መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያናት ልዑላውነት ኤርትራ ክኽበር ጸዊዖም

ምንጪ ስእሊ, P. MUSIE NEGASH
ፓስተራትን መራሕትን ምዕራባዊ ገማግም ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ንህልው ኩነታት ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ቅዋም መግለጺ ልዑላውነት ኤርትራ ክኽበር ጸዊዖም።
እቲ መግለጺ፡ ኤርትራ ከም ኩላተን ሃገራት ዓለም ሉዓላውነታ ዘረጋገጸት ሃገር ብምዃና "ንሉዓላውነታ ዝትንክፍን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓሳት" ከም ዝቃወሙን ዝኹንኑን ይገልጽ።
ወሲኹ'ውን፡ "ንልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ዝትንክፍ ብመራሕቲ ኤርትራ ይኹን ኢትዮጵያ ዝግበር መደረታት፡ ንጥፈታትን ውዕላትን ብትሪ ንቃወም" ይብል።
ብዘይካ'ዚ፤ እቲ መግለጺ ኣብ ኤርትራ "ቅዋም ክትግበር፡ ፍትሒ ክነግስ ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ፡ ዶብ ክሕንጸጽ፡ ናይ እምነት ነጻነት ክወሃብ ቅድሚ ኩሉ ንጽውዕ" ይብል።
ሓደ ካብቶም ነቲ ሓባራዊ መግለጺ ዘውጽኡ፡ ፓስተር ሲራክ ሰሎሞን፦ እቲ ብመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኤርትራ "ተመሊሳ ከም ትድመር" ዘስምዕ ዘረባታት ከም ዘሰክፎም ብምግላጽ ስቕ ኢሎም ክሰምዕዎን ክሓልፉዎን ከም ዘይክእሉ ሓቢሩ።
"[ኤርትራ] ከቢድ ዝኾነ መስዋእቲ ዝተኸፍላ ሃገር እያ። እዛ ሃገር ሉዓላውነታ ሓልያ ከም ሃገር ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ጽቡቕ ዝኾነ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ደኣ'ምበር ከምቲ ሓሓሊፉ ዝበሃል ዘሎ ከይከውን መኣረምታ ክንገብረሉ ኢና ወሲንና" ኢሉ።
ቅድሚ ሕጂ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ለውጢ ክህሉ፡ እሱራት ክፍትሑ፡ ሃገራዊ ዕርቂ ክእወጅ፡ ኩሉ ሃገራዊ፡ ኣብ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጉዳይ ሃገሩ ብናጽነት ክሳተፍን ክዋሳእን ዕድል ክኽፈት ክጽውዑ ጸኒሖም ኣለው።
ቤተክርስትያንን ፖለቲካን
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዝነቅል ዓሚቕ መልእኽቲ፡ "ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?" ብዝብል ኣርእስቲ፡ ኤርትራ ንእትርከቦ ኩለንትናዊ ኩነታት ብዝርዝር ዘረድእ ጽሑፍ ኣቕሪቦም ነይሮም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ እውን ኣብ ንግደት ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይቲ ኣባ ተኽለሚካኤል ተወልደ ዝተባህሉ ካህን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንዝወሰዶ ተባዕ ናይ ዕርቂ ስጉምቲ ብምንኣድ መንግስቲ ኤርትራ ከምቲ ኣቢይ ዝገበሮ እሱራት ክፈትሕ፡ ድምጺ ክሰምዕ ብምጽዋዕ፡ "ህዝቢ ኤርትራ ዝምነዮ …. ፊኖን ቸሜንቶን ዘይኮነ እቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝተጸበናዮን ብዙሕ ዝተሳቐናሉን ዶብና ተሓንጺጹ ምርኣይ ኢዩ" ክብሉ ገሊጾም ነይሮም።
ብወገን ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያናት ግና ከምዚ ዓይነት መግለጺ ምሃብ ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ከም ምእታው ስለዝውሰድ ልሙድ ኣይኮነን።
ፓስተር ሲራክ ግና "እዚ ብዛዕባ ምቅዋምን ምድጋፍን ኣይኮነን። እዚ ብዛዕባ መሰል፡ ብዛዕባ ቅዋም፡ ብዛዕባ ምፍታሕ እሱራት፡ ብዛዕባ ናይ እምነት ነጻነት ምህላው ኢዩ" ክብል ይገልጾ።
ፍስሃየ ገብሩ ዝተባህለ ኣማኒ ግን እቲ ዝተዋህበ መግለጺ ንጹርነት የብሉን፡ እዚ፡ "ምቅዋም ድዩ? ምቅዋም እንተኾይኑ ነየናይ'ዩ እቲ ተቓውሞ? ንመንግስቲ ኤርትራ ድዩ? ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ምዕባለታት ድዩ? ብንጹር ኣይረኣኽዎን" ብምባል ተደራራቢ ሕቶታት የቐምጠሉ።
ስምኦን ግርማይ ግና ቤተክርስትያን ጠበቓ ናይ'ቶም ድምጾም ከስምዑ ዘይክእሉ ሓላዊትን ደጋፊትን ስለ ዝኾነት፡ እዞም ፓስተራት ድምጾም ከስምዑ እዋናዊ ምኻኑ ይዛረብ።
ኣብዚ እዋን ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ሓያሎ ኤርትራውያን፤ እሱራት ክፍትሑ፡ ዝተሰደ ክምለስ፤ መንግስቲ ዝተፈልየ ርእይቶን ሓሳብን ኣሎና ምስ ዝብሉ ሃገራውያን ክዕረቕን ክላዘብን ባህጊ ደላይ ዕርቂ ሰላም ኤርትራዊ ክፍጽም ጻውዒትን ምሕጽንታን የቕርቡ ኣለው።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







