"ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ኮንዶም ሓቢእኻ ምውጻእ ገበን ምዃኑ ኣይፈልጥን ነይረ"

ሜጋን ባርተን

ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ንመጻምድቲ ከየፍለጥካ ብሕቡእ ኮንዶም ምውጻኣ ገበን ምዃኑ ምፍላጣ "ከምዘሰንበዳ" ኣብ ሓደ 'ላቭ ኣይላንድ' ዝተብሃለ መደብ ተለቪዥን (ሪያሊቲ ቲቪ ሸው) ዝተሳተፈት ሜጋን ባርተን ተዛሪባ።

ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ብሕቡእ ኮንዶም ምውጻእ ብእንግሊዝኛ 'ስተልዚን' ዝብል መጸውዒ ተዋሂብዎ'ሎ።

እዚ ማለት ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ብዘይ ኣፍልጦ ወይ ፍቓድ መጻምድትኻ ኮንዶም ምእላይ ማለት እዩ።

ተዋሳኢት ሜጋን ባርተን፡ እዚ ኩነታት ሽዱሽተ ግዜ ከምዘጋጠማ ትዛረብ።

ሓደ ካብ መጻምድታ ብተደጋጋሚ እቲ ኮንዶም ከም ዝተቐደደ ኣምሲሉ ነቲ ኮንዶም ብምእላዩ ጥንሲ ኣጋጢምዋ። ነቲ ጥንሲ ድማ ክተቋርጾ ተገዲዳ።

እታ ጓል 30 ዓመት ተዋሳኢት፡ እዚ ተግባር "ገበን ምዃኑ ኣይፈልጥን ነይረ" ትብል።

"እዚ ጉዳይ ምስ መጻምድትኻ ጥራይ ክትዛተየሉ ዘለካ ነገር እዩ ዝመስለኒ" ትብል ወሲኻ።

መዘኻኸሪ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ንገለ ኣንበብቲ ጽቡቕ ስምዒት ዘይክፈጥር ዝኽእል ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ።

ሜጋን፡ ኣብ ሓደ 'ዊ ኒድ ቱ ቶክ' [ክንዛረብ ኣለና] ብዝብል ዝፍለጥ ፖድካስት ቀሪባ፡ እቲ ተግባር 'ዘይቅኑዕን ኢ-ፍትሓውን' ከምዝኾነ እያ ተዛሪባ።

ግን ከኣ ኣዳላዊ እቲ መደብ ፖድካስት ዝኾነ ፖል ሲ ብሩንሰን፡ እቲ ተግባር 'ስተልዚን' ብዝብል ዝፍለጥ ገበን ምዃኑ ምስነገራ፡ መጻምድታ ኣብ ልዕሊኣ ዝፈፀሞ ዓመጽ ከምዝኾነ ተገንዚባ።

"ብዛዕባ 'ስተልዚን' ሰሚዐ ኣይፈልጥን" ትብል።

"ጾታዊ ርክብ ክንጅምር ከለና እቲ ኮንዶም ኣሎ። ኩሉ ነገር ጽቡቕ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ኣቢሉ ግን ኮነ ኢሉ የውጽኦሞ፡ ዝሃቦ መመኽነይታ ድማ ተቐዲዱን ወየር ተሰንጢቑ ዝብል እዩ" ክትብል ተረድእ።

ወሲኻ ድማ፡ "ዘሰንብድ እዩ ነይሩ" ኢላ።

ፖሊስ ሜትሮፖሊታን፡ እቲ ብተለምዶ ስቴልዚንግ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተግባር፡ ብሕጊ ከም ገበን ምድፋር (ጾታዊ ምግሃስ) ከም ዝቑጸር ይገልጽ።

ግን ከኣ ብዙሓት ገበን ምዃኑ ስለዘይግንዘባ/ቡ ክሳብ ክንድቲ ጥርዓናት ስለዘይቐርቡ፡ ነዚ ዝምልከት ክሲታት ልሙድ ኣይኮነን።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ መንጎ ካብ 18 ክሳብ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም መናእሰይ፡ እቲ ሓደ ካብ ዓሰርተ ሰባት፡ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ኮንዶም ብሕቡእ ምውጻእ ከም ገበን ጾታዊ መጥቃዕቲ ከምዘይቆጽርዎ የመልክት።

ዳይረክተር፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትን ኣዋልድን ዝፍጸም ዓመጽ ንምክልኻል ዝሰርሕ ትካል ዝኾነ፡ ኣንድርያ ሳይሞን፡ "ጾታዊ ርክብ ብፍቓድ ክፍጸም ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ እቲ ሰብ ከየፍለጠ ነቲ ኮንዶም ብሕቡእ እንተ ኣውጺእዎ፡ ነቲ ፍቓድ ጥሒሱ ኣሎ ማለት'ዩ። እዚ ከኣ ከም ግህሰት ጾታ ይቑጸር" ብምባል ብገበን ጾታዊ ዓመጽ ክኽሰስ ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ኮንደም ዝሓዙ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ እንግሊዝ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ፡ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ኮንዶም ብሕቡእ ዘውጽአ ውልቀሰብ ንኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ'ሎ።

ወዲ 39 ዓመት ጋይ ሙከንዲ ካብ ደቡብ ለንደን፡ ሓንቲ ምስኡ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ዝተሰማምዐት ውልቀሰብ ካብ ኣፍልጦኣ ወጻኢ ነቲ ኮንዶም ኣውጺእዎ።

ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ፡ ሙከንዲ ነቲ ተግባር ዝፈጸመ "ንነዊሕ እዋን ጾታዊ ርክብ ከይፈጸመ ብምጽንሑ" ከምዝኾነ ምግላጹ ይንገር።

ዋና ኣካያዲት ስራሕ ቤት ጽሕፈት ቅልውላው ዓመጽ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ሲኣራ በርግማን "ስተልዚንግ ብመሰረት ሕጊ እንግሊዝን ዌልስን ገበን'ዩ" ትብል።

ተዋሳኢት ሜጋን እዚ ጉዳይ ስግኣት ንዝኾነን ሰባት ማዕዳ ትልግስ።

"ዝኾነ እትጠራጠርኦ ነገር እንተ ኣጋጢሙክንን ስግኣት እንተኾይኑክንን ንመሓዙትክን ንገራ። ንሓደ ሰብ ጥራይ ንገራ'ሞ ብሓባር ናብ ፖሊስ ክትከዳ ትኽእላ ኢኽን" ትብል።