ጭዋዳታት ናብ ኣዕጽምቲ ዝቕይር ሕማም

ኣሌክስ ሮቢንስ ጥንሳ ንቡር ከምዝነበረ ትገልጽ

ምንጪ ስእሊ, LULU GREEN/LITTLE MOON PHOTOGRAPHY

ኣሌክስ ሮቢንስ ንጓላ ክትሓርስ እንከላ ይዅን ነፍሰጾር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝስምዓ ዝተፈልየ ነገር ኣይነበረን።

ንሳን ሰብኣያ ዴቪድን ውላዶም ሓቝፎም ናብ ገዛኦም ምስተመልሱ ግን፡ ዓባይ ኣጻብዕቲ እግሪ 'ታ ውላዶም ንውሽጢ ተዓጺፋ ርእዮም።

"ዝዀነ ሓኪም ምእንቲ ክርእያ ተጓዪና ናብቲ ክፍሊ ሕርሲ ወሲድናያ፡" ትብል ኣሌክሲ።

"ዝተወሰነ ስእሊ ምስ ወሰዱ ዓንኬል ምዃኑ ነጊሮሙና፤ ኣነ ግን ኣይኣመንኩን" ክትብል ነቲ ውጽኢት ትገልጽ።

ንኣዋርሕ መርመራ ምስ ተገብረላ፡ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓባይ ዓባይቶኣ ዝነበረ ዓንቃሪቦን ላዕለዋይ ክፋል ኣዕጽምታን ከም ዝጠፍአን ዓባይ ዓባይቶኣ ከም ዝተጣበቐን" ገሊጻ።

ኣብ መወዳእታ ናይ ገዛእ ርእሳ መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ፡ ጓላ ፋይብሮዲስፕላዝያ ኦሲፊካንስ ፕሮግረሲቫ (FOP) ዝበሃል ሕማም ከም ዝሓመመት ተረዲኣ። እዚ ንጭዋዳታት ናብ ኣዕጽምቲ ዝቕይር ሕማም እዩ።

ኣብ ሰነ 2021 መርመራ ጂን ምስ ተገብረ፡ ጓሎም ሌክሲ ናይ ሓቂ ሕማም ፋይብሮዲስፕላዝያ ኦሲፊካንስ ፕሮግረሲቫ ከም ዘለዋ ተረጋጊጹ። ሚስስ ሮቢንስ ነቲ ውጽኢት ክትቅበሎ ከቢድዋ።

"ብቐጻሊ ምስ ነብሰይ ይበኣስ ነይረ። ክቕበሎ ኣይከኣልኩን" ትብል።

ኣሌክስ ብዛዕባ'ዚ ዅነታት እዚ፡ "ኣብ መላእ ዓለም ደረት ዘለዎ ምርምር" ከም ዘሎን ኣብ ብሪጣንያ ምርምር ዝገብር እንኮ ትካል ኣብ ኦክስፎርድ ከም ዝርከብ ትፈልጥ።

ንሳ፡ መንግስቲ ብዛዕባ እዚ ዅነታት ምርምር ከምዝገብር'ኳ እንተ ተመባጽዐ፡ ክሳብ ሕጂ ዝተቐየረ ነገር ከምዘየለ ትገልጽ።

ሚኒስተር ጥዕና ማሪያ ኮልፊልድ ክሳብ 2027 (ኣ.ኣ.) 22 ቢልዮን ፓውንድ ሳሕቲ ንዝረኣዩ ፍሉያት ሕማማት ከምዝተወፈየ ገሊጻ።

ሌክሲ ብእግራ ኽትከይድ ስለዝጀመረት፡ ወለዳ ኣብ ጭንቀት ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, ALEX ROBINS

ብዛዕባ ንጭዋዳታት ናብ ኣዕጽምቲ ዝቕይር ሕማም እንታይ ንፈልጥ?

  • እዚ ሕማም ፋይብሮዲስፕላዝያ ኦሲፊካንስ ፕሮግረሲቫ (FOP) ይበሃል።
  • ኣብ መበል 18 ዘመን ንፈለማ እዋን ዝተፈልጠን ሳሕቲ ዘጋጥም ምስ ኣካሊት ዝተሓሓዝ ንጭዋዳታት ናብ ኣዕጽምቲ ዝቕይር ሕማም እዩ።
  • ኣብ መላእ ዓለም 900 ዝዀኑ ዝተፈልጡ ሕሙማት ኣለዉ። ክሳብ 4,000 ዝዀኑ ድማ እዚ ሕማም ከም ዘለዎም ይግመት።
ኣሌክስ፡ ዴቪድ፡ ሌክሲን ከምኡ'ውን ሮኒ ብሓባር ግዜ ብምሕላፍ የሐጕሶም እዩ

ምንጪ ስእሊ, ALEX ROBINS

"እቲ 'ፈተውቲ FOP' ግብረሰናይ ትካል፡ ነቲ ቤተ ምርምር ንምዕቃብን ነቲ ሕማም ፈውሲ ንምርካብን ኣብ ዓመት ኣስታት 200,000 ፓውንድ ምእካብ ከምዘድልዮ ተነጊሩኒ።

"ውሉድካ FOP ኣለዎ ጥራይ ዘይኰነስ ፈውሲ ንምርካብ ገንዘብ ከተዋህልል ኣለካ - ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ፡ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን፡" ትብል ኣሌክስ።

ብዛዕባ እቲ ዅነታት ግንዛበ ንምፍጣር ኣብ ውሽጢ ዓመት 170,000 ፓውንድ ዝኣከበት እታ ስድራቤት፡ ኣብቶም ሳሕቲ ዘጋጥሙ ሕማማት መጽናዕቲ ንኽካየድ ድማ ጥርዓን ኣቕሪባ’ላ።

ክሳብ ሕጂ ግን ካብ መንግስቲ ዝተገብረ ገንዘባዊ ሓገዝ የለን።

ንወለዲ ሌክሲ ግን እታ ቐንዲ ኣገዳሲ ነገር ድሕነትን ጥዕናን ጓሎም እዩ።

ስድራ ቤቶም፡ ኣብ ገዛ ብዛዕባ'ቲ ሕማም ስለዘየልዕሉ ንወዲ ኣርባዕተ ዓመት ሮኒ ኣይጸለዎን

ምንጪ ስእሊ, ALEX ROBINS

ስድራ ቤት ሌክሲ፡ ገዛኦም ሸይጦም ተሪር ኵርናዓት ዘይብሉን ልስሉስ/ምቹእ ኣቝሑ ዘለዎን ገዛ ከስርሑ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ኣሌክስ፡ እዚ "ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ትሕቲ ክንክንና፡ ንጽፈትን ስፍሓትን ህይወታ ንምሕጋዝ" ከምዝኾነ ትገልጽ።

"ንናይ ምሕዋይ ተስፋ ክንቃለስ ኣለና። እዚ ኣዝዩ ከቢድ'ኳ እንተ ዀነ፡ ንደቅኻ ግን ዘይትገብሮ ነገር የለን" ኢላ።

ንመንግስቲ ብዝምልከት "መዓስ ኢኹም ሓላፍነት ክትወስዱ?" ክትብል ትሓትት።

"ነቲ ገንዘብ ኣኪብና፡ ክታም ኣዋህሊልና እውን ዋላ ሓንቲ ኣይተገብረን። ፈውሲ ንምርካብ ዝሰርሕ ጕጅለ ምርምርን FOP ዝሓመሙ ትኣሊ ውፍይቲ ነርስን ክትምደብ ድልየት ኣለና።

"ሕጂ ስጕምቲ ክውሰድ ኢና ንደሊ። እቲ ፈሰስ ኣብ ዝድንጕየሉ፡ ከም ሌክሲ ዝኣመሰሉ ሰባት እናተጐድኡ እዮም ዝኸዱ።"

ስድራ ቤት ሮቢንስ ዝያዳ ገንዘብ ንምምእራር ኣብ ዝገበር ቃልሲ ድጋፍ ረኺቦም እዮም

ምንጪ ስእሊ, MIKE PENNING

ሚኒስተር ጥዕና ማሪያ ኮልፊልድ፡ "ከም FOP ምስ ዝኣመሰሉ ሳሕቲ ዘጋጥሙ ሕማማት ዝነብሩ ሰባት፡ ከቢድ ብድሆ ከም ዘምጽኣሎም እፈልጥ እየ። ከም ሌክሲን ስድራቤታን ዝኣመሰሉ ወፈራ ዘካይዱ ሰባት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ኵነታት ኣቓልቦ ክረክብ ስለዝገበሩ ከመስግኖም እደሊ፡" ኢላ።

"ብዛዕባ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማማት ዘለና ግንዛበ፡ ብቐጻሊ ከነመሓይሽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝዀነ እዩ፡ ክሳብ 2027 ኣብ ምርምር ዝውዕል ሓፈሻዊ ወጻኢታት ናብ 22 ቢልዮን ፓውንድ ከነዛይዶ መዲብና ኣለና።"

ኣስዒባ፡ ብሃገራዊ ትካል ምርምር ጥዕናን ክንክንን ኣቢልካ ምርምር ንምግባር ዘድሊ ገንዘብ ከም ዝርከብ ሓቢራ።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ነቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማማት ንምልላይን ንምርዳእን ዝሕግዝ መራኸቢ ምሁራትን ክኢላታት ክሊኒክን ዝዀነ ሃገራዊ ትካል ምርምር ጥዕናን ክንክንን 'ባዮሪሶርስ' 40 ሚልዮን ፓውንድ መዊሉ እዩ።