እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስዊዘርላንድ፡ ካብቲ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ባር ዘምለጡ ዝነግርዎ ዛንታ
እዚ ዛንታ፡ ንገለ ኣንበብቲ ክርብሽ ዝኽእል ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ።
"ንእሽቶ ሓወይ ኣብ ውሽጢ ዘሎ መሲሉኒ መጺአ፤ ሰባት ንኽወጽኡ ንምሕጋዝ መስኮት ክሰብር ፈቲነ፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣትየ።"
እዚ ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ መዘናግዒ ቦታ ክራንስ-ሞንታና ዝነበረ ጽንብል ሓድሽ ዓመት ናብ ሕልሚ ቀትሪ ድሕሪ ምቕያሩ፡ ንቢቢሲ ዝተዛረቦ እዩ።
ፖሊስ ከም ዝሓበሮ፡ ብሓሙስ ብኣቈጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 01፡30 (00፡30 GMT) ለ ኮንስተሌሽን ኣብ ዝተባህለ ባር፡ ባርዕ ሓዊ ምስ ተላዕለ ኣስታት 40 ሰባት ሞይቶም፤ ካልኦት 115 ሰባት ድማ ብኸቢድ ምቅጻል ቈሲሎም።
እቲ ምስክር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዝነበረሉ፡ ዓቢ ነትጒ ከም ዝሰምዐ፡ ድሕሪኡ ድማ ብዙሕ ትኪ ከም ዝኣየ ሓቢሩ።
ካልኦት ክሃድሙ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን፡ ንሓዉ ክደሊ ኣትዩ። ኣብ ውሽጢ ምስ ኣተወ ድማ ሓደ ዘስካሕክሕ ትርኢት ጸኒሑዎ።
"ሰባት ክቃጸሉ ርእየ... ሰባት ካብ ርእሲ ክሳብ እግሪ ክቃጸሉ ርእየ፤ ክዳን ኣይነበሮምን። ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ ነይሩ፡" ኢሉ። ሓዉ ድማ ጉድኣት ኣይበጽሖን።
"ኣብዚ ሰሙን መዓልታዊ'የ ናብዚ ባር ዝኸይድ ነይረ - ኣብታ ዘይከድኩላ መዓልቲ፡ ተቓጺላ፡" ይብል።
ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ብሓሙስ ለይቲ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ሓድሽ ዓመት ከብዕሉ ዝተኣኻኸቡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።
እቲ ባርዕ ኣብ ሓደ ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ዝርከብ ፍሉጥ ማእከል ምንሽርታት በረድ ዘሎ ቤት-መስተ እዩ ኣጋጢሙ።
እቲ ሓደጋ ቅድሚ ምግጣሙ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ጥራይ፡ ደቂ ዓድን በጻሕትን ሓድሽ ዓመት 2026 የብዕሉ ነይሮም።
ለ ኮንስተሌሽን ኣብ ክልተ ደርብን ናሕስን ዝተዘርግሐ ኣስታት 300 ሰባት ዝሕዝ ቦታ ዘለዎ ዓቢ ባር ኰይኑ፡ ኣብቲ እዋን ክንደይ ሰባት ኣብቲ ባር ከም ዝነበሩ ኣይተፈልጠን።
ክልተ ፈረንሳውያን ደቀንስትዮ ኤማን ኣልባነን ንማዕከን ዜና ፈረንሳ ቢኤፍኤምቲቪ ኣብ ዝሃብኦ ቃል፡ እቲ ባርዕ ክጅምር ከሎ ኣብ ውሽጢ ከም ዝነበራ ሓቢረን።
ንሳተን፡ ሓንቲ ኣገልጋሊት ኣብ ልዕሊ ገለ ጥርሙዝ ሻምፓኝ "ሽምዓ ልደት" ምስ ኣቐመጠት ከም ዝጀመረ ከም ዝኣምና ገሊጸን።
"ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ምሉእ ናሕሲ ተቓጺሉ። ኵሉ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ እዩ ነይሩ፡" ብምባል፡ እቲ ሃልሃልታ "ቀልጢፉ ክላባዕ ጀሚሩ፡" ኢለን።
ካብቲ ባር ምውጻእ "ኣዝዩ ከቢድ" ምንባሩ ዝገለጻ ኤማን ኣልባነን፡ ካብቲ ዝነበርኦ ክፍሊ ዝወጽኣሉ መገዲ መህደሚ "ጸቢብ"፡ ናብ ደገ ዝወስድ መደያይቦ ድማ "ዝያዳ ጸቢብ" ከም ዝነበረ ተዛሪበን።
"ኣዚና ዕድለኛታት ኢና። ኣብ ውሽጢ 30 ካልኢት ብገለ ኣዝዮም ጸበብቲ ኣማራጺታት ክወጽኡ ዝፍትኑ ኣስታት 200 ሰባት፡" ነይሮም ኢለን።
ካልእ ኣብ ውሽጢ እቲ ባር ዝነበረ መንእሰይ፡ ቅድሚ ናብቲ መደያይቦ ምድያቡ "ካብ ከቢድ ዋዒ" ክሃድም ከም ዝተገደደ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣቐዲሙ ክወጽእ ስለ ዘይከኣለ መስኮት ብጠረጴዛ ክሰብር ፈቲኑ። እግሩ ተጠቒሙ ነቲ መስትያት ምስ ሰበሮ ግን ብህይወት ከወጽእ ክኢሉ።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሆስፒታል ዘሎ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ብቕልጡፍ ህጹጽ ረድኤት ሕክምና ብዝደልዩ ሰባት መሊኡ። ገለ ጕድኣት ዝበጽሖም ሰባት፡ ናብ ጎረቤት ሃገር ኢጣልያ ናብ ሚላኖ ሓዊሱ ናብ ካልእ ቦታታት ተላኢኾም።
ካብቶም ነቲ ትራጀዲ ዝሰምዑ ሰባት፡ ምስ በዓልቲ ቤቱን ውላዱን ናብ ክራንስ-ሞንታና ዝበጽሕ ዝነበረ ኦሌህ ፓስካ እዩ።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብቲ ባር ከባቢ 50 ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ኣብ ክፍሎም ኰይኖም ሓድሽ ዓመት ከብዕሉ ከለዉ፡ ኣብ መጀመርታ ርችት ዝመስሎም ተኸታታሊ ፍንጀራታት ከም ዝሰምዑ ሓቢሩ።
ኣብ ደገ ሰብ ክበኪ ሰሚዖም ግን ኣብ መጀመርታ ባእሲ ዝተላዕለ መሲልዎም።
ህጹጽ ኣገልግሎት ዝህቡ ክመጽኡ ምስ ጀመሩ፡ "ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሳይረን" ምምጻእ ኣምቡላንሳት፡ ፖሊስን መጥፋእቲ ሓውን ምስ ርኣዩ፡ ገለ ጸገም ከም ዘሎ ተረዲኦም።
ካልእ ዳኒኤላ ዝተባህለት ኣብ ጐኒ እቲ ባር መዕረፊ ኣጋይሽ ዘለዋ ካብ ሚላን ዝመጽአት ውልቀሰብ እውን እቲ ራዕዲ ተዓዚባቶ።
ኣብ ድራር ጸኒሓ ምስ በዓል ቤታ ናብ ገዛኣ እናተጓዕዘት ከላ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ባር ትኪ ክሽትት፡ ኣብ መሬት ድማ ምሉእ ብምሉእ ዝተቓጸለት ጃኬት ርእያ።
"ሰባት ብዅሉ ኣንፈት እናጎየዩ የእውዩን ይበኽዩን ነይሮም። ሓያሎ ሰባት ኣብ ስትሬቸር ተሰኪሞም ክወጽኡ ርእየ፡" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።
"ሓደ መንእሰይ ናባይ መጺኡ ሲኦል ርእየ ኢሉኒ - ፈጺሙ ዘይርስዖም ነገራት። ድሕሪኡ በቃ በረድ ኰይነ።"
ናብቲ ዝነበራ ኣፓርታማ ምስ ተመልሰት፡ "ምሉእ ለይቲ እቲ ኣውያት ይስማዕ ከም ዝነበረ - ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ፡" ክትብል ገሊጻ።
ሓደ መንነቱ ክግለጽ ዘይደለየ ተምሃራይ፡ "ዝተቓጸሉን ዝተጐድኡን ሰባት ናብ ደገ ክጐዩ፡" ምስ ርኣየ ምስ ዓርኩ ናብቲ ባር መጺኡ።
እቲ ተምሃራይ ክሕግዝ ስለ ዝደለየ፡ ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ቤት መግቢ ከም ዝተጓየየን፡ ኣብኡ ድማ እቲ ሓላፊ ንገለ ካብቶም ዝተጐድኡ ኣምቡላንሳት ክሳብ ዝመጽኣ ማይ ክህቦም ከም ዘእተዎምን ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ኵሉ ነገር'ዩ ዘሕምም፤ ገሊኦም የእውዩ ጥራይ ነይሮም፣ ካልእ ኣይነበረን። ገሊኦም ዋላ ሓንቲ ኣይበሉን፡ ኣብ መሬት ጥራይ ተደፊኦም ነይሮም።"
ብሰንኪ እዚ ሓደጋ፡ ብሓሙስ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ናይ ስንባደ ሃዋህው ውዒሉ።
ኣምባሳደር ጣልያን ኣብ ስዊዘርላንድ ኵሎም ግዳያት መንነቶም ንምፍላጥ ሰሙናት ክወስድ ከም ዝኽእል፣ ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ እታ ሃገር እውን ብወገኑ፡ ብሰንኪ እቲ ከቢድ ሓደጋ መንነት ብዙሓት ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ገሊጾም።
ሓደ ኢጣልያዊ ሰብኣይ፡ ሓደ ካብቶም ኣብቲ እዋን ኣብቲ ባር ዝነበሩ ኣዕሩኽቱ "ኵሉ ኣካላቱ ከም ዝተቓጸለ፡" ክዛረብ ከሎ፡ ካልእ ድማ ብሄሊኮፕተር ናብ ዙሪክ ከም ዝተወስደ ይዛረብ።
"ብዛዕባ ካልእ ዓርክና... ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የለን፤ ክርከብ ኣይከኣለን፡" ክብል ንማዕከን ዜና ኢጣልያ ራይ ኒውስ ተዛሪቡ።
"ኣነን ኣዕሩኽተይን፡ ትማሊ ምሸት ኣይደቀስናን፡ መግቢ'ውን ኣይበላዕላን፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።