ብሰንኪ ሓደጋ ሄሊኮፕተር ሚኒስተራት ዩክረይን ሞይቶም

ኣብ ምብራቓዊ ከባቢ ርእሰ ከተማ ዩክረይን - ኪቭ፡ ኣብ ጐድኒ ሓደ መዋእለ ህጻናት ሄሊኮፕተር ብምውዳቓ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዩክረይን ዝርከቦም 16 ሰባት ሞይቶም።

በቲ ሓደጋ ሰለስተ ህጻናት ካብቶም ዝሞቱ ክዀኑ እንከለዉ፡ ሓያለ ካልኦት ድማ ኣብ ሆስፒታል ይሕከሙ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ሰብመዚ ጸኒሖም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ቁጽሪ ግዳያት 16 ምዃኑ ሓቢሮም። ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣቐዲሙ 18 ከምዝሞቱ'ዩ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ወዲ 42 ዓመት ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃር፡ ደኒስ ሞናስተርስኪ ምስ ካልኦት ሸሞንተ ሰባት’ዩ ኣብታ ሄሊኮፕተር ነይሩ።

ቀዳማይ ምክትሉን ዋና ጸሓፊን እውን ኣብታ ኣብ ከባቢ ብሮቫሪ ዝወደቐት ሄሊኮፕተር ከም ዝነበሩን ከምዝሞቱን ሰበስልጣን ዩክረይን ገሊጾም።

በዚ መሰረት ቀዳማይ ጸሓፊ የቭገኒ የኒን፡ ከምኡ’ውን ዋና ጸሓፊ ዩሪ ሉብኮቪች ካብቶም ዝሞቱ እዮም።

ስብርባር እታ ሄሊኮፕተር ኣብ ደገ ሓደ ዝነድድ ዝነበረ ህንጻ ዛሕዛእ ኢሉ ይርአ።

ኣብ ጥቓ እቲ መዋእለ ህጻናት ባርዕ ሓዊ ድሕሪ ምልዓሉ፡ ህጻናትን ሰራሕተኛታትን ካብቲ ህንጻ ከምዝሃደሙ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ጸልማትን ግመ ዝዓብለሎን ኵነታት ኣየር ዝነበረ ኰይኑ፡ እታ ሄሊኮፕተር ኣብ ጥቓ’ቲ መንበሪ ህንጻ ቅድሚ ምውዳቓ፡ ኣቐዲማ ነቲ መዋእለ ህጻናት ከምዝሃረመት ኣቐዲሞም ዝወጽኡ ጸብጻባት የመልክቱ።

ዋና ሓለቓ ፖሊስ ዩክረይን ኢሆር ክሊመንኮ፡ እታ ሄሊኮፕተር ዋንነት ኣገልግሎት ህጹጽ እዋን ዩክረይን ምዃና፡ ኣብ ፈይስቡክ ገጹ ጽሒፉ’ሎ።

* ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ’ዚ ሓደጋ ኣብ ዝተረኽቦ ክግለጽ ስለዝዀነ፡ ኣንበብቲ ክከታተሉ ይኽእሉ።