ኣብ ዱባይ ሞዴል ፋሽን ኰይኑ ዘሎ ኢትዮጵያዊ ሸቃላይ፡ እንታይ ይብል?

ሳሙኤል ባይሳ ቱፋ

ምንጪ ስእሊ, SAMUEL

ሳሙኤል ባይሳ ቱፋ ይበሃል። ሓንቲ ላምቦርጊኒ መኪና እንትምልከት ህይወቱ ንዘልኣለም ከም ዝቕየር ኣይገመተን። ብዙሕ ሕሰም ርእዩ፡ ገንዘብ ተለቂሑ እዩ ናብ ዱባይ ከይዱ። ዱባይ ግና ዘይተፀበዮ ዕድል ሒዛ ፀኒሓቶ።

"ወዲ ድኻ እየ። ስድራይ ካባይ እዮም ዝፅበዩ። ኣብ ዓድና ድማ ካብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ተመረቕካ ዘሎ ኩነታት ዝፍለጥ እዩ።"

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ቡራዩ እዩ ተወሊዱ ዝዓበየ ሳሜኤል፡ ናብ ዱባይ ካብ ዝኣቱ ሒደት ኣዋርሕ ጥራሕ እዮም ተቖፂሮም። ዩኒቨርሲቲ ስቴት ኦሮሚያ ተምሃራይ ቢዝነስ ማኔጅመንት ነይሩ።

ትምህርቱ ኣቋሪፁ ናብ ዱባይ ከይዱ።

ኣብ ዱባይ ካብ ሓደ መሓዛ ወፃኢ ማንም ኣይነበሮን።

ምእንተ ስድርኡ እዩ ስደት መሪፁ። ታይገር ኣብ ዝበሃል ትካል- ህንፃ ተቖፂሩ። ኣብቲ ትካል ስራሕ ፅሬት፣ ሲሚንቶ ምቕባልን ካልእን ይሽቅል።

ትምህርቱ ኣቋሪፁ ናብ ዱባይ እንተቕንዕ፡ "ዓብይ ተስፋ ሒዘ ነይረ" ይብል።

ስድርኡ ዋላ'ኳ ትምህርቱ ብምቁራፁ ሕጉሳት እንተዘይኰኑ፡ "ንስድራይ ከዕርፎም እየ፡ ኣምላኽ ዓብይ ነገር ከርእየኒ'ዩ" ኢሉ፡ ካብ ልቡ ኣሚኑ ናብ ዱበይ ከም ዝኸደ ይዛረብ።

ኩባንያ ታይገር 900 ድርሃም እዩ ዝኸፍሎ። ካብዚ ንመለለይን ምግብን ተነክዩ 800 ድርሃም ይበፅሖ ነይሩ።

ሓደ መዓልቲ ካብ ስራሕ ወፅዩ ኣብ ጐደናታት ዱባይ እናተዘዋወረ፡ እንከሎ ላምቦርጊኒ መኪና ርእዩ። ሰንቢዱ። እንታይ ጉድ እዩ እዚ 'ኸ? ኢሉ ፈዚዙ።

"ብጣዕሚ እዩ እኮ ዝማርኽ" ብምባል፡ ነታ መኪና ምስ ረአይያ ዝተሰምዖ ስምዒት ይገልፅ።

ሳሙኤል፡ ኣብ እቲ ካብ ዓለም ዝነውሐ ህንፃ ቡርዥ ኻሊፋ ዝርከበሉ ከባቢ እዩ ዝሰርሕ። እዚ ከባቢ ድማ ከም ላምቦርጊኒ ዝበላ ምቹዋት መኻይን ዝውሕዛሉ እዩ።

"ኣትኵረ ርእየያ። ኣይፀገብክዋን። ብጣዕሚ ደስ ስለ ዝበለትኒ ሱቕ ኢለ ኣትኵረ ርእየያ" ይብል።

ሳሙኤል ባይሳን ካሜሩናዊ ሞዴል ኤሪክ ፊትን

ምንጪ ስእሊ, ERIC FIT

መግለጺ ስእሊ, ሳሙኤል ባይሳን ካሜሩናዊ ሞዴል ኤሪክ ፊትን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሳሙኤል ነታ ላምቦርጊኒ ኣብ ዝጥምተሉ፡ ለካስ እታ ላምቦርጊኒ'ውን ንሳሙኤል እያ ትጥምት ነይራ።

"ኣነ ነታ መኪና እየ ርእየ። ለካ እቲ በዓል መኪና ኣብ ውሽጢ ኰይኑ ንዓይ ይርእየኒ ነይሩ። ኣነ ኣይፈለጥኩን።"

'እንታይ ትርእይ ኣለኻ?' ኢሉ ሓቲቱኒ።

"ከምዚኣ ዓይነት መኪና ኣብ ፊልም እየ ርእየ ዝፈልጥ። ክባር ስለ ዝኾነት ኣብ ዓድና የለን ኢለዮ።"

'ሓቅኻ ድኻ?'

'እወ'።

መኪንኡ ማራኺት ከም ዝኾነት ደጋጊሙ ነጊርዎ። እቲ በዓል መኪና ድማ ብናይ ሳሙኤል ምድናቕ ተደሚሙ።

ናብታ መኪና ንክፅጋዕ ዓዲምዎ። "ሕዚ ኸ ደስ ይብል ዶ?" ሓቲትዎ።

"ብጣዕሚ!"

ሳሙኤል ብጣዕሚ ምስ ተፀግዐ፡ እቲ በዓል ዋና፡ ነታ መኪና ከፊቱ ክኣቱ ዓዲምዎ።

ሳሙኤል "ኣይፋሉን" ኢሉ። ኣይገብሮን ኢሉ ደው በለ።

ናብታ መኪና እንተኣትዩ ዝተኸደኖ ክዳን ነታ ላምቦርጊኒ ከየርስሓ ስለ ዝተሻቐለ እዩ።

"ኣብ ህንፃ ስለ ዝሰርሕ ዶረና እየ። ከምዚ ኢለ ናብ ውሽጢ መኪና ክኣትው ኣይኽእልን ኢለዮ" ይብል።

እቲ በዓል መኪና ንክኣትው ምስ ኣበረታትዖ ግና፡ ከፊቱ ኣትዩ። ወግዒ ጀሚሮም።

"ካበይ ሃገር ኢኻ መፂእኻ?"

"ካብ ኢትዮጵያ"።

ገናሒ እታ መኪና፡ "ብጣዕሚ ክዝውራ እየ ተዳሎ" ብምባል፡ ንሳሙኤል ኣጠንቀቖ።

ሳሙኤል፡ "ፀገም የብሉን" በለ ትርር ኢሉ።

"ብዘፍርሕ ቅልጣፈ እንትዝውር ግና ፈሪሐ።"

ብሓቂ ቅልጣፈ እታ መኪና ንሳሙኤል ኣርዒድዎ'ዩ ነይሩ። ነፍሱ ክትወፅእ ኢላ። እታ ላምቦርጊኒ ክንፊ ኣውፂኣ ትነፍር ዘላ ኰይኑ ተሰሚዕዎ።

"ፈሪሐ ነይረ። ብጣዕሚ ፈሪሐ ነይረ። ሻቡ ንሻቡ ዝመውት እዩ መሲሉኒ" ይብል።

"ቅልጣፈ እታ መኪና ምስ ከበዶ "በቃ ኣውርደኒ" ኢሉ ኣእውዩ።

ገናሒ እታ መኪና ምስ ኣውረዶ መንገዱ ቀፂሉ።

ለካስ እዚ ኩሉ ብሕቡእ ይቕረፅ'ዩ ነይሩ። ሳሙኤል እዚ ኩሉ ኣይፈለጠን። ሳሙኤል፡ እቲ ዝተቐረፀ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ 'ፕሪሚየም ኢን ዱባይ' ኣብ ዝብል መርበብ ተዘርጊሑ ብዙሕ ሰብ ከም ዝረኣዮን ስሙይ ከም ዝኾነን ኣይሰምዐን።

ንሱ ናብ ስርሑን ስሩዕ ህይወቱን እዩ ተመሊሱ። ናብ ስራሕ ህንፃ (ሚንዋለ) እዩ ኣትዩ።

ሳሙኤል ባይሳ ቱፋ

ምንጪ ስእሊ, ERIC FIT

ድሕሪ ሽድሽተ መዓልታት ዘይተፀበዮ ነገር ኣጋጠመ። ስልኩ ፀዊዓ። ኤሪክ ዝበሃል ካሜሩናዊ እዩ ደዊልሉ። ከም ሳሙኤል ኣብ ዱባይ እዩ ዝነብር።

ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ኢንስታግራም 1 ነጥቢ 2 ሚልየን ሰባት ዝረኣይዎ ቪድዮ ናብ ኤሪክ በፂሑ።

ኤሪክ፡ ንሳሙኤል ብእግሪ ብፈረስ ክደልዮ ጀሚሩ።

ምስ ሳሙኤል ተራኺቦም።

ጠፊኡ ከም ዝተረኸበ ወዲ እኖ ንሳሙኤል ሓቑፉ ሰላም ኢልዎ። ታሪኹ ኣውጊዕዎ።

ካሜሩናዊ ኤሪክ፡ ናይ ሳሙኤል ነገር ንህይወቱ መሊሱ ኣዘኪርዎ።

ንሱ'ውን፡ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ናብ ዱባይ ኣብ ዝመፀአሉ እዋን ላምቦርጊኒ መኪና ርእዩ ሰንቢዱ ነይሩ እዩ።

"በብመንገዱ ፈዚዘ እየ ዝተርፍ ነይረ" ኢልዎ።

ሳሙኤል ነታ መኪና ምስ ረኣየ ዘርኣዮ ምግራም ዝተዓዘበ ኤሪክ፡ ኣብታ ዓባይን ማእኸል ንግድን ብልፅግናን ዓለም ዝኾነት ዱባይ ሞዴል ፋሽን እዩ።

ምስ ናህቱ ታሪኽ ዝመሳሰል ናይ ሳሙኤል ተንቀሳቓሲ ምስሊ ምስ ረኣየ፡ ንዕኡ ንምርካብ ብዙሕ እዩ ደኺሙ።

ኣብ መወዳእታ ብኸመይ ከም ዝረኸቦ ነጊርዎ።

ኣብቲ ቪድዮ ዝተኸደኖ ናይ ስራሕ ደምቢ ክዳን እዩ ንሳሙኤል ክረኽቦ ሓጊዝዎ። ኣብ ደረት እቲ ክዳን ብዝነበረ ሽም እቲ ትካል (ባጅ) ንኣለሻ ዝኸውን ኣፋፍኖት ረኺቡ።

ክልቲኦም ኣፍሪቃውያን ተፈላልዮም ተሪፎም ነይሮም።

"ምስ ረኸበኒ፡ ሓዉ ከም ዝረኸበ ሰብ ብጣዕሚ ሓቑፉኒ። ሰንቢደ ኣነ እውን ሓቒፈዮ" ይብል ሳሙኤል።

ኤሪክን ሳሙኤልን ምስ ተራኸቡ ብዙሕ ኣውጊዖም። ሓቢርዎ ንክሰርሕ ሓቲትዎ። ካልእ ቪድዮ ቀሪፆም። ተፈትዩ። መወልቲ ሓቢረሞም ንክሰርሑ ሓቲተምዎም። ናይቲ መዓልታዊ ሸቃላይ (ሚንዋለ) ሳሙኤል ህይወት መንገዲ ለውጢ ክትሕዝ ጀሚራ።

ሳሙኤል ባይሳ ቱፋ

ምንጪ ስእሊ, ERIC FIT

ኤሪክ መጀመርታ መዓልቲ ንሳሙኤል ምስ ረኸቦ፡ ዝተወሰነ ገንዘብ ብምሃብ፡ ክሕግዞ ከም ዝደልይ ነጊርዎ እዩ ተፈላልዮም።

ኤሪክ ከም ሳሙኤል፡ ኣብ ዱባይ ስራሕ ፅሬት ካብ ምስራሕ ጀሚሩ እዩ ፍሉጥ ሞዴል ኰይኑ።

ኤሪክ ስሙይ ሞዴል ቅድሚ ምዃኑ ዝነበሮ ህይወት ምስ ናይ ሳሙኤል ህይወት ተመሳሳሊ ምዃኑ፡ ንሳሙኤል ፍሉይ ቦታ ንክህልዎ ከይደረኸ ኣይተርፍን። "ከም ሓዉ" እዩ ዝርእዮ። ሓቢሮም ክሰርሑ ጀሚሮም።

ኣብ ዱባይ ኣብ ዝስርሑ ስፖርታዊ ክዳውንቲ መላለይ ድሕሪ ምስርሖም፡ ሳሙኤል ቀስ ብቐስ ፍሉጥ ኰነ። "ፎቶ ክለዓል እንከለኹ ስታይለይ ፈትየሞ። ብዙሕ ሰብ'ውን ሪኣክት ገይሩ። መሓዙት ኤሪክ ሞዴላት'ውን ነይሮም። እዚ ፎቶ ንሞዴል ይኸውን'ዩ ኢሎምኒ" ይብል ሳሙኤል።

ፎቱኡ ውድድር ሞዴላት ኣብ ዝካየደሉ መርበብ ሓበሬታ ዘርጊሐሞ።

ሳሙኤል፡ ሞዴል ክኸውን ኣይኰነን ብጋህዲ ብሕልሙ'ውን ሓሲብዎ ኣይፈልጥን። ግና ካልኦት ሞዴላት 'ፀሊም አሜርካዊ ሞዴል ትመስል' ኢሎም እንትንእድዎ ተደኒቑ።

'ሊቪንግ ኢን ዱባይ' ኣብ ዝብል ሓደ ስሙይ መደብ ምስ ተርኣየ ብቲክቶክን ኢንስታግራምን ብሚልየናት ዝቑፀር ተመልካቲ ከም ዝረኸበ ይዛረብ።

" 'ኣብዚ ዓዲ ብዙሕ ዓመታት ፀኒሖም ኣብ ውድድር ሞዴላት ንምስታፍ ዕድል ዘይረኸቡ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ሳሚ እንኳዕ ደስ በለካ ሞዴል ኰይንካ። ብዙሓት ሰባት ንመላለይ ይደልዩኻ እዮም' ብምባል ኤሪክ ነጊሩኒ" ይብል ሳሙኤል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት።

ኣካዳሚታት ሞዴልን ካልኦት ትካላትን ሓቢረሞ ንምስራሕ ሕቶ ከም ዘቕረብሉ ድማ ይገልፅ። ትካላት ሪል ስቴት ኢትዮጵያ ድማ ካብ መንጐ እዞም ትካላት እዮም።

ሕዚ ሳሙኤል ወዝቢ ብዝረኣያ ላምቦርጊኒ መኪና ምኽንያት፡ ብዘይተፀበዮ መንገዲ ሞዴል ንምዃን ክግስግስ ጀሚሩ ኣሎ።

ካብቲ ይሰርሐሉ ዝነበረ ትካል ህንፃ ወፅዩ፡ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ሞዴልነት ንምእታው ይዳለው ከም ዘሎ ይዛረብ።

"ንኣምላኽ የምልኾ እየ። ከም ዝረድአኒ'ውን እኣምን። ካብ ልበይ" ብምባል ኣምላኽ ንዝገበረሉ ነገር የመስግን።