ኣብ ሓደ መገዲ ኣየር፡ ኣብ በበይኑ እዋን ዝሞቱ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብረርቲ

በዓል ቤት ሓጋዚት ናይታ ብሰንበት ኣብ ኔፓል ዝወደቐት ነፋሪት፡ ቅድሚ 16 ዓመታት ብሓደጋ ነፋሪት እዩ ሞይቱ።

ኣንጁ ካቲዋዳ ሓጋዚት ኣብራሪት ናይታ ብመንገዲ ኣየር የቲ እትውነን ነፋሪት ቍጽሪ በረራ 691 ዝነበረት ኰይና፡ እታ ነፋሪት ኣብ ጥቓ መዕረፊት በጻሕቲ ዝዀነት ከተማ ፖካራ ኣብ ሓደ ሽንጥሮ ድሕሪ ምውዳቓ ኵሎም ተሳፈርቲ ሞይቶም።

እቲ ሓደጋ ኣብ 30 ዓመታት ኣብታ ሃገር ካብ ዝተራእዩ ሓደጋታት እቲ ዝኸፍአ እዩ።

በዓል ቤታ ዲፓክ ፖክረል እውን ሓጋዚ ፓይለት መንገዲ ኣየር የቲ ኣብ ዝነበረሉ እዩ ብተመሳሳሊ ሓደጋ ነፋሪት ሞይቱ። ኣንጁ ሞት ሰብኣያ እዩ ኣብራሪት ክትከውን ደሪኽዋ።

ብሰንኪ ሞት ሰብኣያ ምስ ውላዳ ኣብ ጓሂ ዝነበረት ኣንጁ፡ ሓዘና መተባብዒ ኰይኑዋ።

“ንናታ ሕልምን ሕልሚ ሰብኣያ ንምፍጻምን ውፉይቲ ሰበይቲ ነይራ” ትብል ቤተሰባ ሳንቶሽ ማርያ።

ዲፓክ ኣብ 2006 ሓገዚ ኣብራሪ ናይታ ትዊን ኦተር ፕሮፕ ዝዓይነታ ሩዝን ምግብን ጽዒና ናብ ከተማ ጁምላ እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ነይሩ። እታ ነፋሪት ወዲቓ ብዝተልዓለ ሓዊ ድማ ንዕኡ ሓዊሱ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 9 ኵሎም ሰባት ሞይቶም።

ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ኣንጁ፡ ብዙሓት ጸገማት ተጻዊራ ኣብ ኣሜሪካ ኣብራሪት ንምዃን ትጽዕር ነይራ። ትምህርታ ወዲኣ ምስ በቕዐት ድማ ኣብ መንገዲ ኣየር የቲ ተቘጺራ።

ፈላመይቲ ኣብራሪት ጓለንስተይቲ እቲ መንገዲ ኣየር ዝነበረት ኣንጁ፡ ኣብቲ መገዲ ኣየር ካብ ዝተቘጽራ ሽዱሽተ ኣብረርቲ ሓንቲ ኰይና፡ ኣስታት 6400 ሰዓት ዝሽፍን በረራታት ኣካይዳ እያ።

“በይና በረራታት ዘካየደት ምልእቲ ካፕተይን እያ ነይራ” ዝብል ኣባል እቲ መገዲ ኣየር ሱዳርሻን ባርታውላ “ጅግና ሰበይቲ ነይራ” ክብል ይገልጻ።

ድሕሪ ሞት ሰብኣያ ካልእ ሰብኣይ ተመርዕያ ካልኣይ ቈልዓ ዝወለደት እዛ ኣብራሪት፡ ሞያኣ ምህናጽ ቀጺላ። ንስርሓ እዝያ ትፈትዎ ከምዝነበረት እውን ስድራኣን መቕርባን ይዛረቡ።

ኣካላት እታ ብሓጋዝነት እተብርራ ዝነበረት ነፋሪት፡ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ተዳቒቘም እዮም።

እቲ ብሰንበት ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብታ ኣማኢት ሰባት ብሓደጋ ነፋሪት ዝሞቱላ ኣብ ጐቦታት ሄማልያ እትርከብ ሃገር ዘሎ ድሕነት ስርዓት በረራ ኣዘራራቢ ክኸውን ገይርዎ ኣሎ።

ንብዙሕ ዓመታት እቲ ከባቢ ጐቦታት ዝበዝሕዎ ምዃኑን ተለዋዋጢ ኵነታት ኣየር ምህላውን ከም ምኽንያት ክውሰድ ጸኒሑ እዩ። ኰይኑ ግን ዝኣረጋ ነፈርቲ፡ ልሕሉሕ ቍጽጽርን ጸገማት ክትትልን ተወሰኽቲ ድኽመታት ከምዝዀኑ ዝገልጹ ኣለዉ።

ኣብ ኣፍደገ እቲ ኣብ ፖክራ ዝርከብ ሆስፒታል፡ ሬሳ ኣዝማዶም ንምውሳድ ዝተኣከቡ ሰባት ይረኣዩ።

ቢምሰን ባን፡ ኣብቲ ሓያል ቀዝሒ ዝዓብለሎ ኵነታት ኣየር፡ ናይ መሓዛኡ ሬሳ ክወስድን ናይ መወዳእታ ምፍናው ክግበረላን ብተስፋ ይጽበ።

ጓል 21 ዓመት ኒራ ቻንትያል፡ ዓሚል መገዲ ኣየር የቲ ዝነበረት ደራፊት እያ። መጓዓዝያ ነፈርቲ እታ ሃገር ሕሱር ብምዃኑ ብዙሓት ማእከላይ እቶት ዘለዎም ሰባት ዝመርጽዎ እዩ።

ኣብ ካታማንዱ እትቕመጥ ዝነበረት ኒራ፡ ኣብ ፖካራ ኣብ ዝተዳለወ ምርኢት ሙዚቃ ክትደርፍ እያ ትጓዓዝ ነይራ።

“ኣዝያ ተውህቦ ዝነበራን ሃገረሰባዊ ድርፍታት እትደርፍን ስነ-ጥበባዊት ነይራ” ዝብል ቢምሰን፡ “ነቲ ዘጋጠመ ሓዘን ዝገልጽ ቃላት የብለይን” ክብል ብንብዓት ይዛረብ።