ትግራይ፡ ክልከላ ሕጃብ ደቀንስትዮ ተምሃሮ 'ኣብ ሰለስተ መዓልቲ' ክፍታሕ መጸዋዕታ ቀሪቡ

ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝርከባ ሓሙሽተ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሕጃብ ድሕሪ ምእጋደን፡ ትምህርቲ ምቍራጽ ምእሳርን ምግፋዕን ከምዘጋጠመን ወለድን ተምሃሮን ንቢቢሲ ሓቢረን

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝርከባ ሓሙሽተ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሕጃብ ድሕሪ ምእጋደን፡ ትምህርቲ ምቍራጽ ምእሳርን ምግፋዕን ከምዘጋጠመን ወለድን ተምሃሮን ንቢቢሲ ሓቢረን

ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣኽሱም፡ ኣብ ልዕሊ ሕጃብ ዝኽደና ደቀንስትዮ ኣስላም ብዝተነብረ ክልከላ ዝተፈጥረ ኵነታት ንኽፍታሕ ክቐርብ ዝጸንሐ ሕቶታት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ፍታሕ ክረክብ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ትግራይ ጸዊዑ።

እቲ ዓርቢ 25 ታሕሳስ 2017 [ግ] ዝወጸ መግለጺ፡ እቲ ዝተገብረ ክልከላ ሕጃብ ደቀንስትዮ ተምሃሮ ንኽልዓል፡ በብደረጃኡ ሕቶታት ከምዝቐረበ ጠቒሱ፤ ክፍሊ ትምህርቲ ኣኽሱም ምስቲ ዝሕተት ዘሎ ይዅን ሕገ መንግስታውን ሰብኣዊን መሰል ዘይሳነ ምላሽ ከምዝሃበ'ውን ኣስፊሩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስላምና ኢትዮጵያ እውን፡ ኣብ ትግራይ ከተማ ኣኽሱም፡ ኣመንቲ እስልምና ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ፡ ሕጃብ ተኸልኪለን ትምህርተን ከቋርጻ ምግዳደን ንቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እታ ከተማ ወቒሱ።

ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝርከባ ሓሙሽተ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሕጃብ ድሕሪ ምእጋደን፡ ትምህርቲ ምቍራጽ ምእሳርን ምግፋዕን ደቀንስትዮ ተምሃሮ ከምዘጋጠመን ወለድን ተምሃሮን ንቢቢሲ ሓቢረን።

ነዚ ክልከላ ዝገበራ ኣብ ኣኽሱም ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወርዒ፡ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣኽሱም፡ ኣብርሃ ኣጽብሃ፡ ቀዳማዊ ምንሊክን ቤት ትምህርቲ ክንደያን ምዃነን ተፈሊጡ ኣሎ።

መግለጺ ጉዳያት እስልምና ትግራይ፡ እቲ ካብ ክፍሊ ትምህርቲ ኣኽሱም ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ተዋሂቡ ዝተባህለ ምላሽ፡ "ትምህርቲ ካብ ሃይማኖታዊ ጽዕንቶ ነጻ ኰይኑ [ሰኲላር] ክኸይድ" ካብ ዝብል ምዃኑ ጠቒሱ፤

"ትምህርቲ ብዘይዝዀነ ይዅን ኣገባብ ካብ ሃይማኖታዊ፡ ፖለቲካውን ባህላውን ጽዕንቶ" ናጻ ክኸውን ዝብል ጥራይ ወሲዱ፡ ነቲ ኣስላም ደቂ ኣንስትዮ ሕጃብ ክለብሳ ዘፍቅድ መሰል ንጐድኒ ብምግዳፍ "ኢፍትሓዊ" ምላሽ ከምዝሃበ ወቂሱ።

ነዚ ስዒቡ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ናብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ሕቶ ከምዘቕረበ ዘመልከተ እዋናዊ መግለጺ እቲ ቤት ምኽሪ፡ ካብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዝተወሃበ ምላሽ ክትግበር ከምዘይከኣለ ኣስፊሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፡ "ኣብዚ ሰዓት ዝተፈልየ ሓድሽ መምርሒ ኣብ ዘይወጻሉ፡ ሓድሽ ክልከላ ይዅን ሓድሽ ሕቶ ተቐባልነት የብሉን" ብምባል፡ እቲ ዝነበረ ስርዓተ ኣከዳድና ክቕጽል፡ ብዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ዝተፈረመ ደብዳበ ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ይፍለጥ።

እዚ ውሳነ'ዚ እናሃለወ ግን፡ ርእሰ መምህራን እተን ኣብያተ ትምህርቲ ነተን "ጉዳይና ተፈቲሑልና እዩ" ኢለን ትምህርተን ንምቕጻል ናብ ኣብያተ ትምህርተን ዝኸዳ ደቀንስትዮ "ብፖሊስ ብምፍርራሕን ብምእሳርን፡ ሕጃብ ንኸይገብራ ጸቕጢ ገይሮም፡" ብምባል መግለጺ ቤት ምኽሪ እስላም ወቒሱ።

ድሕሪ'ቲ መምርሒ ቢቢሲ ዘዘራረባ ትምህርታ ዘቋረጸት ተምሃሪት ብፖሊስ ካብ ትምህርቲ ከም ዝተኸልከለት ትገልጽ።

"ካብ ቤት ትምህርቲ ውጻ ወይ ድማ ናብ ፖሊስ ክንድውል ኢና ተባሂልና። ድሕሪኡ ንፖሊስ ደዊሎም 'እዚአን እየን ቀንዲ ዘነዓዕባ ዘለዋ' ኢሎም ኣውጺኦምና። ቅድሚ ትማሊን ቅድሚኡ ዝነበረ መዓልትን ከይድና ኔርና፤ ግን ኣርባዕተ ፖሊስ ኣብ ኣፍደገ ቤት ትምህርቲ ደው ኢሎም ነይሮም ከይርእዩና ሃዲምና" ትብል።

ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ፡ "ኣስላም ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም ንዘመናት ዝነበሮም ጸገማት ናጽነት ሃይማኖት፡ ናይ ኣምልኾ ቦታታትን መቓብርን" ክፍታሕ ከምዘይከኣለን እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎን ቅሬታኡ ኣቕሪቡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብታ ከተማ ዘሎ ኵነታት "ንክብርታት ሃገር ዝብሕጕግ ተግባር" ብምባል "ብትሪ ይዅንኖ" ኢሉ።

ቢቢሲ ዘዘራረባ ካልእ ተምሃሪት፡ ቅድሚ ሕዚ ሕጃብ ተኸዲና ትምሃር ከምዝነበረት ብምግላጽ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሳምንቲ ግን ብፍላይ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዝተኣገደት ኣፍሊጣ።

"ሕጃብ ኣይትከደና" ብዝብል መምርሒ እየ ትምህርቲ ኣቋሪጸዮ። 'ሕጃብኪ እንተዘይኣውጺእኪ ኣይትምሃርን ኢኺ' ኢሎምኒ "ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕጃብ ኣውጺአ ኣይፈልጥን እየ፤ ኵሉ ግዜ ተኸዲነ ናብ ቤት ትምህርቲ እየ ዝኸይድ ነይረ" ትብል።

ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስላማዊ ኢትዮጵያ "መሰላት ሕብረተሰብ ኣስላም ብቕልጡፍ ተግባራዊ ክኸውንን ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ነዚ ከይጠሓሱ ኣብ ግብሪ ክውዕሉን" ጸዊዑ፤ "ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ውልቀሰባት ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ" ድማ ኣተሓሳሲቡ።

ትግራይ ዘላቶ ካልእ ዓዘቕቲ ሽግራት ይኣኽላ ክብል ዘመልከተ መግለጺ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ብወገኑ፡ እቶም ካብ ሕገ ደንብን መምርሕን ወጻኢ ብኢደዋኒኖም፡ እተን ደቀንስትዮ ሕጃብን ትምህርትን ብምኽልካል ስነልቦናዊ ማህሰይቲ ዘውርዱ ዘለዉ ሓለፍቲ ክፍሊ ትምህርትን ኣብያተ ትምህርትን ብሕጊ ክሕተቱ ጸዊዑ።

ኣብ ርእሲኡ፤ እዚ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ክፍታሕ፤ እንተዘይኰይኑ እቲ ቤት ምኽሪ "ምስ ህዝብና ተማኺርና፡ እንወስዶም ቀጸልቲ ስጕምትታት ከነፍልጥ ኢና" ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ተወሳኺ ኣብዚ ጉዳይ....

ቢቢሲ ዘዘራረበን ተምሃሮን ወለድን፡ ሃይማኖታዊ መሰል ብምሕታተን ግዳይ ምግፋዕን ማእሰርትን ከምዝዀና ተዛሪበን።

ወ/ሮ ኑርዓይኒ መሓመድ ጓላ ካብ ቤት ትምህርቲ ተወሲዳ ከምዝተኣስረት ትገልጽ።

ጓላ፡ ካብ ትምህርትን ሃይማኖትን ሓዲኡ ክትመርጽ ፖሊስ ከምዘፈራሓ ድማ ሓቢራ።

"ደቅኹም ወይ ሕጊ ቤት ትምህርቲ ኣኽቢረን ይመለሳ ወይ ድማ ናብ መስጊድ ይኺዳ፤ ሓዲኡ ምረጻ' ኢሉና" ኢላ።

ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቀዳማዊ ምንሊክ መምህር መብራህቱ ጸጋይ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሕጃብ ምኽዳን ዝኽልክል ሕጊ ቀደም'ውን ከምዝነበረ ይዛረብ።

እቲ መምህር፡ እቲ ክልከላ በቲ ክልል ከም ዝተነብረ ብምግላጽ፡ ሕጊ ኣወዳድባን መምርሕን ኣብያተ ትምህርቲ መሊሱ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝጀመረ ይገልጽ።

"ኣብ 1997 [ኣ.ግ] ኣወዳድባን መምርሕን ኣብያተ ትምህርቲ ብዝብል ብብርኪ ክልል ዝወጸ መምርሒ፤ ቀጺሉ ድማ ኣብ 2003 [ኣ.ግ] ክሳብ እቲ ኲናት ዝጅምር ተግባራዊ ይኸውን ነይሩ። እዚ ድማ ናብ ክፍሊ ንምእታው፡ ዝዀነ ቆብዕ፡ ሻርፓ፡ ሕጃብ ዝኣመሰሉ ነገራት ኣይፍቀዱን ዝብል ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ ሸለል ተባሂሉ ነይሩ ሕዚ ድማ መሊሱ ይትግበር ኣሎ፤ ሕዚ ሓድሽ ነገር መሲሉ እምበር ዝተፈለየ ኣይኰነን" ኢሉ።

ወ/ሮ ነጃት ዓብደልቃድር ዝተባህለት ወላዲት ድማ፡ ብወከልተን ኣቢሎም ኣብ ጉዳይ ሕጃብ ምኽዳን ተምሃሮ ምስ ኣብያተ ትምህርቲ ዋላ'ኳ እንተተዘራረባ እንወታዊ ምላሽ ከምዘይረኸቡ ገሊጻ።

"እተን ዝመረጽናየን ወከልቲ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ብምኻድ 'በጃኹም' ኢለን ተማሕጺነን። እንተወሓደ እቲ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ቅጥዒ ኣብ ዝመልኣሉ እዋን ዝውሰድ ስእሊ፡ ንታሪኽ'ውን ስለዝኸውን ሕጃብ ገይረን ክሰኣላ ኢልና ሓቲትና፤ ንሳቶም ግን ሎሚ ይዅን ጽባሕ ኣይፍቀድን! ብድምጺ ብልጫ ዝፀደቐ'ዩ" ብምባል ነፂጎምና" ብምባል፡ ንጻዕሪ ወለዲ ትገልጽ።

እቲ እገዳ ካብ ዝተገብረለን ኣብያተ ትምህርቲ ሓንቲ ዝዀነት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣኽሱም ርእሰ መምህር ስዩም ካሕሳይ፡ ጉዳይ ሕጃብ "ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎን ብኻልእ ሓይሊ ዝተበገሰን" ብምባል ኮኒንዎ።

እቲ ርእሰ መምህር ብዛዕባ'ቲ ፖለቲካዊ ድራኸን ኣየናይ ሓይልን ንዝብል ሕቶ ቢቢሲ ግና ንፁር ምላሽ ኣይሃበሉን። እንተዀነ፡ "ጉዳይ ሕጃብ ኣሳቢብካ ህውከት ንምፍጣር እምበር ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ክውንነት ዘየንጸባርቕ እዩ፤ ምንጪ ናይዚ ጉዳይ ዝተፈለየ እዩ፣ ንፖለቲካዊ ዕላማ ተደልዩ ካብ ላዕሊ ዝመጸ ጸቕጢ እዩ" ክብል መልሲ ሂቡ።