ኔፓል፡ ብሓደጋ ነፋሪት ብውሕዱ 40 ሰባት ምማቶም ተፈሊጡ

ኣብ ማእከላይ ኔፓል 72 ሰባት ኣሳፊራ ትጕዓዝ ዝነበረት ነፋሪት፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ፖካራ ክትዓልብ እንከላ ብዘጋጠማ ጸገም ተሓምሺሻ ብውሕዱ 40 ሰባት ከምዝሞቱ ሰበስልጣን እታ ሃገር ተዛሪቦም።

እታ ዋንነት መገዲ ኣየር የቲ ዝዀነት ነፋሪት፡ ካብ ካትማንዱ ተበጊሳ ናብ ማዕርፎ ነፈርቲ ፖካራ ትጕዓዝ ከምዝነበረት ዝተገለጸ ኰይኑ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ክትዓልብ እንከላ ተባሪዓ ከምዝተሓምሸሸት ተፈሊጡ።

ኣብታ ነፋሪት 10 ወጻእተኛታት ዝርከብዎም 68 ተሳፈርቲ ከምኡ'ውን ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት በረራ ነፋሪት ከምዝነበሩ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ወተሃደራት ኔፓል ኣብ ምድሓን ግዳያት እቲ ሓደጋ ይሳተፉ ኣለዉ።

“ካልኦት ተወሰኽቲ ኣስከሬናት ክንረክብ ትጽቢት ኣሎ” ዝበለ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ኔፓል፡ እታ ነፋሪት ስብርብር ከምዝበለት ንሮይተርስ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኔፓል ፑሽፓ ካማል ዳሃል፡ ንኣባላት ካቢነኡ ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ ኵሎም ትካላት መንግስቲ ኣብ ምድሓን ህይወት ሰባት ክረባረቡ መምርሒ ሂቡ።