እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሞት ኣብ ዝተቓረበሉ መወዳእታ ህሞት ሰባት እንታይ ይስምዖም?
ልክዕ ከም ሕርሲ፡ ሞት’ውን ደረጃታት ምዕባለን ዘለዎ ኣካላዊ መስርሕ እዩ፤ ፍጥነት ናይቲ መስርሕ’ውን ከምኡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ይኽእል።
ሓደ ሓደ ግዜ ምማት (ወይ’ውን ሕርሲ) ብዝተኻእለ መጠን ውሑስን ምቹእን ንምግባር ሕክምናዊ ደገፍ የድሊ’ዩ።
ብዙሓት ሰባት ሞቶም ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ኣብ ምብላዕን ምስታይን ተገዳስነት ይስእኑ።
እዚ ንቡር እዩ፣ መግቢ ንምምሕዳሩ ኣዝዩ ብዙሕ ምስ ዝኸውን ዳርጋ ብማንካ ዝብላዕ ንእሽቶ መግቢ ቅቡል ክኸውን ይኽእል።
ናብ ሞት ዝቐረቡ ሰባት ብቐጻሊ ጸዓት ይጐድሎም። ብዙሓት ካባና ብሰንኪ ሕማም ዝመጽእ ዓሚቝ ድኻም ኣጋጢሙና ይፈልጥ’ዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ጸዓትና ክምለስ ዝገብር ድቃስ እዩ፤ ድቃስ ኣካል ሕውየት’ውን ክኸውን ይኽእል።
ይዅን’ምበር ህይወትና ናብ መወዳእታ ገጻ ክትጽጋዕ እንከላ፡ ጽልዋ ድቃስ በብቕሩብ እናነከየ’ዩ ዝኸይድ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን፡ ሓደ ሰብ ንቝሕ ኰይኑ ዘሕልፎ ግዜ እናወሓደ ይኸይድ።
እቲ ድቃስ ዝመስል ነገር በብቕሩብ ናብ ካልእ ይቕየር፤ ንዝያዳ ሰዓታት ሃለዋትካ ዘይምፍላጥ ይኸውን።
ሰባት ካብዚ ክበራበሩ እንከለዉ፡ ሃለዋቶም ዘይምፍላጦም ከየስተብሃሉ ብሰላም ከምዝደቀሱ ይሕብሩ።
እቲ ዝመውት ሰብ ዝዀነ ምልክታት ሕማም ንኸይርእይ ስሩዕ መድሃኒታት ዝወስድ እንተዀይኑ፡ እቶም መድሃኒታት ናብ ከይተበራበረ ክወስዶም ዝኽእል ክቕየሩ ኣለዎም። እዚኦም ኣብ ቆርበት ዝግበሩ፡ ብመርፍእ ዝውግኡ፡ ወይ ብመሃንቱስ ዝውሰዱ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።
መብዛሕትኡ ግዜ ሃለዋትካ ዘይምፍላጥ ብሰንኪ’ቶም መድሃኒታት ዘይኰነስ፡ በቲ መስርሕ ምማት ባዕሉ ከምዝመጽእ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ ይብሉ ክኢላታት።
ኣብ መወዳእታ ህሞት እንታይ ይፍጠር?
ሞት እናቐረበ ክኸይድ እንከሎ፡ ህርመት ልቢን ጸቕጢ ደምን ይንኪ። ቆርበት ይዝሕል፡ ጽፍሪ ድማ እናጸለመ ይኸይድ።
ጸቕጢ ደም እናነከየ ምስ ከደ ውሽጣዊ ኣካላት ውሑድ ክሰርሑ ይጅምሩ። ዕረፍቲ ናይ ዘይምህላው እዋናት ወይ ናይ ምድንጋር ህሞታት ከጋጥም ይኽእል እዩ፤ ወይ ድማ በብቕሩብ እናዓሞቐ ዝኸይድ ሕልና ኣልቦነት ክህሉ ይኽእል።
ሰባት ኣብ እዋን ሞት እንታይ ከምዘጋጥሞም ንምምርማር ዝተረጋገጸ መንገዲ የለን።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ ግን፡ ዋላ’ውን ናብ ሞት ዝቐረበ፡ እቲ ሕልና ዘይብሉ ሓንጎል ኣብ ከባቢኡ ንዝፍጠር ድምጺ ምላሽ ይህብ’ዩ።
ሙዚቃ ይዅን ካልኦት ድምጽታት ነቲ ዝመውት ዘሎ ሰብ ክሳብ ክንደይ ትርጕም ከምዝህልዎም ግን ኣይንፈልጥን።
ሃለዋቶም ዘይፈልጡ ሰባት ዘለዎም ምፍላጥ፡ በቲ ኣብ ጕንዲ ሓንጐል ዝርከብ ማእከል ስርዓተ ምስትንፋስ ዝፍጠር ኣውቶማቲክ ቅዲ’ዩ ዝኽተል።
ኣፎምን ጎረሮኦምን ስለዘይፈልጡ፡ ምስትንፋሶም ከቢድ፡ ዓው ዝበለ ወይ’ውን ኣብ ጎረሮኦም ብዝርከብ ጥፍጣፍ ክኸውንን ግን ከኣ ብዘይ ርኡይ ጭንቀት ከስተንፍሱን ይኽእሉ’ዮም።
ምትንፋስ ካብ ዓሚቝ ናብ ዘይዓሚቝ፡ ካብ ቅልጡፍ ናብ ቀስ ዝበለን ተደጋጋሚ ዑደታት ይቕየር።
ኣብ መወዳእታ ድማ ምትንፋስ ይዝሕትልን ኣዝዩ ዓሚቝ ይኸውንን፤ ምቍርራጽ የጋጥም። ኣብ መወዳእታ ድማ የቋርጽ።
ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ፡ ልቢ ኦክስጅን ስለ እትውድእ ህርመት ተቋርጽ።
ቅዲ ተራ ሞት ምፍላጥን ደረጃታቱ ምልላይን፡ ሰባት እንታይ ይዕዘብዎ ከምዘለዉ ንኽርድኡ ይሕግዞም’ዩ።
ፍርሒ ዘይተጸበይዎም ጸገማት ንኽንኪን ምልክታት ተረዲኦም፤ ሕክምናዊ ክንክን ዘድሊ እንተዀይኑ ሓገዝ ንምሕታት ርእሰ ተኣማንነት ንክህልዎምን የተባብዕ። ብተወሳኺ እቲ መስርሕ 'ውሑስ' ንክኸውን ይሕግዝ።