ግዝኣታዊ ሓድነት ሩስያ ምስዝትንከፍ ኒዩኩለር ክጥቀመሉ ከምዝኾነ ፑቲን ተዛሪቡ

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሩስያ ቀዳማይ ዙርያ ከምዝኾነ ዝተነገረሉ ኣጽዋር ኒዩኩለር ናብ ቤላሩስ ከምዘግዓዘት፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ቭላድሚር ፑቲን ንፈለማ ግዘ ብዕሊ ኣፍሊጡ።

ፑቲን ኣብ ዋዕላ ዓለማዊ ጉባኤ ቁጠባ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ‘ግዝኣታዊ ሓድነትን መንግስታዊ ስርዓትን ሩስያ ምስ ዝትንከፍ ነቲ ኒዩኩለር ክጥቀመሉ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኒዩኩለር ክጥቀም ምዃኑ ዘመላኽት ነገር ከምዘየለ መንግስቲ ኣሜሪካ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ፑቲን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መደረ ምስ ኣስመዐ ሽዑ ንሽዑ ርእይቶ ዝሃበ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ “ሩስያ ኒዩኩለር ንምጥቃም ዘኽእላ ቅድመ ምድላዋት ትገብር ከምዘላ ዘርእዩ ምልክታት ኣይንርእን ዘለና” ኢሉ።

ቤላሩስ ቀንዲ መሓዛ ሩስያ ኰይና ኣብቲ ፕረዚደንት ፑቲን ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት ዝኣወጆ ሙሉእ ኵናት ከም መበገሲ ኰይና ዘገልገለት ሃገር ምዃና ይፍለጥ።

ኒዩኩለር፡ ናብ ቤላሩስ ናይ ምግዓዝ ዕማም ኣብ መወዳእታ እዚ ክረምቲ ክዛዘም ከምዝኾነ’ውን መራሒ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ዝተጋብአ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ቁጠባ ተረኺቡ ንሕቶታት ምላሽ ዝሃበ ፑቲን፡ ቀንዲ ዕላማ ምግዓዝ ኒዩኩለር ናብ ቤላሩስ፡ “ ነቶም ብስልታዊ መገዲ ክስዕሩና ዝሓስቡ ኣካላት መዘኻኸሪ’ዩ” ኢሉ።

ኣማእኻሊ ናይቲ ዋዕላ ‘ሩስያ ነቶም ኣጽዋራት ኒኩሌር ክትጥቀመሎም ዘኽእል ኩነታት’ሎ ዶ?’ ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ፕረዚደንት ፑቲን “ስለምንታይ ንምሉእ ዓለም ኣብ ስግኣት ነእትዎ? ግን ድማ ስርዓተ መንግስቲ ሩስያ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት እንተተፈጢሩ ናይ ምጥቃም ተኽእሎ ከምዘሎ ብግልጺ ተዛሪበ’የ” ኢሉ መሊስሉ።

ፕረዚደንት ፑቲን ነቶም ኣብ መንጐ ሃገራት ሩስያን ዩክረይንን ሰላም ክዓስል ዝጽዕሩ ዘለዉ መራሕሪ ሃገራት ኣፍሪቃ ሎሚ ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ክረኽቦም ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ኪየቭ ዑደት ይገብሩ ኣብ ዝነበርሉ ግዘ፡ እታ ከተማ ብናይ ሩስያ ሚሳይል ከምዝተጠቕዐት ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎሳ፡ ክልተኤን ሃገራት ነቲ ኵናት ኣዘሓሒለን ናብ ሰለማዊ ዘተ ክኣትዋ ጸዊዑ። ፕረዚደንት ዘለንስኪ ብግዲኡ፡ ሃገሩ ብሩስያ ተወሪራ እንከላ ናብ ሰለማዊ ዘተ ከም ዘየምርሕ ገሊጹ።