ኲናት ዩክረይን፡ 7 መራሕቲ ኣፍሪቃ ዕርቂ ንምፍጣር ኪቭ ኣትዮም

መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ኪቭ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሸውዓተ መራሕቲ ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ናብ ርእሰከተማ ኪቭ ኣትዮም።

እቲ ጉጅለ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፖዛ፡ እዋናዊ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነ ፕረዚደንት ደሴታት ኮሞሮስ ዓሊ ዑስማኒ፡ ፕረዚደንት ሰነጋል ማኪ ሳል፡ ፕረዚደንት ዛምቢያ ሃካይንደ ሂቺለማ ዝሓቖፈ'ዩ።

ላዕለዎት ወከልቲ ግብጺ፡ ዩጋንዳ፡ ሪፓብሊክ ኮንጎን እውን ምስቲ ጉጅለ ተጓዒዞም ኣለዉ።

እቶም መራሕቲ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ድሕሪ ምዝርራቦም፡ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንምርኻብ ጽባሕ ናብ ከተማ ፒተርስበርግ ከምርሑ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን፡ ሩስያ እቶም መራሕቲ ኣፍሪቃ ናብ ኪቭ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ደብዳብ ምክያዳ "ተወሳኺ ኲናት" ከምእትደሊ ዘርኢ'ዩ ክብል ተዛሪቡ።

ጻዕርታት ሃገራት ኣፍሪቃ ንሰላም፡ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ለዕሊ ሓይልታት ሩስያ ጸረ-መጥቃዕቲ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን'ዩ ዝውሰድ ዘሎ።

እቶም መራሕቲ፡ ንከተማ ኪቭ ካብ ሚሳይላት ሩስያ ንምክልኻል ንዝግበር ንጥፈታት ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።

እቲ ተበግሶ፡ ብሓደ 'ብራዛቪል ፋውንዴሽን' ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ዝተሳለጠ እዩ።

እቲ ማሕበር ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንዝፍጠር ግጭታት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ዝጽዕር ኮይኑ፡ ኣብ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ ጅሆ ዝተታሕዙ ወገናት ኣብ ምልቃቕ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምምቕራሕ ስልጣን ንኽግበር ግደ ዝነበሮ'ዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ሚኒስተራት ምክልኻል ናይተን ንዩክረይን ወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣብ ምቕራብ ዓቢ ግደ ዝጻወታ ዘለዋ ሃገራት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ኔቶ፡ ብወገኖም ሎሚ ኣብ ርእሰከተማ ብራስለስ ኣኼባ የካይዱ ኣለዉ።

ብሰንኪ ቱርኪ ዘቕረበቶ ዕቃበታት፡ እቶም ሚኒስተራት ንዞባዊ ናይ ምክልኻል ውጥን ኔቶ ክሰማምዕሉ ከምዘይክኣሉ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ክጸድቕ ተስፋ ከምዘለዎም ሓደ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ብዓልስልጣን ንሮይተርስ ሓቢሩ።

ብመሰረት ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣስታት 25,000 ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ዩክረይን ሞይቶም ኣለዉ። እዚ ድማ ኣርባዕተ ዕጽፊ ናይቲ ሩስያ ብወግዒ ዝተኣመነትሉ ቁጽሪ'ዩ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዋዕላ ቁጠባ ፒተርስበርግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንሩስያ ንምንጻል ዝገበርኦ ጸቕጥታት ከምዝፈሸለ ተዛሪቡ።

ዩክረይን ወተሃደራዊ ኣጽዋር ምውድኣ ከምዘይተርፋ ዝገለጸ ፑቲን እቲ ኲናት "ካብ ውትህደርና ናጻ" ዝኾነት ሃገር ከምዝገበራ መጒቱ።

ሰራዊት ዩክረይን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወሰዶ ጸረ-መጥቃዕቲ ከምቲዝተሓስበ ከምዘይትዓወተ'ውን ፑቲን ተዛሪቡ።

ተበግሶ መራሕቲ ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ጸጥታዊ ብድሆ ኮይኑ ዘሎን፡ ከቢድ ቁጠባዊ ሳዕቤን ዘኸተለን ኲናት ዩክረይን ንምፍታሕ ክዕወት ዘለዎ ተኽእሎ የዘራርብ ኣሎ።