ሞዴል ንምዃን ገንዘብ ዝታለሉ ዘለዉ ሰባት

ጁዲ ንፋሽን ዝተሰኣለቶ ስእሊ
መግለጺ ስእሊ, ጁዲ ኣብ ክልተ ናይ ሓሶት ፎቶሾው ተሳቲፋ፡ ን15 ስእልታት ድማ ብድምር 500 ፓውንድ ከፊላ

ጁዲ ኮርከር ተቐማጢት ማንቸስተር እያ፡ ዕድሚኣ ድማ 79 ዓመት።

ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ሞዴል ንክዀኑ ዝጽውዕ ዕድመ ኣብ መወዓውዒ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክትርእይ እንከላ፡ ጉድኣት ዘለዎ ኣይመሰላን።

የግዳስ ዝያዳ ሰሓቢትን መሳጢት ዘምስላ ኣከዳድና ምልባስ ደስ ዝብልን ንእግረ መንገዲ እውን ቁሩብ ገንዘብ እትረኽበሉን መሲሉ እዩ ተራእይዋ።

"ናይ ዓበይቲ ሞዴላት ሕጽረት ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ፡ ኣነ ድማ ከም መዘናግዒ ነቲ ቅጥዒ ክመልእ ሓሲበ" ትብል።

ጁዲ ኮርከር ግን ሓደ ዘይተረድኣቶ ነገር ነይሩ።

ናብ ሓደ ንዓመታት ዝጸንሐ ናይ ምትላል ሜላ እያ እናኣተወት ነይራ።

ናይ ሓሶት ትካላት ሞዴሊንግ፡ ካብቶም ናብቲ ኢንዱስትሪ ክጽንበሩ ተስፋ ዝቖረጹ መንእሰያት ጥረ ገንዘብ ክወስዱ ጸኒሖም እዮም።

ናይ ሓሶት ፖርትፎሊዮታት ንምድላውን ፈጺሙ ዘይጭበጥ ስራሕቲ ንምቕራብን ብዝብል ኣማኢት ገንዘብ የኸፍሉ።

ኢንዱስትሪ ፋሽን ዝያዳ ኣረጋውያን ሞዴላት ኣብ ዝሓቖፈሉ ዘሎ እዋን ድማ፡ መታለልቲ ሓድሽ ዒላማ ይረኽቡ ኣለዉ - ከም በዓል ጁዲ ዝኣመሰሉ ኣረጋውያን።

ጁዲ ጸሊም ቆቢዕን ጸዓዳን ጸሊምን ክዳን ለቢሳ
መግለጺ ስእሊ, ጁዲ ኣብ ሓደ ናይ ዲዛይን ናይ ሞዴሊንግ ስራሕ ከም ዝተረኸበላ ተነጊርዋ

ጁዲ ነቲ ቅጥዒ ምስ መልአት፡ ኣብ ማንቸስተር ኣብ ዝተኻየደ ፎቶሾው ተዓዲማ።

ናብ ትካላት ሞዴሊንግ ዝለኣኹ ንዝተበሃሉ ሓሙሽተ ፕሮፌሽናል ምስልታት ድማ 200 ፓውንድ ክትከፍል ተሓቲታ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ሓደ ትካል ከዘራርባ ምስ ደወለላ፡ ጁዲ እቲ ዝኸፈለቶ ገንዘብ ፍረ ከምዘፍረየ ኣሚና።

"ቅድሚ ምሟቱ ምስ በዓል ቤተይ ብዙሕ ናይ ዲዛይን ስራሕቲ ከምዝሰራሕኹ ነጊረዮም፡ ስለዚ ነቲ ስርሕ ዝበለጸኩ ኣማራጺ ከምዝዀንኩ ነጊሮምኒ" ትብል ጁዲ።

ነቲ ስራሕ ንምውሓስ ኣብ ለንደን ናብ ዝርከብ ስቱድዮ ከይዳ ክትሰኣል ተነጊርዋ።

"ከምኡ ተኸዳዲነ ኣብ ጎደና ክኸይድ ከለኹ ጽቡቕ ተሰሚዑኒ" ክትብል ትኣምን።

"ብሓቂ ምሉእ ብምሉእ ደስ ኢሉኒ።"

ኣብቲ ፎቶሾው ጁዲ ንዓሰርተ ምስልታት 300 ፓውንድ ከፊላ፡ ድሒራ ድማ ስእልታታ ነቲ ስራሕ ክትረክብ ከምዘኽኣልዋን 1100 ፓውንድ ከምዝኽፈላን ተነጊርዋ።

"ውዕል ሰዲዶምለይ፡ ኩሉ ሕጋዊ ስለ ዝመስል ድማ ፈሪመዮ፡ ኣዝየ ተሓጒሰ።"

ሮላንድ ነዊሕ ጃኬት ለቢሱ
መግለጺ ስእሊ, ሮላንድ ንሓደ ናይ ሓሶት ሞዴሊንግ ስራሕ ልዕሊ 1000 ፓውንድ ከፊሉ

ወዲ 73 ዓመት ሮላንድ ፓርከር እውን ካልእ ግዳይ እዩ።

ብናይ ሰለስተ ሰሙን ፍልልይ ጥራይ፡ ከም ጁዲ ተመሳሳሊ ስራሕ ምስ ተመሳሳሊ ዓሚልን ስቱድዮን ረኺቡ።

"ጽቡቕ ኣታዊ የብለይን፡ ስለዚ እዚ ስራሕ ቁሩብ ገንዘብ ክረክብን ህይወተይ ምቹእ ንምግባር ክሕግዘኒ ይኽእል'ዩ ኢለ ሓሲበ" ይብል።

ኣብቲ ፎቶሾው ንክሳተፍ ደሓር ዝምለስ ዝተበሃለ 200 ፓውንድ ከፊሉ፡ ድሕሪኡ ንኻልኦት ስራሓት ክፍሊታት እውን ፈጺሙ።

ስእሊ ክሰኣል ናብ ሓደ ኣብ ማንቸስተር ዝርከብ ስቱድዮ ምስ ከደ፡ እቶም ሰራሕተኛታት "ብዛዕባ እዚ ዝፈልጥዎ ነገር" ከምዘየለ ገሊጾምሉ።

ሽዑ እዩ ከም ዝተታለለ ተረዲእዎ።

ኣስታት 1000 ፓውንድ ከሲሩ ነይሩ - ናይ ፔይፓል "ኣዕሩኽን ቤተሰብን" ዝብል ኣማራጺ ተጠቒሙ ከፊሉ።

መብዛሕትኡ ግዜ መታለልቲ ገንዘብ ብመንገዲ እቲ "ኣዕሩኽን ቤተሰብን" ዝብል ኣማራጺ ክለኣኸሎም እዮም ዝጠልቡ፡ እዚ ድማ ምስኡ ዝተተሓሓዘ ክፍሊት የብሉን።

ብመንገዲ "ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን" ዝብል ኣማራጺ ናይ ፐይፓል ምጥቃም ዝሓሸ ይኸውን፤ እዚ ውሕስነት ክስመዓናን እንተተሸፊጥና ድማ ፔይፓል ብቑዕ ዝኾነ ክፍሊት ከምዝፈጸምና ኣረጋጊጹ ገንዘብና ክመልሰልና ይኽእል እዩ።

ጁዲ ኣብ መወዳእታ ነቲ ሓቀኛ ወናኒ ስቱድዮ ማንቸስተር ደልያ ረኺባቶ። "ሰባት ብመስመር ትካላት ስራሕቲ ፋሽን ኣቢሎም ስእሊ ክሰኣሉ ናብዚ ክመጹ ይገብር ኣሎ፡ ግን ዓቢ ሸፈጥ'ዩ" ኢሉዋ።

ብተወሳኺ ብፔይፓል ኣቢላ ናይ ተሳትፎ ክፍሊት ከፊላ እያ ግን ነቲ ናይ ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ኣማራጺ ተጠቒማ ዝኸፈለቶ ገንዘብ ተመሊሱላ እዩ። ብተወሳኺ ኣክሽን ፍሮድ ዝተበሃለ ትካል ሓለዋ ምትላል ብዛዕባ እቲ ኩባንያ ሓበሬታ ክረክብ ገይራ ኣላ።

ኣቐዲምኩም ገንዘብ ኣይትኽፈሉ

ኣብ ናሽናል ትሬዲንግ ስታንዳርድስ ዝሰርሕ ማይክ ኣንድሪውስ፡ እዚ መዳይ ምትላል ዝርአ ዘሎ ሓድሽ ሜላ "ብዝተኻእለ መጠን ግዳያት ዝያዳ ንምትላል" ዝዓለመ'ዩ ይብል።

"እቶም መጭበርበርቲ ድሕሪ ሕጂ ንናይ ሓሶት ስእሊ ንምስኣል ዝተወሰነ ኣማኢት ፓውንድ ብምውሳድ ኣይዓገቡን" ክብል ይገልጽ።

"ኣታዊ ዘለዎ ውዕል ክህቡ መብጽዓ ብምእታው ብተደጋጋሚ ይምለሱ እዮም።"

ንገዛእ ርእስኹም ካብ ምትላል ንምሕላው፡

ፈጺምኩም ኣቐዲምኩም ኣይትኽፈሉ። ኣንድሪው ከምዝብሎ፡ ዝዀነ ፍሉጥ ንግዲ ወይ ትካል፡ ተጠቀምቲ ኣቐዲሞም ገንዘብ ክኸፍሉ ኣይሓትትን።

ምስ መን ከም እትራኸቡ ኣረጋግጹ። ብዛዕባ እቲ ትካል ሓበሬታ ድለዩ፣ ነጻ ርእይቶታት ርኢኹም ምስቲ ኣብ ወግዓዊ መርበባት ዘሎ ሓበሬታ ከምዝሰማማዕ ኣረጋግጹ።

ውሑስ ኣገባብ ክፍሊት ተጠቐሙ። ኩሉ ግዜ ንዓዳጊ ውሕስና ዘለዎም ኣገባባት ተጠቐሙ፡ ብባንክ ወይ "ፈተውትን ቤተሰብን" ብዝብል መንገዲ ክፍሊት ኣይትፈጽሙ፡ ከምኡ እንተገይርኩም ገንዘብኩም ክምለስ ኣይክእልን።

ካብ ጸቕጢ ተጠንቀቑ። መብዛሕትኡ ግዜ መታለልቲ ቅልጡፍ ስጉምቲ ንኽትወስዱ እቲ ጉዳይ ህጹጽ ኰይኑ ንኽስማዓኩም ይገብሩ እዮም። ቅኑዕ ትካላት ግን ንክትከፍሉ ፈጺሞም ኣይሃውኽሙን።

ንእትኣምንዎ ሰብ ሕተቱ። ንስኹም ዘይተረኣየኩም ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ክርኣዮም ስለዝኽእል፡ ቅድሚ ምኽፋልኩም ምስ ኣዕሩኽትኩም ወይ ስድራቤትኩም ተዘራረቡ።

ሪፖርት ግበሩ። ዒላማ ተገይርኩም እንተዀይንኩም፡ ጸብጻብካ ንኻልኦት ንምክልኻል ክሕግዝ ስለ ዝኽእል፡ ንዝምልከቶ ኣካል ሓበሬታ ኣብጽሑ።