ሕቶ ምህናጽ መስጊድ ኣብ ኣኽሱም

ኣኽሱም፡ ብሃያማኖታዊ እምነት ልዕሊ 6000፡ ብኣንደበት ተመራመርቲ ድማ ልዕሊ 3000 ዓማውቲ ዘቑፀረት ጥንታዊት ከተማ እያ።
ስልጣነ ኣክሱም ካብቶም ኣብ ዓለም ዓበይቲ ዝበሃሉ ሓደ ኾይኑ፡ ከተማ ኣኽሱም ድማ፡ ንሰዓብቲ ክርስትና ዓለም ዓብይ ትርጉም ዘለዎ ጽላተ ሙሴ ዓቂባ ዝሓዘት ተባሂሉ ዝእመን መንበረ ማርያም ጽዮን ትርከበላ።
ከተማ ኣኽሱም፡ ተኸተልቲ እምነት ክርስትናን እስልምናን ብሰላም ዝነብሩላ ከተማ እንትኾን፡ እስላም መስጊድ ክሰርሑ ግን ኣይትፈቅድን።
ንዘመናት እናተሳገረ ዝመጽአ ሕቶ ህንጸት መስጊድ ነቶም ኣመንቲ እንተካትዕ፡ 'ፍትሒ ንእስላም ኣኽሱም' ዝብሉ ጎስጓሳት ንክካየዱ ግን ምኽንያት ክኸውን ይስትውዓል።
ኣይተ ዓዚዝ መሓመድ ሳልሕ፡ ወላዲኦም መዋእሎም ኣብ ኣኽሱም ከም ዝተቐመጡን 12 ቈልዑ ከም ዝወለዱን ይገልፁ። ንሶም፡ ክሳብ ናብ ስደት ዝወፅኡ ብዘበነ ንጉስ ሃይለስላሰ ኣብ ኣኽሱም ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ ተማሂሮም።
ካብዚ ግዘ ኣትሒዞም ኣኽሱም ብዘይ መስጊድ ዝፈልጡዋ ኣይተ ዓዚዝ መሓመድ፡ ካብ ስደት ተመሊሶም መነባብርኦም ኣብታ ከተማ ካብ ዝገብሩ 20 ዓመት ኮይኑዎም።
"ኣብ ኣኽሱም ኣስላማይን ክርስትያንን ኣብ ሓዘን ኰነ ኣብ ታሕጓስ ብሓደ ኢና" ምስበሉ "ቁሩብ ድኣ…" ኢሎም ሓደ ዝኩርኩሖም ነገር ከም ዘሎ ይዛረቡ።
"ስግደት ኣይከልከሉናን፤ ኣብ ገገዛና ክንሰግድ ንኽእል ኢና። ብፍላይ ዓርቢ ክኽውን እንከሎ ግን ኣብ ጐልጎል ፅርግያ እሞ ድማስ ኣብ ፀሓይ ኢና ንሰግድ።
እቶም ኣሕዋትና ህዝበ ክርስትያንስ 'እቶም ኣሕዋትናስ ንምንታይ ኣብ ሓደ ፅላል ቦታ ሂብናዮም ዘይሰግዱ' ኢሎም ዘይምሕሳቦም ድማ ቅር የዕብለኒ" ብምባል ከብዶም ዝዓቘሮ ጓሂ የተንፍሱ።
ብዛዕባ ምህናጽ መስጊድ ኣብ ኣኽሱም ንቃዲ እስልምና (መራሕቲ እስልምና) እኳ እንተመልከቱ ክሳብ ሕዚ ግን ዝረአናዮ ነገር የለን እንትብሉ፡ "ኣብዚ'ኮ ተፈራሪሕኻ ኢኻ ትነብር" እንትብሉ ብነግፈረግ ይዛረብዋ።
ዓብዱ መሓመድ ዓሊ፡ ኣብታ ከተማ ተወሊዶም ካብ ዝዓበዩ መራሕቲ ጉዳያት እስልምና ኣኽሱም ሓደ'ዮም።
ቅድሚ ሓሳብ ምሃቦም ጋዜጠኛታት ምዃንና መረዳእታ ሓቲቶም ኣረጋጊፆም። ሰባት ይከታተሉና ከይህልዉ፡ የማነ-ፀጋም ቁሊሕ-ምሊሕ ኢሎም ኣጨናጨኑ።
ወለድና ናብ ኣኽሱም ምስ መጽኡ ናይ ክርስቲያን ገዛውቲ እናተኻረዩ ንጸሎት ይጥቀሙ ነይሮም ዝብሉ ኣይተ ዓብዱ መሓመድ ዓሊ፡ ወለዶም ማይሹም ኣብ ዝበሃል ስፍራ ይነብሩ ምንባሮም የዘንትዉ።
ካብ ስርዓት ንጉስ ሃይለስላሰ ኣትሒዙ መስገዲ ቦታ ንኽወሃቦም እንተሓተቱ'ውን፡ "ኣኽሱም ገዳም እዩ፤ መስጊድ ክትሰርሑ ኣይንፈቕደልኩምን" ከም ዝተበሃሉ ይዛረቡ።
"ምስ ኣሕዋትና ብሓደ ንነብር ኣለና። 'ሰማይ ዓምዲ የብሉ፤ ኣስላማይ ዓዲ የብሉ' ዝብል ድሑር ኣባህላ ኣብ እዋን ደርግ ተሪፉ። ኢህወደግ ስልጣን ምስ ሓዘ እውን፡ ሕቶና ኣልዒልና ኢና፤ ኰይኑ ግና 'ኣኽሱም ገዳም ስለ ዝዀነት መስጊድ ክትሰርሑ ኣይፍቀድን' እንትብሉና ንሰምዕ" ኢሎም የረድኡ።
"ናብ ኣኽሱም ዝመፅእ ዝዀነ ይኹን ኣመሓዳሪ፡ ንመስጊድ ቦታ ከይትህብ ተባሂሉ እዩ ዝንገሮ" ዝብሉ ኣይተ ዓብዱ፡ እዚ ታሪኽ ንክቕየር ምሒር ባህግን ድልየትን ኣለዎም።
"ብግዚያውነት ገዛ ክራይ እናኸፈልና እንሰግደለን፡ ከባቢ 13 መሳጊድ ኣለዋና። ዓርቢ ዓርቢ፡ ኣብታ ነባር ዝኾነት መስጊድ ኢልና እንኣለምነላ ዝተኻረናያ ገዛ ብሓንሳብ ንሰግድ ኢና። ማይ ክሮፎን ንደገ እንተኣውጺእና ግን ንምንታይ ዓው ኣቢልኩምዋ ማርያም ደፊርኩምዋ ኢና ንብሃል" ይብሉ እቲ ኣሎ ዝብሉዎ ጸገም እንተውግዑ።
"ኣኽሱም ልዕሊ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ኣይትፀውርን"
ቀንዲ ዓርኪ ምክትል ኣመሓዳሪ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ጽዮን ኣኽሱም፡ በኩረ ሊቃውንቲ ጎደፋ መርሃ ኣስላማይ'ዩ።
ክልቲኦም ሃይማኖታት ዝተፈላለዩ ክሳዕ ዘይመስሉ፡ ኣብ መርዓ፣ ጸበል፣ ሓዘንን ካልኦት ማሕበራዊ ርክባትን ከም ዘይፈላለዩ ድማ ይዛረቡ። ይኹን'ምበር እስላም ነበርቲ ኣኽሱም ዘቕርቡዎ ጠለብ ህንጸት መስጊድን ምጥቃም መጉልሒ ድምጽን ምሒር'ዮም ዝቃወሙ።
"ኣኽሱም ቅዱስ ቦታ ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ክስማዕ ዘለዎ ቃለ እግዚኣብሄርን ዝማሬ ያሬድን'ዩ። ነጋሽ ከምኣ ገይሮም የዕብዩዋ፤ መካ ከምኣ ገይሮም ሒዞምዋ ኣለው፤ ንዓና ኽኣ መካና ድማ ኣኽሱም'ያ። ኣብዛ ኣኽሱም እዚኣ ናይ ካልእ ድምጺ ክስማዕ የብሉን" በሃሊ'ዮም።
ስለ ምንታይከ ኣብ እዋን ጸሎት መጉልሒ ድምጺ ይኽልከሉ? በኩረ ሊቃውንቲ ጎደፋ መርሃ፡ ኣኽሱም ሓንቲ ገዳም'ያ ኣብ ዝብል እምነት ጸኒዖም ነዚ'ውን ምላሽ ዝበሉዎ ሓሳብ ሂቦምና።
"መጉልሒ ድምጺ ገይሮም እንትስምዑ፡ እንታይ ገዳም ኮይኑ ክብሃል ድኣ?" ኢሎም መሊሶም ይሓቱ'ሞ፡ "ኣላህ ወኣክበር እናበሉ ድምጾም ንእንዳ ጽዮን እንተተሰሚዑ፡ እዚ ገዳም ዘይኮነ፡ ኣዲስ ኣበባ፣ ጅማ ወይ ሃረር'ዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣኽሱም ቅዱስን ሓንቲ እምነት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያንን ዘለዋ ቦታ እያ" ብምባል ተረጊጾም ይዛረቡ።

እታ ከተማ፡ ዝተፈላለየ እምነት ዘለዎ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብሰላምን ስኒትን ክነብር ይኽእል'ዩ'ኳ እንተበሉ፡ ካብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ወፃኢ ካልእ ክህልው ምፍቃድ ነቲ ዝነበረ ታሪኽ ምብልሻው እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ይዛረቡ።
"ሓዱሽ መንግስቲ ብዝመጽአ ቑጽሪ 'መስጊድ ይሰረሐልና' ኢሎም ዝሓቱ ሰባት ኣለዉ። ነቲ ሕቶ ዘቕርቡ፡ እቶም ደቀ'ባት ተይኰኑስ ካብ ዝተፈላለዩ ዓዲታት ዝመጽኡ ኣስላም እዮም" ኢሎም። ንኣብነት፥ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ካብ ዝህነፅ ጀሚሩ ሕቶታት ብምልዓል ነቶም ኣብ ኣክሱም ተወሊዶም ዝዓበዩ ኣስላም ከም ዘጸልውዎም ይዛረቡ።
ኣብ ኣኽሱም፡ ኣብ ኣቡነ ሊባኖስን ኣቡነ መጣዕን ዝበሃሉ ማይጸሎት ኣስላምን ክርስትያንን ከም ዝሕፀቡለን ቦክረ ሊቃውንት ጐደፋ ይምስክሩ። ዋላ እውን ታቦት ኣትዩዎ እንተተቐደሰ፡ ክሳብ ሕዚ ኣስላም ይሕፀቡ ምህላዎም የዛኻኽሩ።
"መቓብር ክርስትያን እንዳየሱስን መቓብር ኣስላምን ጐራብቲ እየን። ቀብሪ እንትህልዎም በታ ቤተ ክርስታያን ኣቢሎም ይሓልፉ፤ ኣብኣ ዝፀነሐ ቀሺን ዲያቆንን ወይ ይቐብር ተዘየለ ኣብኣ ኰይኑ 'ፅንዓት ይሃባትኩም' ይብሉ"።
"እቲ መስጊድ ዝሓትት ዘሎ ኣብ ኣመሪካ እዩ ዘሎ። ኣብ ኣዲስ አባባ፤ ድሬዳዋን ጅማን ኰይኑ እዩ 'ፍትህ ለኣክሱም ሞስሊም' እናበለ ዘለዓዕል፤ ታይ ገደሾ? ንሕና ተኸባቢርና ኢና ንነብር" ክብሉ'ውን ነቶም ጎስጓሳት ዘለዎም ተቋውሞ ይገልጹ።
ዓብዱ መሓመድ ግን፡ ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ፡ ካብ ኣኽሱም ወፃኢ ደፋኢ ሓይሊ ኣለዎ ንዝበሃል ሓሳብ ፈጺሞም ኣይቕበልዎን። ቅድሚ ሎሚ መንግስቲ ዝፈቐዶ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ መሬት ተዋሂቡ እኳ እንተነበረ ዛጊድ ተግባራዊ ዘይምኻኑ'ውን ይዛረቡ።
ኣብ ኣኽሱም መስጊድ ይሰራሕ እንተዝበሃል ከ?
ኣብ ዘመነ ንጉሰ ነገስት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሃጸይ ሃይለስላሰ እዚ ጥርዓን ቐሪቡሎም ነይሩ'ዩ።
ኣብቲ ግዘ ኣመሓዳሪ ትግራይ ዝነበሩ ልኡል ራእሲ መንገሻ ስዩም፡ መስገዲ ስኢንና ተጸጊምና ኢና፤ ንዓና ዝኸውን ቦታ ይፈቐደልና ዝብል ሕቶ እንትቐርበሎም፡ "ኣኽሱም ካብ ኦሪት ጀሚሩ ታቦተ ጽዮን ዝዓረፈትሉ ስለ ዝኾነ ንሓደ ገዳም'ዩ ተኸሊሉ ዝብል ምላሽ ተዋሂቡዎም።
ካብ ኣክሱም 15 ኪሎ ሜትሮ ውጽእ ኢልካ ኣብ እትርከብ ውቕሮ ማራይ መስጊድ ከሰርሑ ድማ ፍቓድ ተዋሂቡዎም። ናብታ ከተማ ተጉዕዝና።
ወይዘሮ ኬሪያ መስዑድ ጸሎት ዕለተ ሮቡዕ ንዘብጽሑ ዘለው ሰብኡት ዝኸውን እኽለማይ እናዳለዋ ረኺብናየን። ኣብታ ከተማ ድማ ሓሙሽተ መሳጊድ ከም ዘሎ ነጊረናና። እንተ ኣብ ኣኽሱም ኣብ ዕድሚአን ርእን ከም ዘይፈልጣ ይዛረባ።
"ኣብ ኣኽሱም ካብ ጥንቲ መስጊድ ርኢና ኣይንፈልጥን። ኣነ ካብ ዝውለድ ሓምሳን ገለን ገይረ ኣለኹ፤ ኣኽሱም ከምኣ ኢላ እኒሃ" ኢለን።
ናይዚ ምኽንያት እንታይ'ዩ ዝብል ኣግሂደን'ኳ እንተዘይፈለጥኦ፡ "እቶም ክርስቲያን እንዳ ማርያም ጽዮን'ዩ ኢሎም ስለ ዝኣምኑ ብእኡ'ዩ ዝኸውን ኢና ንብል" ይብላ።
መስጊድ ድማ ብግዴታ እንተይኰነስ ተመኻኺርካ ብኸይሪ (ብሰላም) እንተዀይኑ'ዩ ጽቡቕ ዝብላ እዘን ወይዘሮ፡ "እንተዘይኮይኑ ግን ካብቶም ቀዲም ወለድና ንሕና ኣይንበልፅን፡ ሰላም ኢና ንደሊ" ኢለን።
መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመናንን ኣኽሱም ግን፡ ኣብ ዝኾነ እዋን መስጊድ ከይስራሕ ምሒሎም'ዮም። ቦክረ ሊቃውንት ጐደፋ መርሃ፡ ወለድና ካብታ ሃይማኖትኩም ከይትንክዩ ከይትውስኹ ስለ ዝበሉና፡ እዛ ታሪኽ እንተተመሪዛ ንሕና መወትቲ ኢና ኢሎም።
"እስላም መስጊድ ብዘይ ምህላዉ ይኹርዩ እዮም፤ ንሕና ግን መስጊድ ይሰራሕ እንተተባሂሉ ክንመውት ኢና። ወለድና ንዘበናት ዘየፅነሕዎ፤ ኣብቲ ናትና ዘበን ክትንከፍ ኣይንፈቅድን" ብምባል ተረጊፆም ተዛሪቦም።
ኣብ ኣኽሱም ዝነብሩ ዘለዉ ኣመንቲ እስልምና ግን ነዚኣ ውሒጦምዎ እዮም ዝነብሩ ዘለዉ።

ኣኽሱም፡ ክርስትያናዊት መካ
ኣገልጋሊ ጽዮን ማርያም ቦክረ ትጉሃን ኣምሳሉ ስቡህ ብወገኖም "ጽላተ ሙሴ ኣብ ዘላቶ ቦታ ካልኦት እምነታት ክህልዉ ኣይኽእሉን" ብምባል፡ እቲ ጉዳይ ናይ እምነት ጉዳይ ምኻኑ የረድኡ።
ተኸተልቲ ክልቲኦም ሃይማኖታት፡ ኣብ ሓዘንን መርዓን ካልኦት ማሕበራውን ልምዓታውን ፍጻሜታት ከም ዘይፈላለዩ እንተገለጹ'ውን፡ ኣብ ኣኽሱም መስጊድ ይሰራሕ ኢልካ ምምጻእ ዝኸፍአ መዘዝ ከስዕብ ከም ዝክእል የጠንቅቑ።
"ክሳብ ሕዚ ዘስግእ የብልናን ብሓይሊ ክስራሕ እንተተደልዩ ግን ኵናት ይለዓል'ሎ ማለት እዩ፤ ብእምነትና ንዝመፀ እንተሞትናስ'ታይ ዶ ኣለዎ እዩ?"።

ኣብ ኣፀድ ቤተ ክርስትያን እንዳሚካኤል ኣኽሱም፡ ሊቀ ካህናት ተኽለሃይማኖት ምስቲ ፃዕዳ ሻሽ ዝመስል መጠምጠምየኦም፡ ኣብ መንከሶም መቖምያ ኣደጊፎም ኮፍ ኢሎም ረኸብናዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኣመሪካ ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፡ ኣብ ኣኽሱም መስጊድ ክስራሕ ከም ዝኽእል ዘመላኽት ዘረባ ጭርው ከም ዝበሎም ይዛረቡ።
"መንግስቲ መስጊድ ይሰራሕ ኢሉ እንተፈቒዱ ንፅባሒትኡ ዘምፅኦ ሓደጋ ስለ ዘፍርሖ ደኣ'ምበር ንክርስትያን ፈሪሑ ኣይኰነን። ኣብ ኣኽሱም ብዛዕባ መስጊድ ይሰራሕ ኣይሰራሕ ዝብል፡ ናይቲ ኣብ ኣኽሱም ጥራሕ ዝነብር ህዝቢ ጉዳይ ኣይኰነን፤ጉዳይ ህዝቢ ስለ ዝኾነ መንግስቲ ኢዱ ከየእትው ክፈርሕ ሓቁ'ዩ " ኢሎም።
ምምሕዳር ከተማ ኣኽሱም ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝኾነ ዓይነት ርኢይቶ ከም ዘይህብ ሓቢሩና።
ኣብ ከተማ መቐለ ንዝርከብ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና እቲ ክልል ግን ሓቲትና። ጸሓፊ ጉዳያት እስልምና ትግራይ መሓመድ ካሕሳይ፡ መስጊድ ንሕና ኮነ ህዝቢ ስለ ዝደልዮ፡ እቲ ጉዳይ ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ንክፍታሕ ኢና ንጽዕር ዘለና ኢሎም።
"ንሕና እናተሓለወ ንሰግደሉ መስጊድ ኣይኰናን ንደልይ። ህዝበ ሙስሊም ይኹን ክርስትያን ኣሚንሉ፡ መስጊድ ተባሂሉ ኩሉ ዝኣመነሉ ንምግባር ንሰርሕ ኢና ዘለና። ኣብ ቀረባ ድማ ነዚ ዝጥምቱ ዓበይቲ ዋዕላታት ኣብ ቀረባ እዋን ክካየዱ እዮም"።
እቲ ዝሓለፈ ነልዕሎ እንተኾይንና፡ ምክእኣል፣ ምክብባርን ሓድነትን ዝብሉ ክብርታት ኣይክህልውን ዝብሉ ኣይተ መሓመድ ካሕሳይ፡ "ኣብዚ ግዘ ክርስቲያን ባዕሎም ሓገዝቲ ዝኾንሉ መስጊድ ንምስራሕ ንጽዕር ኢና ዘለና" ዝብል ምላሽ ሂቦምና።
ማእኸላዊ ስታቲስቲክስ ኤጀንሲ፡ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ዘውጸኦ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ በዝሒ ህዝቢ ከተማ ኣክሱም ናብ 60 ሺሕ ዝጽጋዕ ዝነበረ እንትኸውን ካብኡ ውሽጢ 85 ሚኢታዊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ 10 ካብ ሚኢቲ ድማ ተኸታሊ እስልምና እዩ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን፡ በዝሒ ህዝቢ እታ ከታማ ናብ 73 ሺሕ ሓፍ ከም ዝበለ ካብታ ከተማ ዝተረኸብ መረዳእታ ይሕብር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







