'ኲናት ዩክረይን ደው ክብል ኣለዎ’ - ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ ንመራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ‘ኲናት ዩክረይን ደው ክብል ኣለዎ‘ ከም ዝበሎ ተገሊጹ።
ራማፎሳ ነዚ ዝገለጸ፡ ምስ ካልኦት መራሕቲ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓባር ኣብ ዝካየድ ተልእኾ ሰላም፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ምስ ፑቲን ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን’ዩ።
ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብዓርቢ ነቶም ልኡኻት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩስያ መሬት ዩክረይን ተቖፃፂራ እናሃለወት፡ ናብ ዝርርብ ከምዘይኣትዉ ገሊፁ።
ፑቲን ብወገኑ፡ ወትሩ ንዝርርብ ድልውቲ ዘይኰነት ዩክረይን ከምዝዀነት ነቶም መራሕቲ ኣፍሪቃ ሓቢሩ።
ኣብቲ ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ ክልቲኦም ወገናት ምሩኻት ኲናት ክለወዋጡን ብሩስያ ዝተወስዱ ህጻናት ናብ ዓዶም ክምለሱ ከምዘለዎምን ገሊጹ።
ሩስያ ንገለ ግዝኣታት ዩክረይን ኣብ ዝሓዘትሉ እዋን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህጻናት ዩክረይን ካብ ስድራቤቶም ብግዴታ ኣሕዲጋ ብምውሳዳ፡ ፑቲን ብዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበናት ኲናት ተኸሲሱ እዩ።
ልኡኽ ኣፍሪቃ፡ እቶም ህጻናት ናብ ስድራቤቶም ክምለሱ ኣብ ዝፀውዑሉ እዋን፡ ፑቲን ዘረበኦም ኣቋሪጹ፡ ሩስያ ትሕልዎም ከምዘላ ተዛሪቡ።
"ህጻናት ብሩኻት እዮም። ካብቲ ጎንጺ ዝካየደሉ ዞባ ኣውጺእና ህይወቶምን ጥዕንኦምን ኢና ኣድሒንና" ኢሉ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን፡ ኣማኢት ዩክሬናውያን ህጻናት ናብ ሩስያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዝተሰጋገሩ ዘርኢ መርትዖ ከምዘለዎ እዩ ዝገልጽ።
ራማፎሳ ብተወሳኺ ንፑቲን ብዛዕባ ጽልዋታት እቲ ኲናት ኣብ ኣፍሪቃ ኣዘኻኺሩ፤ ብዲፕሎማሲ ክወዳእ ኣለዎ ድማ ኢሉ።
"እቲ ኲናት ንዘልኣለም ክቕጽል ኣይክእልን'ዩ። ኩሎም ውግኣት ክዓርፉን፡ ኣብ ሓደ እዋን ክዛዘሙን ግድን እዩ። እዚ ኲናት ክቋረጽ ከም እንደሊ፡ ግልጺ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ኢና ኣብዚ ዘለና።" ኢሉ።
እቲ ኲናት፡ ካብ ዩክረይን እኽሊ፡ ካብ ሩስያ ድማ መዳበርያ ከይወጽእ ብኸቢድ ዝገደበ ኰይኑ፡ ብፍላይ ንሃገራት ኣፍሪቃ እንትጸፀልው፡ ዓለማዊ ሕጽረት መግቢ ኣጋዲዱ ይርከብ።
ፑቲን ግን፡ ንዓለማዊ ቅልውላው እኽሊ ንምዕራባውያን ይወቅስ።
ብመሰረት እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝምወል ስምምዕ ዝፍቀድ ሰደድ እኽሊ 3 ሚእታዊት ጥራይ ናብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ከምዝኸደ ገሊጹ። .
ሩስያ እገዳ ምዕራባውያን ንናይ ገዛእ ርእሳ ሕርሻዊ ሰደድ ይድርት ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ጥርዓን ኣቕሪባ እያ። ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ "ክሳብ ሕጂ እቲ ዝተመባጽዕናሉ ቃል ስለዘይተፈጸመ፡ እቲ ስምምዕ እኽሊ ዝናወሐሉ ምኽንያት የለን" ኢሉ።
ፑቲን፡ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ እቲ ሩስያ "ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት" ኢላ ትቕጽሎ ዘላ ኲናት ዩክረይን፡ 'ሚዛናዊ መርገጺ ከምዘለዋ ብምግላጽ ንኢዱ።
እዚ ብወከልቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ሰኔጋል፡ ኮንጎ-ብራዛቪል፡ ኮሞሮስ፡ ዛምብያን ዩጋንዳን ዝቖመ ልኡኽ ኣፍሪቃ፡ ተሓሲብሉ ዝተዳለወ ኰይኑ፡ እቶም ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣፍሪቃ ዝመጹ ወከልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኲናት ዝተፈላለየ መርገጺ ዘለዎም እዮም።
ደቡብ ኣፍሪቃን ዩጋንዳን ናብ ሩስያ ዝንባለ ዘለዎን ኰይነን፡ ዛምብያን ኮሞሮስን ድማ ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ይቐርባ። ግብጺ፡ ሰኔጋልን ኮንጎ-ብራዛቪልን ብዓቢኡ ገለልተኛታት ኰይነን'የን ጸኒሐን።
ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ኲናት፡ ብቐንዱ ኣብ መንጎ ሩስያን ምዕራባውያን ሃገራትን ዝካየድ ግጥም ገይረን እየን ዝርደአኦ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







