ብብዝሒ ኣብ ቡን እንረኽቦ 'ካፌይን' እንተወሲድና እንታይ ንኸውን?

ብዙሓት ሰባት፡ ንጕሆ ትስእ ኢሎም ካብ ዘዘውትሩዎም ነገራት ቡን ወይ ሻሂ ከምኡ’ውን ልስሉሳት መስተታት ምውሳድ ከም ዝዀኑ ይፍለጥ።

እዚኦም፡ ንሰብነትና ከነቓቕሕ ዝኽእል 'ካፌይን' ዝተባህለ ባእታ ዘለዎም እዮም።

ኣብ ገሊኦም መስተታት ዘሎ ትሕዝቶ ካፌይን ትሑት ክኸውን እንከሎ፡ ገሊኦም ግን ኣዝዩ ዝለዓለ መጠን ክህልዎም ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ኣብ ቀረባ፡ ኣብ ኣመሪካ ሓደ ጽሟቕ ለሚን ልዕሊ እቲ ኣባጽሕ መዓልታዊ ክወስዱዎ ዝግባእ መጠን ዝዀነ ሓደገኛ ትሕዝቶ 'ካፌይን' ተረኺቡዎ ብዝብል ሓያሎ ክትዓት ተላዒሎም ቀንዮም።

እዚ ድማ፡ ክንደይ ዝኣክል መጠን ካፌይን’ዩ ኣዝዩ ዝለዓለ ዝብሃል? ካበይ ንረኽቦ ዝብል’ከ የገድስ ድዩ? ዝብል ዓበይቲ ሕቶታት ክለዓሉ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

ዋላ’ውን፡ 'ካፌይን' ዘለዎም መስተታት ጥዕናዊ ረብሓ ከም ዘለዎም ዝገልጹ ብርክት ዝሀሉ ሳይንሳዊ መጽናዕቲታት እንተሃለው፡ መጠን ሓደ ሰብ ክወስዶ ዝግባእ ካፌይን ክንደይ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ግን ቀጻሊ ክትዓት ኣለው።

ሰብነትና ወትሩ፡ ከም ህርመት ልቢ፡ ዝውውር ደምን ዑደት ድቃስን ምንቃሕን ዝበሉ ብዙሓት ኣገዳሲ ዕማማት ክካየደሉ’ዩ ዝውዕል።

ብዙሓት ካብዚኦም ‘ኣዴኖሲን’ ብዝተባህለ ሰብነትና ብዘመንጭዮ ተፈጥሮኣዊ ኬሚካል ዝጽለው ኰይኖም፡ ብቐንዱ ናይ ድኻም ስምዒት ክህልወና ይገብር።

“ኣዴኖሲን ሓደ ካብቶም ኣብ ኣካላትና ብተፈጥሮ ዝፍጠሩ ንጥረ ነገራት ኰይኑ፡ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ኣካላት ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ወይ ምጉዳል ጠለብ ጸዓት ዘድልዮም ንጥፈታት ክኣትው እንከለው ደው ከንብል ይገብር” ይብል ኣብ ኣመሪካ ሃገራዊ ትካል ሕማም ሽኮር፣ ምሕቓቕ መግብን ሕማማት ኩሊትን ሓላፊ ክፍሊ ሞለኪዩላዊ ኣፍልጦ ዝዀነ ኬነት ጃኮብሰን።

ኣዴኖሳይን ዝቕበሉ ኣብ ግዳማዊ ገጽ ብዙሓት ዋህዮታት ከም ዝርከቡን፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዋህዮ ንዝርከብ ተለዋዋጢ ደረጃ ኣዴኖሳይን ምላሽ ብምሃብ ኣብ ውሽጢ እቲ ዋህዮ ትእዛዝ ብምልኣኽ ደረጃ ንጥፈታት ከም ዘጉድል የረድእ።

እዚ ድማ ኣብ ልቢ፡ ኩሊት፡ ስርዓተ ምክልኻል ሕማምን ካልኦት ቲሹታትን ድቃስ የደንፍዕ።

ካፌይን ክንወስድ እንከለና ድማ፡ ቀልጢፉ ናብ ደምና ይኣቱ፤ ኣብኡ ምስ ኣዴኖሲን ይራጸምን ስርሑ ብኣግባቡ ንከይሰርሕ ይከላኸሎን።

ነዚ እዩ ድማ ካፌይን ክንወስድ እንከለና ዝያዳ ንቑሓት እንኸውንን ድቃስ እንስእንን።

ብተወሳኺ፡ ካፌይን ደረጃ ከም ዶፓማይንን ኣድሪናሊንን ዝበሉ ነገራት ከዕቢ ይኽእል እዩ።

እዚ ድማ ዝያዳ ክትበራበር ክገብር ይኽእል እዩ ክብል ኣብ ብሪጣኒያ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝ ዌልስ ክኢላ ስነ-ልቦና ዝዀነ ዴሚያን ቤይሊ ይዛረብ።

“ሓንጐልና ልክዕ ከም ሓደ ዓብዪ ጭዋዳ እዩ፤ ነገራት ክዓምም ይደሊ፤ ዶፓሚን፡ ኣድሪናሊንን ካፌይንን ድማ ኵሎም የነቓቕሕዎ”።

ጥዕናዊ ረብሓታት ካፌይን

ካፌይን፡ ንጥዕናና ጸላዊ ምዃኑ ዘረድኡ ብርክት ዝበሉ መትርዖታት ኣለው-ብፍላይ ቡን።

እዚ ድማ፡ ቡን ሓደ ካብቶም ልዑል ኣበርክቶ ካፌይን ዘለዎን ብዙሓት ሰባት ዝጥቀሙዎም ብምዃኑ’ዩ።

ኣብ 2017 ዓ.ም (ኣ.ኤ) ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣብ መዓልቲ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ኩባያ ቡን ምስታይ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ጉድኣት ዘይኰነስ ምስ ጥዕናዊ ረብሓታት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ።

እቲ መጽናዕቲ፡ እቲ ጉድኣት ብዝለዓለ ብዘትክኹ ሰተይቲ ቡን ክግለጽ ከም ዝኽእል ድማ ሓቢሩ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ሓደ ካብቶም ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ዝለዓሉ ጥዕና ልቢ’ዩ።

ሓደ ልዕሊ 19 ሽሕ ሰባት ዝተሳተፍሉ መጽናዕቲ፡ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ክልተ ኩባያ ቡን ምስታይ ኣብቶም ድሮ ልዑል ጸቕጢ ደም ዘለዎም ሰባት ብሕማም ልቢ ናይ ምሟት ተኽእሎኦም ዝለዓለ ክኸውን ከም ዝገብሮ ኣመልኪቱ ነይሩ።

እዚ፡ ኣብቶም ምዕሩይ ጸቕጢ ደም ዘለዎም ሰባት ግን ጽልዋ ከም ዘይብሉ ይገልጽ።

ማእኸላይ ኣጠቓቕማ ቡን ምስ ዝህሉ ግን ሓደጋ ሞት፡ ልዑል ጸቕጢ ደምን ሕማም ልብን ክንኪ ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ካልኦት መጽናዕቲታት ድማ፡ ጽልዋ ቡን ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንገብር ኣብ ዝብል እውን ክምርኰስ ከም ዝኽእል ይጠቕሱ።

ሓደ ኣብ ታሕተዋይ ዲቪዥን ብሽክለታ ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ቡን ኣካላዊ ብቕዓት ክሳብ 1.7% ከማሓይሽ ከም ዝኽእል ኣረጋጊጹ።

ካፌይን ምስ ምንካይ ሓደጋ ሓያሎ ዓይነታት መንሽሮ፡ ሕማም ልብን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርን እውን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተገሊጹ።

ቡን - ሻሂ ግን ኣይኰነን - ብቐጻሊ ካብ ጭንቀት ከም ዝከላኸል ዝገልጹ መጽናዕቲታት’ውን ኣለው።

ካፌይን ሓዊሱ ንተቐበልቲ ኣዴኖሳይን ዝዓግቱ ተጻረርቲ ኣዴኖሳይን ንዝደክም ዘሎ ሓንጎል ጠቐምቲ ምዃኖም'ውን መርትዖታት ኣሎ ይብል ጃኮብሰን።

“ካፌይን ከምኡ'ውን ካልኦት ዝያዳ ሓያላት ሞለኪዩላት፡ ክሊኒካዊ መጽናዕቲ ተገይሩሎም'ዩ፤ እዚኦም ንሕማም ረስዒ (ኣልዛይመር) ሓዊሱ ስነ-ኣእምሮኣዊ ምንቁልቋል ዘምጽኡ ሕማማት ዘለዎም ደቂ ሰባት ጠቓሚ ምዃኑ ተረጋጊጹ'ዩ” ይብል።

ካፌይን፡ ኣስታት 60 ሚኢታዊት ሓደጋ ምምዕባል ሕማም ረስዒ ከም ዘጉድል ሓደ መጽናዕቲ ይሕብር።

እዚ ድማ፡ ካፌይን ናብ ሓንጎል ዝህሉ ዋሐዚ ደም ዘመሓይሽ ምዃኑ’ዩ ዝብል’ዩ ክብል ቤይሊ የረድእ።

መዓዝ'ዩ 'ካፌይን' ዘይምከር?

ሓንጎልና፡ ካብ ጠቕላላ ክብደት ኣካላትና ኣስታት ክልተ ሚኢታዊት ጥራይ ዝምዘን እኳ እንተዀነ፡ ኣዝዩ ዝለዓለ ጸዓት ከም ዝጥቀም ይገልጽ።

እዚ ድማ፡ ልዕሊ ርብዒ ካብ ምሉእ ጸዓት ኣካላትና ይሕዝ።

“ካፌይን ዋሕዚ ደም ናብ ሓንጎል ናይ ምውሳኽ ዓቕሙ ጽቡቕ ነገር'ኳ እንተዀነ፡ እዚ ግን ሕማም ርእሲ'ውን ከስዕብ ይኽእል'ዩ፡ ስለዚ ካፌይን ብሕማም ማይግሬን ንዝሳቐዩ ሰባት ሓደጋ'ዩ” ይብል።

ስለዚ፡ ገለ ጥዕናዊ ረብሓታት ቡን ምስ መጠን እቲ ካፌይን ዝተሓሓዙ ዘይምዃኖም ምግንዛብ ኣገዳሲ’ዩ።

ንኣብነት ክሎሮጀኒክ ኣሲድ ዝተባህለ ባእታ ብድሕሪ ገለ ጥዕናዊ ረብሓታት ቡን ዘሎ (ብቐንዱ ሕማም ሽኮር) ክኸውን ከም ዝኽእል ኮርነሊስ ይዛረብ።

ካፌይን ኣብ ከም ጸሊምን ሓምለዋይን ሻሂ ብመጠኑ ይርከብ’ዩ።

ሓይሊ ወሃብቲ ዝዀኑ መስተታት’ውን ትሕዝቶ ካፌይን ዘለዎም ክዀኑ እንከለው፡ ኣብ ኣመሪካን ብሪጣኒያን ካብ 75 ክሳብ 160 ሚሊ ግራም ካፌይን ገሊኦም ድማ ክሳብ 500 ሚሊ ግራም ዝበጽሕ ካፌይን ከም ዘለዎም ይግለጽ።

ሃገራዊ መምርሒታት ኣመሪካን ብሪጣኒያን፡ ሓንቲ ነፍሰጾር ኣብ መዓልቲ እትወስዶ መጠን ካፌይን 200 ሚሊ ግራም ጥራይ ክኸውን ከም ዘለዎ የገንዝቡ።

ይኹን’ምበር፡ ካብ 37 መጽናዕቲታት እቶም 32 ካፌይን ኣብ ልዕሊ ነፍሰጾር ሽኮር ጥንሲ ወይ ኣብ እዋን ጥንሲ ዝኽሰት ልዑል ጸቕጢ ደም ናይ ምፍጣር ሓደጋ ከም ዘለዎ ገሊጾም።

መጠን ካፌይን ካብ 100 ሚሊ ግራም ንላዕሊ ክኸውን እንከሎ፡ ሓደጋ ምኻድ ጥንሲ ወይ መዓልቱ ዘይኣኸለ ወሊድ ክውስኽ፡ እቲ መጠን ኣብ መዓልቲ 100 ሚሊ ግራም ምስ ዝኸውን ድማ ትሑት መጠን ወሊድ ከስዕብ ከም ዝኽእል ተመራመርቲ ይገልጹ።

ካፌይን፡ ኣብ እዋን ምጥዋብ ጡብ’ውን ናብ ዕሸላት ክሓልፍ ከም ዝኽእል ዝገልጽ ኣብ ኣይስላንድ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ሬይክጃቪክ ዝዀነ ጃክ ጄምስ፡ “መጠን እቲ ካፌይን ካብታ ኣደ ኣብ ደም እቲ ዕሸል ዝተሓተ እኳ እንተዀነ ዕሸላት ካፌይን ከሕቕቑ ከም ዘይኽእሉ ምግንዛብ ግን ኣገዳሲ’ዩ” ይብል።

በዓል መዚ ድሕነት መግቢ ኤውሮጳ፡ ጥዕናኦም ሕልው ዝዀነ ሰባት ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 400 ሚሊ ግራም ከምኡ’ውን ልዕሊ 200 ሚሊ ግራም ካፌይን ክወስዱ ከም ዘይብሎም ይምዕድ።

እቲ ሓፈሻዊ ምርድዳእ፡ ኣብ መዓልቲ ዝዀነ ቡን ካብ ዘይምስታይ ካብ 200 ክሳብ 300 ሚሊ ግራም ቡን ምስታይ ይሓይሽ ዝብል’ዩ።

ቤይሊ፡ “ኣገልግሎት ዝህቡ ሰባት ክንደይ ዝኣክል ካፌይን ይህቡኹም ዘለው ኣይፈልጡን። ሓደ ስፕሬሶ ካብ 250 ክሳብ 700 ሚሊ ግራም ካፌይን ክህልዎ ይኽእል፤ ሓይሊ ወሃብቲ መስተታት ድማ ካብ 600 ክሳብ 600 ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም” ይብል።

ስለዚ፡ እቲ ማእኸላይ ዝብሃል፡ ኣብ መዓልቱ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ኩባያ ቡን ምስታይ ከቢድ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህልዎ’ዩ ተባሂሉ ኣይሕሰብን ክብል ጃኮብሰን ተዛሪቡ።

ወትሩ ግን፡ ሰባት ድሕሪ መግቢ ቡን ምስታይ ከወግዱ ሰብ ሞያ ይምዕዱ።