ሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብ ኣብ ዓለም ንመጀመርታ ግዜ ዕረፍቲ ወሊድን ጥሮታን ተፈቒዱለን

መል ሓንቲ ካብተን እቲ ሓድሽ ሕጊ ንህይወታ ከመሓይሽ እዩ ዝብል እምነት ዘለዋ ሰራሕተኛ ጾታዊ ርክብ እያ
መግለጺ ስእሊ, መል ሓንቲ ካብተን እቲ ሓድሽ ሕጊ ንህይወታ ከመሓይሽ እዩ ዝብል እምነት ዘለዋ ሰራሕተኛ ጾታዊ ርክብ እያ

መጠንቀቕታ፤ እዚ ጽሑፍ ጾታዊ ባህሪ ዘለዎ መግለጺታት ዝሓዘ እዩ።

ሶፊ ኣብ ቤልጅየም እትነብር ሰራሕተኛ ጾታዊ ርክብ ኰይና፡ “ጥንስቲ ትሽዓተ ወርሒ እንከለኹ እውን ክሰርሕ ነይሩኒ” ትብል።

“ሓደ ሰሙን ቅድሚ ሕርሰይ ከይተረፈ ምስ ዓማዊለይ ጾታዊ ርክብ ይገብር ነይረ።”

ኣደ ሓሙሽተ ቈልዑ ኰይና እያ ነቲ ስራሕ ትቕጽሎ - እዚ ድማ "ኣመና ከቢድ'ዩ።"

ስማ ክትግለጽ ዘይደለየት ሶፊ፡ መጥባሕቲ ብምግባር ሓሙሻይ ውላዳ ምስ ወለደት፡ ንሽዱሽተ ሰሙን ዕረፍቲ ከም ዘድልያ ተነጊርዋ። ንሳ ግን ኣማራጺ ስለዘይነበራ፡ ብኡንብኡ ናብ ስራሕ ከም ዝተመልሰት ትዛረብ።

“ገንዘብ ስለ ዘድልየኒ ደው ክብል ዓቕሚ ኣይነበረንን።”

ብኣስራሒ ዝኽፈል መሰል ወሊድን ዕረፍቲን እንተዝህልዋ ነይሩ ናብራኣ ብተዛማዲ ዝሓሸ ክከውን ከም ዝኽእል ፍሉጥ እዩ።

ብመሰረት'ቲ ኣብ ዓለም ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ምዃኑ ዝተገልጸ ሓድሽ ሕጊ ቤልጅየም፡ እዚ መሰል እዚ ክረጋገጽ እዩ። ሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብ ወግዓዊ ውዕል ስራሕ፡ መድሕን ጥዕና፡ ጥሮታ፡ ዕረፍቲ ወሊድን ካልእ መሰላትን ክረኽባ እየን። በዚ እቲ ስራሕ ብመሰረቱ ከም ዝዀነ ካልእ ስራሕ ክሕሰብ እዩ።

ሶፊ፡ “እዚ ንዓና ከም ሰባት ንኽንነብር ዓቢይ ዕድል’ዩ” ትብል።

ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 52 ሚልዮን ሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብ ከምዘለዋ ዓለማዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብ ይሕብር። እዚ ሞያ ኣብ 2022 ኣብ ቤልጅየም ካብ ገበን ዝተኣልየ ኰይኑ፡ኣብ ከም ቱርኪን ፔሩን ዝኣመሰላ ሓያለ ሃገራት እውን ሕጋዊ እዩ። መሰላትን ውዕላትን ስራሕ ምምስራት ግን ኣብ ዓለም ንፈለማ ግዜ ዝርአ ዘሎ እዩ።

“እዚ ሱር በተኻዊ’ዩ፤ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝዀነ ሃገር ካብ ዝረኣናዮ እቲ ዝበለጸ ስጕምቲ’ዩ” ትብል ተመራማሪት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኤሪን ኪልብራይድ።

“ኵለን ሃገራት ነዚ ኣንፈት'ዚ ክኽተላ የድልየና ኣሎ።”

እቲ ንሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብ ዝምልከት ሕጊ ዕዮ ንምድጋፍ ዝተኻየደ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, UTSOPI

መግለጺ ስእሊ, እቲ ንሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብ ዝምልከት ሕጊ ዕዮ ንምድጋፍ ዝተኻየደ ሰልፊ

ነቐፍቲ፡ እቲ ስራሕ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ምዝመዛን ግህሰትን ዘሰብ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ስክፍታኦም ይገልጹ።

"ብመሰረቱ፡ ኵሉ ግዜ ዓመጽ ዝመልኦ ሞያ ምዃኑ ስለዘይተርፍ፡ እዚ ሕጊ ንቡር ስለ ዝገብሮ ሓደገኛ'ዩ" ትብል ጁልያ ክሩሚየር ዝተባህለት ወለንተኛ ናይቲ ንሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብ ዝሕግዝ ዘይመንግስታዊ ትካል ቤልጅየም።

ንብዙሓት ደቀንስትዮ ሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብ፡ እቲ ስራሕ መሰረታዊ እዩ፤ ከምዚ ዝበለ ሕጊ ቀልጢፉ ክመጽእ እውን ነይርዎ።

መል ብሓደ ዓሚላ ብዘይ ኮንዶም ዘይንቡር ጾታዊ ርክብ ክትገብር ምስ ተገደደት፡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ (STI) ኣብ ኣመንዝራታት ይላባዕ ከምዘሎ ምስ ፈለጠት፡ ኣዝያ ኣሰንቢዳ። ኣማራጺ ግን ኣይነበራብ።

"ዝነበረኒ ኣማራጺ ነቲ ሕማም ምዝርጋሕ ወይ ድማ ገንዘብ ምእካብ እዩ ነይሩ።”

ጓል 23 ዓመት እንከላ ዓጃቢት ኰይና ነይራ - ገንዘብ የድልያ ነይሩ፤ ቀልጢፋ ድማ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ክትረክብ ጀሚራ። ከምዚ ወርቂ ዝሃረማ ኰይኑ ተሰሚዑዋ ነይሩ፡ እቲ ምስ ተላባዒ ሕማም ዝነበረ ተመኵሮ ግን ካብ ሰማይ ናብ መሬት ደርብዩዋ።

መል፡ ድሕሪ ሕጂ ንዝኾነ ዘይምቹእነት ዝፈጥረላ ዓሚል ወይ ጾታዊ ተግባር ክትነጽግ ክትክእል እያ፤ እዚ ማለት ንስርሓ ብዝተፈለየ መንገዲ ክትሕዞ ክትክእል እያ።

" ብሕጊ መስለስይ ሕሉው እንተዝነብር፡ ኣጻብዕተይ ናብ ማዳመይ [ኣስራሒተይ] ኣመልኪተ፡ ‘ነዚ ውዕል ትጥሕሲ ኣለኺ፤ ብኸምዚ ክትሕዝኒ ድማ ይግባእ’ ክብላ ምኸኣልኩ ነይረ።"

ቪክቶርያ ንስራሕ ጾታዊ ርክብ ከም ማሕበራዊ ኣገልግሎት እያ ትሓስቦ
መግለጺ ስእሊ, ቪክቶርያ ንስራሕ ጾታዊ ርክብ ከም ማሕበራዊ ኣገልግሎት እያ ትሓስቦ

እዚ ውሳነ ቤልጅየም ውጽኢት ናይቲ ኣብ 2022 ንኣዋርሕ ዝቐጸለ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ መንግስታዊ ደገፍ ብዘይምንባሩ ዝተደረኸ ተቓውሞ እዩ።

ሓንቲ ካብተን ኣብ ቅድሚት ዘለዉ፡ ቪክቶርያ ፕረዚደንት ማሕበር ሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብ ቤልጅየም (UTSOPI)ን ቅድሚ ሕጂ ን12 ዓመታት ዝሰርሐትን እያ።

ንዓኣ ቃልሲ እዩ ነይሩ። ኣመንዝራነት ከም ማሕበራዊ ኣገልግሎት እያ እትቘጽሮ፤ ጾታዊ ርክብ ካብቲ እትገብሮ ኣስታት 10 ሚእታዊት ጥራይ እዩ።

“ንሰባት ኣቓልቦ ምሃብ፡ ዛንታታቶም ምስማዕ፡ ምስኦም ኬክ ምብላዕ፡ ምስዕሳዕ” ክትብል ትገልጽ። “ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ጽምዋ’ዩ።”

ቅድሚ 2022 ዝነበረ ዘይሕጋውነት እቲ ስራሕ ግን ርኡይ ብድሆታት ከምዝነበሮ እያ ትዝክር። ኣብ ዘይውሑስ ኵነታት ትሰርሕ ነይራ፤ ኣብ ልዕሊ ዓማዊላ ምርጫ ኣይነበራን፡ ኣስራሒ ትካላ ድማ ካብ ኣታዊታታ ዓቢ ግብሪ ይቘርጽ ነይሩ።

ግደ ሓቂ፡ ቪክቶርያ፡ ብሓደ ብእኣ ዓሚቝ ዝተማረኸ ዓሚል ከም ዝተዓመጸት ትዛረብ።

ናብ ሓደ መደበር ፖሊስ ከይዳ፡ ኣብኡ ዝጸንሓታ መኮነን ፖሊስ "ኣመና ተራር" ከም ዝነበረት ትዛረብ። "ሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብ ክዕመጻ ከምዘይክእላ ምስ ነገረትኒ። ናተይ ጌጋ ኮይኑ ከምዝስምዓኒ ገይራትኒ" ብምባል እናነብዐት ካብቲ መደበር ፖሊስ ከም ዝወጸት ትዛረብ።

ኵለን ዘዘራረብናየን ሰራሕተኛ ጾታዊ ርክብ ብዙሕ ግዜ ብዘይ ድሌተን ገለ ነገር ክገብራ ጸቕጢ ከምዝተገብረለን ይነግራ።

በዚ ድማ ቪክቶርያ እዚ ሓድሽ ሕጊ ንህይወተን ከም ዘመሓይሽ ትኣምን።

“ሕጊ እንተዘይሃልዩን ስራሕካ ዘይሕጋዊ እንተዀይኑን ዝሕግዙኻ ደንቢታት የለዉን። እዚ ሕጊ ውሕስነት ንምፍጣር ዝሕግዝ መሳርሒ እዩ።”

ክሪስን ኣሌክሳንድራን ንሰራሕተኛታቶም ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ከም ዘለዎም ይዛረቡ።
መግለጺ ስእሊ, ክሪስን ኣሌክሳንድራን ንሰራሕተኛታቶም ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ከም ዘለዎም ይዛረቡ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሕጊ እቶም ኣቃጠርቲ -ደላሎ - ጽኑዕ ሕግታት ብሕጋዊ መንገዲ ክሰርሑ ክፍቀደሎም'ዩ። ብኸቢድ ገበን ዝተፈርደ ሰብ፡ ሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብ ክቘጽር ኣይፍቀደሉን እዩ።

"ብዙሓት ትካላት እዚ ስራሕ ክዕጸዋ ክግደዳ እየን ዝብል ግምት ኣለኒ፤ ምኽንያቱ ብዙሓት ኣስራሕቲ መዝገብ ገበን ኣለዎም" ይብል ክሪስ ሪክማንስ። ንሱን በዓልቲ ቤቱ ኣሌክሳንድራን ኣብታ ንእሽቶ ከተማ ቤኽቮርት ኣብ ጎደና ፍቕሪ ስነ-ስርዓት ጾታዊ ርክብ ዝምልከት ስራሕ ማሳጅ የካይዱ።

ክሪስን በዓልቲ ቤቱን 15 ሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብ ቈጺሮም የስርሑ ኣለዉ፤ ብኣኽብሮት ክንክንን ጽቡቕ ደሞዝ ከምዝሕዙወን ድማ ብሓበን ይገልጹ።

"እቶም ሕማቓት ኣስራሕቲ ክዕጸዉን እቶም ነዚ ሞያ ብቕንዕና ክሰርሑ ዝደልዩ ሕያዎት ሰባት ክጸንሑን ተስፋ እገብር " ይብል።

ኤሪን ኪልብራይድ ካብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ኣለዋ፤ እቲ ሓድሽ ሕጊ ብዓቢኡ ኣብ ልዕሊ ኣስራሕቲ ገደብ ብምግባር፡ "ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብ ዘለዎም ስልጣን ክድርቶ እዩ" ትብል።

ንኢንዱስትሪ ጾታዊ ርክብ ብኸመይ ቍጽጽር ይገብረሉ ዝብል ዛዕባ ብደረጃ ኣካታዒ እዩ። እንተዀነ ነቲ ጉዳይ ካብቲ ድነታት ከምዝወጽእ ምግባር ንደቂ ኣንስትዮ ዝሕግዝ ምዃኑ መል ትኣምን።
መግለጺ ስእሊ, ንኢንዱስትሪ ጾታዊ ርክብ ብኸመይ ቍጽጽር ይገብረሉ ዝብል ዛዕባ ብደረጃ ኣካታዒ እዩ። እንተዀነ ነቲ ጉዳይ ካብቲ ድነታት ከምዝወጽእ ምግባር ንደቂ ኣንስትዮ ዝሕግዝ ምዃኑ መል ትኣምን።

ጁልያ ክሩሚየር ግን መብዛሕትአን እተን እትሕግዘን ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብቲ ሞያ ወጺአን "ንቡር ስራሕ" ንኽረኽባ ጥራይ ሓገዝ ከም ዝደልያ ትዛረብ ።

“ኣብቲ ቀዝሒ ግዳም ወጺእካ ምስቶም ንኣካላትካ ንኽድሰቱሉ ገንዘብ ዝኸፍሉ ዘይትፈልጦም ሰባት ጾታዊ ርክብ ናይ ምፍጻም ጉዳይ እዩ።”

ብመሰረት’ዚ ሓድሽ ሕጊ ቤልጅየም፡ ነፍሲ ወከፍ ጾታዊ ኣገልግሎት ዝካየደሉ ክፍሊ፡ ሓንቲ ሰራሕተኛ ምስ “ወኪላ” ዘራኽብ መጠወቒ ደወል ክህልዎ እዩ።

ጁልያ ግን ስራሕ ጾታዊ ርክብ ውሑስ ዝዀነሉ መንገዲ ከምዘየለ እያ ትኣምን።

“ኣብ ካልእ ኣየናይ ስራሕ እዩ መጠወቒ ደወል ሓደጋ ዘድልየካ? እዚ እቲ ኣብ ዓለም እቲ ነዊሕ ዝጸንሐ ሞያ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዓለም ነዊሕ ዝጸንሐ ምዝመዛ’ዩ።”

ንኢንዱስትሪ ጾታዊ ርክብ ብኸመይ ቍጽጽር ይገብረሉ ዝብል ዛዕባ ብደረጃ ኣካታዒ እዩ። እንተዀነ ነቲ ጉዳይ ካብቲ ድነታት ከምዝወጽእ ምግባር ንደቂ ኣንስትዮ ዝሕግዝ ምዃኑ መል ትኣምን።

"ቤልጅየም ክሳብ ክንድዚ ንቕድሚት ምስጓማ ኣዝየ እየ ዝሕበን" ትብል፤ “ሕጂ መጻኢ ኣለኒ።”

ገለ ኣስማት ድሕነት ሰባት ንምሕላው ተቐይሮም’ዮም።