"በዓል ቤተይ ክሰርሕ ከም ዝፈቕደለይ ብጽሑፍ መርትዖ ከቕርብ ተሓቲተ"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ንስራሕ ቃለ መሕትት ኣብ ዝገብረሉ ዝነበርኩ እዋን፡ በዓል ቤተይ ክሰርሕ ከም ዝፈቕደለይ ብጽሑፍ መርትዖ ከቕርብ ተሓቲተ" ትብል፡ ብምህንድስና ነዳድን ጋዝን ማስተርስ ዲግሪ ዘለዋ- ኢራናዊት ኔዳ ።
ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርታ ዝበጽሐት ኔዳ፡ በዓል ቤታ ስራሕ ክትሰርሕ ፍቓድ ከም ዝሃባ ናይ ጽሑፍ መርትዖ ከተምጽእ ምስ ተሓተተት ውርደት ከም ዝተሰምዓ ትዛረብ።
“ኣነ ዓባይ ሰብ እየ። ባዕለይ ክውስን ዝኽእል ሰብ እየ ኢለዮም" ትብል ኔዳ ንቢቢሲ።
ኣብ ኢራን ዝተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንኽሰርሓ ፍቓድ በዓል ቤተን ክረኽባ ብሕጊ ይግደዳ።
እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ሕጋዊ መሰናኽላት ናብ ስራሕ ዓለም ክኣትዋ ዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ ይገብሮ።
ሎሚ ዓመት ጸብጻብ ባንኪ ዓለም፡ ኢራን ብመንጽር ንስራሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕንቅፍ ሕግታት ሓንቲ ካብተን ዝኸፍኣ ሃገራት ምዃና ኣቐሚጥዋ።
ባንኪ ዓለም፡ ብዛዕባ ዓለማዊ ክፍተት ጾታ ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ፡ ካብተን ዝተሸፈና 146 ሃገራት፡ ኢራን ብመንጽር ስራሕ ምቑጻር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ኣቐሚጠዋ ኣሎ።
ዋላ’ኳ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ካብ ተመረቕቲ ዩኒቨርሲቲ ደቂ ኣንስትዮ እንተኾና፡ ካብኣተን ግን 12 ሚእታዊት ጥራይ ኣብ ስራሕ ተቖጺረን ከምዘለዋ: መረዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ይሕብር።
ጾታ መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ዝፈጥር ሕግታት፡ ጾታዊ ትንኮሳን ኣብ ልዕሊ ስራሕ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ዝህሉ ጾታዊ ኣተሓሳስባን፡ ነቲ ናይ ስራሕ ሃዋህው ንደቂ ኣንስትዮ ጥዕና ዘይብሉ ይገብሮ።
ቢቢሲ ነዚ ጽሑፍ ዘዘራረበን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ስራሕ ቦታ ብዕቱብ ከምዘይውሰዳ ከምዝተሰምዐን ገሊጸን።
"ዝተፈላለዩ ሕጋውን ባህላውን ዕንቅፋታት ንደቂ ኣንስትዮ ኢራን ካብ ስራሕ ወጻኢ ይገብረን ኣሎ" ትብል ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ባንኪ ዓለም ነበር ናደረህ ቻምሉ።
ሕጋዊ ገደባት እታ ሃገርን ፆተ መሰረት ዝገበረ ፍልልይ መሃያን፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ዓለም ኢራን ድሩት ከምዝገበረ እታ ኣማኻሪት ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕጋውን ባህላውን ዕንቅፋታት
ስዒድ ዝተባህለ ኢራናዊ በዓል ሃፍቲ: ሓደ እዋን ሓደ ሰብኣይ ናብ ስራሕ ቦታ መፂኡ፡ ብሓጺን ዝተሰርሐ በትሪ እናወጠወጠ 'ንበዓልቲ ቤተይ ክትቖጽር መን ፍቓድ ሂቡካ?' ኢሉ ከምዘፈራረሖ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ስዒድ ዝተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ሰብኡተን ናይ ጽሑፍ ፍቓድ ከምጽኣ ይጠልብ።
ኣብ ናይ ብሕቲ ትካል ዝሰርሕ ራዚዝ እውን፡ሓደ ዝተቖጥዐ ውልቀሰብ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ተሃንዲዱ ኣትዩ ከምኡ ተመሳሳሊ ከም ዝገበረ ይዝክር።
እቲ ዝተቖጥዐ ሰብኣይ ነቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ "በዓልቲ ቤተይ ኣብዚ ክትሰርሕ ኣይደልን እየ" ብምባል ሓይሊ ቃላት ብዝመልኦ ከም ዝነገሮ ራዚህ ተዛሪቡ።
እቲ ስራሕ መካየዲ፡ ነታ ኣብቲ ኩባንያ ላዕለወይቲ ኣካውንታንት ዝኾነት ሰበይቲ፡ "ገዛኣ ከይዳ ምስ በዓል ቤታ ነገራት ክትፈትሕ እንተዘይኮይኑ ስራሕ ክትገድፍ ከምእትግደድ" ከምዝተዛረባ ራዚህ ይዝክር።
ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ስራሕ ለቒቓ።
እታ ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ባንኪ ዓለም ነበር፡ ሕጊ እታ ሃገር ንዝተመርዐዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዙሓት ኩባንያታት ንዝኰና ደቂ ኣንስትዮ ከይቖጽራ ዕንቅፋት ከምዝኸውን’ውን ትገልፅ።
ኣስራሕቲ፡ "ነተን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ኣሰልጢኖም ድሕሪ ምቑጻሮም፡ ሰብኡተን ካብ ስራሕ ከባርርወን እዮም ኢሎም ስለዝሰግኡ፡ ግዜኦም ከባኽኑ ኣይደልዩን" ትብል።
ደቂ ኣንስትዮ፡ ፍቓድ ስራሕ ክረኽባን ክቖጽራን፡ ምስ ስድራቤተንን መጻምድተንን እኳ እንተተቓለሳ፡ ኣብ ስራሕ ዝፍጸም ሕጋዊ ኣድልዎ፡ ንስራሕ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ኢራን በዳሂ ገይርዎ ኣሎ።
ካብዚኦም ሓደ ዓንቀጽ ሲቪላዊ ሕጊ ኮይኑ፡ ሰብኣይ ርእሲ ስድራቤት ምዃኑን መነባብሮኦም ክሽፍን ከምዘለዎን ይገልጽ።
እዚ ድማ ንደቂ ተባዕትዮ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳምነት ይህቦም። ደቂ ኣንስትዮ ዋላ ስራሕ እንተረኸባ፡ ካብ ሰብኡተን ብዝተሓተ ደሞዝ ክሰርሓ ትጽቢት ይግበረለን።
ኣብ 20ታት ዕድሚኣ እትርከብ ራዝ፡ ስራሕ ቀያይራ ኣላ። ኣብ ኩለን ዝሰርሓትለን ቦታታት፡ ደቂ ኣንስትዮ ቀዲመን ከም ዝስጎጋ ትዛረብ።
"እቲ ኣብ መወዳእታ ዝተቖጽረትሉ ትካል ብስም ዳግመ-ውደባ፡ ዋላ ዝሐሸ ኣፈጻጽማ ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ እየን ተባሪረን " ትብል።
ካልእ ስማ ከይግለጽ ዝሓተተት ኢራናዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ስራሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ስለምንታይ ኣብ ገዛ ክትውዕል ከም ዝወሰነት ትገልጽ።
"ብሞያይ ፈጺመ ከምዘይስጉም ተገንዚበ" ትብል።
“ደቂ ተባዕትዮ ክሳብ ዘለዉ፡ ዋላ’ውን ውሑድ ብቕዓት እንተሃለዎም፡ ወሰኽ ወይ ዕቤት ከምዘይረክብ ተገንዚበ። ግዜይ ምብኻን እዩ”።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







