ንሰብኣያ ጾታዊ ርክብ ዝኣበየት ሰበይቲ በደለኛ ድያ፣ ቤት ፍርዲ እንታይ ይውስነላ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስ በዓል ቤታ ጾታዊ ርክብ ምግባራ ተሓሲማ ጠንቂ ፍትሕ ምዃና ብቤት ፍርዲ ውሳነ ዝተዋህባ ፈረንሳዊት፡ ነቲ ፍርዲ ንምቕልባስ ዓመታት ተኸራኺራ።
ይግባይ ሓቲታት ኣብ መወዳእታ ከም ዝተዓወተት ይግለጽ ኣሎ።
እታ ምስ ሰብኣያ ጾታዊ ርክብ ዘቋረጸት ፈረንሳዊት፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ብዝሃቦ ውሳነ እያ ተዓዊታ።
እቲ ምስታ 69 ዓመት ዝዕድመኣ ወይዘሮ ዝወገነ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ ኣብያተ ፍርዲ ፈረንሳ፡ ጾታዊ ርክብ ምእባይ ከም ጠንቂ ፍታሕ ብምቝጻር በደለኛ ክውስና ኣይግባእን ኢሉ።
እቲ ብምሉእ ድምጺ ዝተዋህበ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ፈረንሳ ውልቃዊ መሰልን ሕጊ ስድራቤት ኣውሮጳን ከም ዝጠሓሰት ገሊጹ፤ እቲ ንዓሰርተ ዓመት ዝቐጸለ ሕጋዊ ምጕት ድማ መዕለቢ ገይሩሉ።
እታ ኤች ዳብሊዩ ብዝብል ዝተጸውዐት ፈረንሳዊት ወይዘሮ፡ እቲ ውሳነ፡ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዝግበር ጾታዊ ርክብ ብስምምዕ ክኸውን ከም ዝግባእ ዘመስከረን፡ "ባህሊ ዓመጽ" ንኸብቅዕ ንቕድሚት ዘሰጕም ውሳነን ክትብል ብምግላጽ፡ ብኽብሪ ከምእትርእዮ ኣፍሊጣ።
እዚ ጉዳይ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ጉዳይ ሓዳርን መሰል ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ ኣረኣእያታት ክትዓት ኣለዓዒሉ ኣሎ።
ጠበቓ እታ ወይዘሮ ዝዀነት ለይላ መሂሰን፡ እቲ ውሳነ ነቲ ኣብ ኣረጊታት ኣተሓሳስባታት መሰረት ዝገበረ "ግዴታ ሓዳር" ካብ ሱሩ ዝምሑ እዩ ብምባል፡ ኣብያተ ፍርዲ ፈረንሳ ካብቲ ጽኑሕን ድሑርን ኣረኣእያታት ወጺአን ሓባራዊ ስምምዕን ማዕርነትን መሰረት ብዝገበረ "ዘመናዊ ርእየት" ክቃነያ ጸዊዓ።
ነታ ወይዘሮ ዝድግፉ ተጣበቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ ፈረንሳውያን ዳያኑ ነቲ "ጥንታዊ ራእይ ሓዳር" ምስግዳድ ይቕጽሉ ኣለው፡ እዚ ድማ ጐዳኢ ጽልዋታት ዝፈጥር እዩ ብምባል ክዅንኑ ጸኒሖም እዮም።
ወይዘሮ ኤች.ደብሊዩ፡ ብ 1984 ምስ በዓል ቤታ ጀይ.ሲ ተመርዕያ፤ ኣብ ጥቓ ፓሪስ ኣብ እትርከብ ለ ቸስናይ እያ ትነብር ነይራ።
እቶም ሰብሓዳር፡ ክንክንን ናብዮትን ኣደኣ እትደሊ ስንክልቲ ጓል እትርከቦም ኣርባዕተ ውሉዳት ኣለዉዎም።
ድሕሪ ምውላድ እታ ቀዳማይ ጓሎም ግን ዝምድና እቶም ሰብ ሓዳር ክበላሾ ጀሚሩ። ካብ 1992 ኣትሒዙ ድማ ወይዘሮ ኤች.ደብሊዩ ጸገማት ጥዕና ከጋጥማ ጀሚሩ።
ኣብ 2002 በዓልቤታ ኣካላውን ቃላውን መጥቃዕቲ ከውረደላ ከምዘጀመረ ብምግላጽ፣ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ምስኡ ዝነበራ ጾታዊ ርክብ ኣቋሪጻ፣ ኣብ 2012 ድማ ፍትሕ ሓቲታ።
ቤት ፍርዲ ፈረንሳ፡ እታ ወይዘሮ ግቡኣት ሓዳር ብዘይምምልእ በደለኛ ምዃና ብምግላጽ ንሰብኣያ ዝድግፍ ውሳነ ሂቡ። ኣብ ላዕለዋይ ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ዘቕረበቶ ጥርዓን ከኣ ተነጺጕ።
ብድሕሪኡ ድማ ኣብ 2021 ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ጥርዓብ ኣቕሪባ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ከም ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝኣመሰለ ፍሉይ ጉዳያት ብኣዝዩ ከቢድ ምኽንያታት ጥራይ ኢዱ ከምዘእቱ ብምግላጽ፤ ኣብ ሕጊ ሓዳር ፈረንሳ "ግቡኣት ሓዳር" ዝብል ዓንቀጽ፡ ንኣገዳስነት ስምምዕ ክልቲኦም መጻምዲ ንጾታዊ ርክብ ዕሽሽ ከምዝብሎ ኣመልኪቱ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ክትምርዖ ምስምማዕ ማለት ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ምርድዳእ ማለት ከምዘይኰነ ኣስሚሩሉ። እዚ ድማ፡ ኣብ ሓዳር ዝግበር ዓመጽ ከቢድ ገበን ምዃኑ ግምት ዘይምሃብ እዩ ክብል ኣነጺሩ።
ዝተፈላለያ ማሕበራት ደቀንስትዮ፡ እቲ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣውሮጳ፡ ባህላዊ ኣተሓሳስባታትን ንዕኡ መሰረት ዝገበረ ሕጊታትን ፈረንሳ ምሕዳስ ከምዘድልዮ ዘመላኽት እዩ ብምባል ይገልጽኦ ኣለዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







