እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣቈጻጽራ ዘመን ስለምንታይ ተፈላልዩ፤ ቀንዲ ዝበሃሉኸ ኣየኖት እዮም?
ብዙሓት ሃገራት ኣማራጺ ኣቈጻጽራታት ዘመን ወይ ዓውደ-ኣዋርሕ እኳ እንተሃለወን፡ ዳርጋ ኵሉ ሰብ ግን ንጎርጎርዮሳዊ ኣቈጻጽራ ጎኒ ንጐኒ ይጥቀመሉ እዩ።
ኣብ መላእ ዓለም ምስ ታሪኽ፡ ሃይማኖት፡ ፖለቲካን ባህልን ዝተኣሳሰሩ ዝተፈላለዩ ኣቈጻጽራታት ኣለዉ።
ብፍላይ ኣብ እምነት ዝተመርኮሰ ኣቈጻጽራ ብሰፊሑ ብሃገራትን መንግስታትን ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ ረብሓ ይውዕል።
ይዅን እምበር ኣብ ዓለም ጐርጎርዮስያዊ (ኣውሮጳዊ) ኣቈጻጽራ ኣብ ስራሕ ዘይውዕለሉ ከባቢ ዳርጋ የለን።
እዚ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ብሰፊሑ ዝጥቀሙሉ ኣገባብ፡ ምስ ምስፍሕፋሕ መግዛእቲን ቴክኖሎጅን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ተቐባልነት ረኺቡ እዩ።
ኮምፒዩተራትን ሞባይላትን እውን ነዚ ኣቈጻጽራ ኣብ ገዛን ኢድን ነፍሲ ወከፍና ኣእትዮምዎ ኣለዉ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ጎርጎርዮስ ከም ማእከላይ ኣገባብ ኣቈጻጽራ ዘመን ኰይኑ፡ ፈቲና ጸሊእና ንፈልጦ ወይ ንጥቀመሉ።
እተን ናይ ገዛእ ርእሰን ኣቈጻጽራ ዘለወን ሃገራት እውን እንተዀና፡ እዚ ጐርጎርዮሳዊ ዓውደ ኣዋርሕ ጐድኒ ጐድኒ ናይ ገዛእ ርእሰን ዓውደ-ኣዋርሕ ብወግዒ ይጥቀማሉ።
ኣቈጻጽራ ኤውሮጳ ዝለዓለ ተቐባልነትን ረብሓን እኳ እንተሃለዎ፡ ሎሚ'ውን ኣብ ዓለም ብብዝሒ ሰባት ዝጥቀሙሎም ዓበይቲ ስርዓታት ግዜ ኣለዉ።
ካልኦት ዓበይቲ ስርዓታት
እዞም ካብ ኣቈጻጽራ ጐርጎርዮስ ቀጺሎም ብሰፊሑ ዝገልግሉ ኣብ ሃይማኖት ዝተመስረቱ ሜላታት ኣቈጻጽራ ዘመን እዮም።
* እስላማዊ ኣቈጻጽራ፤ እዚ ብቐንዱ ኣብተን ብብዝሒ ኣስላም ተኸተልቲ ዘለወን ሃገራት ዝጥቀሙሉ ኰይኑ፡ ንዑደት ወርሒ ዝኽተል ኣቈጻጽራ ዘመን እዩ።
* ኣቈጻጽራ እብራይስጥ (ሂብሩ)፤ ኣብታ ቀንዲ ማእከል ማሕበረሰብ ኣይሁድ ዝዀነት እስራኤል ንሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ይውዕል።
* ኣቈጻጽራ ቡድሃ፤ ኣብተን ብብዝሒ ሰዓብቲ ቡድሃ ዘለዉወን ሃገራት ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ብሰፊሑ ኣብ የገልግል።
* ኣቈጻጽራ ቻይና፤ ኣብ ዓለም ብብዝሒ ህዝቢ ካልኣይቲ ኣብ ዝዀነት ቻይና፡ ከምኡ'ውን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ቻይናውያን ዝጥቀሙሉ ኰይኑ፡ ብቐንዱ ንባህላዊ ስነ-ስርዓት ዝውዕል እዩ።
ካብዚኦም ብተወሳኺ ዝተፈላለየ ኣቈጻጽራ ዝኽተላ ካልኦት ሃገራት ኣለዋ፡ ኢትዮጵያ ድማ ሓንቲ ካብአን እያ።
በርማ፡ ኢትዮጵያ፡ ጃፓን፡ ባንግላድሽ፡ ኢራን፡ ህንዲ፡ ቡታን፡ ሰሜን ኮርያን ታይዋንን ናይ ገዛእ ርእሰን ዝተፈላለየ ኣቈጻጽራ ዘመን ኣለወን።
ንኣቈጻጽራ ጐርጎርዮስ ሓዊሱ ካልኦቶም'ውን ናይ ገዛእ ርእሶም ስርዓተ ግዜ፡ መእተዊ ሓድሽ ዓመትን ካልእ ፍልልያትን ስለዘለዎ፡ እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልያት ጸቢብ ኣይኰነን።
ጐርጎርዮሳዊ ኣቈጻጽራ
ጐርጎርዮስ (ኣውሮጳዊ) ኣብ ሃይማኖት ዝተመርኮሰ እኳ እንተዀነ ኣብዚ እዋን እዚ ግን ሃይማኖታት ብዘየገድስ ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ተጠቃሚ ዘለዎ ኣቈጻጽራ እዩ።
እዚ ኣቈጻጽራ ኣብ ረብሓ ክውዕል ዝጀመረ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጐርጎርዮስ መበል 13፡ ብ1582 ነቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሐ ናይ ጁልያን ዓውደ ኣዋርሕ ምስ ተክእዎ እዩ።
እዚ ጐርጎርዮሳዊ ኣቈጻጽራ ብቐንዱ ብመግዛእታዊ ምስፍሕፋሕ ኤውሮጳን ንግድን ካልእ ጽልዋታትን ናብ ካልእ ክፋላት ዓለም ክዝርጋሕ ክኢሉ።
ኣብቲ እዋን ሓያላን ዝነበራ ሃገራት ስጳኛ፡ ፖርቱጋል፡ ፈረንሳን ብሪጣንያን እውን ነቲ ዓውደ-ኣዋርሕ ኣብ መግዛእቶም ንኽጥቀሙሉ ብምፍቃድ ኣብ መላእ ዓለም ንኽዝርጋሕ ዕድላት ፈጢሩ።
ካቶሊካውያን ሃገራት ነቲ ሓድሽ ኣቈጻጽራ ቀልጢፈን ክቕበላኦ እንከለዋ፡ ፕሮቴስታንት ዝበዝሑለን ሃገራት ግን ምስ ግዜ ቀስ እናበላ ተቐቢለናኦ።
እዚ ኣቈጻጽራ እዚ፡ ንዑደት ጸሓይ ዝኽተል ምዃኑ ኣብ ልክዕነቱ ዘሎ ቅቡልነት ዝያዳ ተመራጺ ክኸውን ኣኽኢልዎ።