ትግራይ፡ "ሕጃብኪ ኣውጽእዮ ማለት ኣይትመሃሪ ማለት'ዩ፡" - ደቀንስትዮ ተመሃሮ

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2025፡ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ኣኽሱም ዝርከባ ሓሙሽተ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ደቀንስትዮ ተመሃሮ ሕጃብ ገይረን ከይመሃራ ምእጋደን ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ እስላም እቲ ክልል ቍጥዐ ፈጢሩ ይርከብ።
ነዚ ስዒቡ፡ ነዚ ተመሃሮ ካብ ትምህርተን ክበዅራ፡ ክጋፍዓን ክእሰራን ምኽንያት ዝዀነ ስጕምቲታት እተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝዅንን ሰልፊ ሎሚ ኣብ መቐለ ተኻይዱ።
ተመሃሪት ዓሚራ ሙስጦፋ፡ ደቀንስትዮ እስላም ተመሃሮ፡ ሃይማኖተን ኣብ ዝዀነ ቦታን ኣጋጣምን ሒጃብ ክገብራ ከም ዝእዝዘን ብምዝኽኻር፡ ሒጃብ ኣይትገብራን ብዝብል ክልከላ ዝተፈጥረ ምትዕንቓፍ ትምህርቲ ኰኒና።
ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ጓል ኣንስተይቲ ሕጃብ ካብ ዝዀነ ነገር ክኽልክላ የብሉን ብምባል፡ እዚ ሓንቲ እስላም ጓል ኣንስተይቲ ንኽብራን መንነታን ዝገልጽ እዩ ትብል።
እዚ ክትኽልከል እንከላ ግን ኣብ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ህይወታ ብዙሕ ነገር'ዩ ዝጐድላ ኢላ።
ሓደ ዓርሰ እምነት ክትስእን'ዩ ዝገብር፣ ሒጃብ ፈጣሪ ዝኣዘዛ ስለ ዝዀነ ክሳብ እትመሃረሉ ዕድመ ተሓጂባ እያ ትዓቢ፣ ኣብዚ ኣውጽእዮ ክትበሃል እንከላ ግን ከመይ ኢላ ትመሃር?" ብምባል ጽልዋኡ ልዑል ከም ዝዀነ ተዛሪባ።
ራኒያ ኸሊፋ ዝተባህለት ካልእ ተመሃሪት ብወገና፡ ኣብ እምነታ ሕጃብ ንጓል ኣንስተይቲ ሃይማኖታዊ ግዴታ ከም ዝዀነ ብምጥቃስ፡ እዚ "ኣውጽእዮ ኢልካ ምግዳድ ዳርጋ ክብራ ምትንካእ እዩ፡" ክትብል ኰኒና።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ተኸተልቲ እምነት እስልምና፡ ደቀንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ገዝአን ክወጽኣን ናብ እዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጕዳያት ኣብ ዝጽንበራሉን እዋን፡ ርእሰን ተዓሚመን (ሕጃብ ተሓጂበን) ከም ዝወጽኣ ይፍለጥ።
በዚ መሰረት፡ ንሓንቲ ተመሃሪት፡ "ሕጃብኪ ኣውጽእዮ ማለት ግን ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይትምጽኢ- ኣይትመሃሪ ማለት'ዩ፡" እትብል ራኒያ እቲ ምኽልኻል ኣብ ትምህርቲ ጸቕጢ ዝፈጥርን ንኸቋርጻ ዘገድድን ምዃኑ ሓቢራ።
እዚ፡ ሃይማኖታዊ ግዴታን ሰብኣዊ መሰል እቲ ማሕበሰረብን ስለ ዝዀነ ድማ ኣብያተ ትምህርትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ከኽብሩዎ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲባ።
ኣብ ኣኽሱም፡ ነዚ ክልከላ ዝገበራ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወርዒ፡ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣኽሱም፡ ኣብርሃ ኣጽብሃ፡ ቀዳማዊ ምንሊክን ቤት ትምህርቲ ክንደያን ምዃነን ይዝከር።
ኣብቲ እዋን፡ ጕዳያት እስልምና ትግራይ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ተዋሂቡ ዝተባህለ ምላሽ፡ "ትምህርቲ ካብ ሃይማኖታዊ ጽዕንቶ ነጻ ኰይኑ [ሰኲላር] ክኸይድ፡" ካብ ዝብል ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኢፍትሓዊ ክብል ነቒፉ ነይሩ።
"ትምህርቲ ብዘይዝዀነ ይዅን ኣገባብ ካብ ሃይማኖታዊ፡ ፖለቲካውን ባህላውን ጽዕንቶ" ናጻ ክኸውን ዝብል ጥራይ ወሲዱ፡ ነቲ ኣስላም ደቀንስትዮ ሕጃብ ክለብሳ ዘፍቅድ መሰል ንጐድኒ ብምግዳፍ ዝሃቦ ምላሽ ከም ዝዀነ ገሊጹ'ዩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጕዳያት እስልምና ትግራይ ናብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ሕቶ ኣቕሪቡ'ዩ።
ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፡ "ኣብዚ ሰዓት ዝተፈልየ ሓድሽ መምርሒ ኣብ ዘይኣውጽኣሉ፡ ሓድሽ ክልከላ ይዅን ሓድሽ ሕቶ ተቐባልነት የብሉን፡" ብምባል፡ እቲ ዝነበረ ስርዓተ ኣከዳድና ክቕጽል ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ይፍለጥ።
እዚ ውሳነ'ዚ እናሃለወ ግን፡ ርእሰ መምህራን እተን ኣብያተ ትምህርቲ ነተን "ጉዳይና ተፈቲሑልና እዩ" ኢለን ትምህርተን ንምቕጻል ናብ ኣብያተ ትምህርተን ዝኸዳ ደቀንስትዮ "ብፖሊስ ብምፍርራሕን ብምእሳርን፡ ሕጃብ ንኸይገብራ ጸቕጢ ገይሮም፡" ዝብል ክሲ ቀሪቡ ነይሩ።
ሓላፊ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ ኣደም ዓብደርቓድር፡ እቲ ጕዳይ ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተፈትሐ ብምግላጽ፡ ማሕበሰረብ እስላም እዚ ጸገም መዕለቢ ክሳብ ዝረክብ ብሰላማዊ መገዲ ሕቶታቱ ምቕራብ ከም ዝቕጽል ተዛሪቦም።
"ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ሒጃባ [ዝተዋግአት] ጓል ኣንስተይቲ ሕዚ ምስ ሒጃባ ክትመሃር ተኸልኪላ። ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ብሰላም ንኽፍታሕ ብዙሕ ጻዕሪ ገይርና ኢና። ናብ ክልል ደብዳበታት ተጻሒፉ፣ መፍትሒ ክመጽእ ግን ኣይተኻእለን፡" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ንወከልቲ ጕዳያት እስልምና ትግራይ ተቐቢሉ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዘዘራረበ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዎ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ እቲ ጸገም ብቕልጡፍ ፍታሕ ዘይምርካቡ ይቕሬታ ሓቲቱ።
በቲ ኵነታት ዝተጐድኣ ተመሃሮ ከም ዘለዎ ብምጥቃስ፡ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ካብቲ መንግስቲ ዝፈቕዶ ኣከዳድና ወጸእ ዝዀነ ነገር እንዘተይተኸዲደነን፡ ዝዀነ ሰብ እምነቱ ዝፈቐደደሉን ዘገድዶን ገይሩ፡ ስነ-ምግባር እቲ ቤት ትምህርቲ ሓልዩ ምኻድ ምስ ዝዀነ ኣካል ዘጋጩ ክኸውን ከም ዘይኽእል ሓቢሩ።
"እዚ ክፍታሕ ኣለዎ። ዝዀነ ይዅን ፍታሕ ክኣ ኣብ ክንዲ ካብ ላዕሊ ካብ ዝመጽእ ህዝቢ ተረዳዲኡ ክገብሮ ይምረጽ። ዝዀነ ጸግዒ ዝሓዙ ሰባት ከም ድላዮም ዝዝውሩዎ ኵነታት ክፍቀድ ኣለዎ ማለት ግን ኣይኰነን" ብምባል ስርዓት ብዘለዎ መገዲ ክፍታሕ ኣተሓሳሲቡ።

ዝተፈላለዩ ምንጪታት እታ ከተማ፡ ገለ ኣብያተ ትምህርቲ ብፍላይ ካብ ቀረባ ግዜ ሕጃብ ዝተኸድና ተመሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ከይኣትዋ ምኽልካለን ስዒቡ፡ ብዙሓት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዝበዀራ የመልክቱ።
ብዓል ሞያ ሕጊ ሙስጦፋ ዓብዱል፡ ብሰንኪ እቲ ስጕምቲታት ብርክት ዝበላ ተመሃሮ (12 ክፍሊ) ምዝገባ ትምህርቲ ክሓልፈን ምኽንያት ኰይኑ ከም ዝነበረ ብምዝኽካር፡ እቲ ጸገም ኤጀንሲ ትምህርትን ምዘና ፈተናታትን ድሒሩ ብዝገበሮ ጻዕሪ ክፍታሕ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።
ይዅን'ምበር፡ ናይ ባዕለን ሓድሽ መምርሒ ዝወስዳ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ብመሰረት መምርሒ ትምህርቲ እታ ሃገር ዝእዝዞ ክሰርሓ ከም ዘለወን ገሊጹ።
ብ2000 ዓ.ም [ኣ.ግ] ምኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ትካላት ትምህርቲ ክህሉ ዝግብኦ ስርዓት ኣምልኾ ዝምልከት መመርሒ ከም ዘውጽአ ይፍለጥ።
እዚ ድማ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣብ ዝዀና ኣብያተ ትምህርቲ፡ ዝዀነ ተመሃራይ፡ ናብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ክኣቱ እንከሎ፡ ዩኒፎርም ክኽደን ከም ዘለዎ ይገልጽ።
ንደቀንስትዮ ተኸልቲ እስልምና ተመሃሮ ዝምልከት ድማ፡ "ምስ ዩኒፎርመን ዝመሳሰል 'ሒጃብ' ክገብራ ይኽእላ እየን፡" ይብል።
ዓንቀጽ 25 ቅዋም እታ ሃገር ድማ ብምኽንያት ሃይማኖት ኣድልዎ ከይፍጸም ዝድንግግ ኰይኑ፡ ናጽነት ሃይማኖት ኣብ ትካላት ትምህርቲ ተግባራዊ ምግባር፡ ዓንቀጽ 90(2) ድማ "ትምህርቲ፡ ካብ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ኣረኣእያታት፣ ከምኡ'ውን ባህላዊ ጽልዋታት ናጻ ኰይኑ ክኸይድ ከም ዘለዎ ይድንግግ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







