንዲ ምስክር መከላኸሊ ኰይና ዝቐረበት ኣዲኡ ሲልቭያ ሳቸል ነይራ።

ንሳ፡ ወዳ ኣብ በርሚንግሃም ኣብ ዝርከብ መዋእለ ህጻናት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ዕድሚኡ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝዀነ ንዳኛ ገሊጻ።

እቲ ፍርዲ "ቁሩብ ክተፍኩሱሉ'የ ዝሓትት ዘለኹ" ኢላ።

"እዚ ቀዳማይ ገበኑ'ዩ፡ ኣብዚ ንኡስ ዕድሚኡ ድማ ከቢድ ገበነኛ ክኸውን ኣይደልን። ገና ወዲ 15 ዓመት ጥራይ'ዩ።"

ኣብ መወዳእታ ግን ን40 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።

ጎርደን፡ ንገዛ ኻልእ ጎረቤት ሰቢሩ ንምጥቃዕ ዝተጠቐመሉ ባዴላ

ምንጪ ስእሊ, Broward State Attorney’s Office

መግለጺ ስእሊ, ጎርደን፡ ንገዛ ኻልእ ጎረቤት ሰቢሩ ንምጥቃዕ ዝተጠቐመሉ ባዴላ

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ህይወት ጄን ብዓቢ ተጸልዩ።

ብድሕሪኡ ገዝኣ ውሑስ ኰይኑ ከም ዘይስምዓን ካልእ ለይቲ ኣብኡ ክትሓድር ከም ዘይከኣለትን ገሊጻ።

"ሕጂ ብመባህረሪ ሕልሚ ቀትሪ ይሳቐ ኣለኹ፡ ምስ ኣዕሩኽተይ ወይ ኣዝማደይ ድማ ይነብር፡ በይነይ ምዃን ኣዝየ'የ ዝፈርሕ" ክትብል ኣብ 1990 ንቤት ፍርዲ ገሊጻ።

ብሰንኪ'ዚ ድማ ካብ ደቃ ንኣዋርሕ ተፈልያ ከምዝነበረት ትዛረብ።

ጄን፡ ክንዲ ዝካኣላ ኣብ መኪናኣ ጽዒና ከምዝገዓዘት'ውን ትዝክር። ኣብ መወዳእታ ገዝኣ ካብቲ ዝግብኦ ኣዝዩ ብዝተሓተ ዋጋ ተሸይጡ።

ኣብ 1990 ጎርደን ቅድሚ ገበነኛነቱ ምሕሳቡ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ፡ ጄን ነቲ ዳኛ "በጃኻ ነቲ ገበነኛ ዕድመ ልክዕ ብምፍራድ ነቶም ንጹሃት ሓልዎም። ምሕረት ከይትገብረሉ። ገበነኛታት ከምዝቕጽዑ ኣርእዮ" ክትብል ተማሕጺና ነይራ።

"ኣነ ከም ዓቢ ሰብ ክፈርድዎ እምበር ወዲ 18 ዓመት ክኸውን ከሎ ክፍታሕ ኣይደልን ነይረ" ትብል ጄን ኣብዚ እዋን።

"ምሕረት ኣይገበረለይን። ስለዚ ምሕረት ከይትገብሩሉ፡ ነተን ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ኣድሕኑ" ትብል።

"ኣነ በቃ እኩይ ከም ዝዀነ'የ ዝኣምን።"

ጎርደን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣመሪካ ን20 ዓመታት ድሕሪ ምእሳር ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ተጠሪዙ

ምንጪ ስእሊ, Florida Department of Law Enforcement

መግለጺ ስእሊ, ጎርደን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣመሪካ ን20 ዓመታት ድሕሪ ምእሳር ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ተጠሪዙ