እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቡን ግን ብኸመይ እዩ ዝውቱር መነቓቅሒ ክኸውን ክኢሉ?
ቡን ኣብ ማሕበረሰብና መዓልታዊ ዘዘውተር ፍቱው መስተ እዩ። ብሓፈሻ እውን ንሚልዮናት ሰባት ኣካል መዓልታዊ ህይወቶም ኰይኑ ኣብ ዓለምና ፍቱው ስነ-ኣእምሮኣዊ ንጥረ ነገር እዩ።
ንምዃኑ ካበይ እዩ ዝመጽእ? ኣብ ኣካላትናኸ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ?
ካብ ጽዑቕ ጐደናታት ከተማ ኒውዮርክ ክሳብ ህዱእ ከባቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ቡን ኣካል ዕለታዊ ህይወት ሚልዮናት ሰባት እዩ።
ንልዕሊ ዓሰርተ ሓሙሽተ ክፍለ ዘመናት ኣብ ባህሊ ደቂ ሰባት ልዑል ቦታ ሒዙ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ገሊኦም'ውን ጽልዋኡ በቲ ኣብ መበል 17ን 18ን ክፍለ ዘመን፡ ንዝነበረ ምፍላቕ ሓሳባት ነዳዲ ከም ዝሃቦ ይገልጹ።
ቀንዲ ንጡፍ ንጥረ ነገር ቡን ካፈይን ኰይኑ፡ ኣብ ዓለምና ብሰፊሑ ካብ ዝዝውተር ስነ-ኣእምሮኣዊ ንጥረ ነገር ተባሂሉ ይግለጽ። እዚ ድማ ኣብ ኣተሓሳስባናን ስምዒትናን ጽልዋ ኣለዎ።
ቡን ካበይ እዩ ዝመጽእ?
ቡን ካብ ፍረ ናይቲ ፈለማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ተኽሊ ቡን ኣራቢካ ዝመጽአ እዩ። ልዕሊ 90 ሚእታዊት መስርሕ ምፍራይ ቡን ድማ ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት እዩ ዝካየድ። ብቐንዱ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ፡ ኣብ ቬትናምን ኢንዶነዥያን እውን ዝካየድ ኰይኑ፡ ኣብተን ኣብ ኢንዱስትርያዊ ቍጠባታት ዝማዕበላ ሃገራት ግን ሃልኩ ብዝተዐጻጸፈ መልክዑ ዓብላሊ እዩ።
ታሪኽ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ 9ይ ክፍለ ዘመን፡ ካልዲ ዝተባህለ ሓደ ጓሳ፡ ኣጣሉ ፍረታት ቡን ምስ በልዓ፡ ሓይለንን ሓጎሰንን ከም ዝውስኽ ምስ ኣስተብሃለ ባዕሉ ክፍትኖ ቀሲብዎ።
ካብኡ ንደሓር፡ ደቂ ዓዲ፡ ዝቐልወ ቡን ክውሕጡን ወይ ካብ ቆጽሊ እቲ ተኽሊ ሻሂ ክሰርሑን ጀመሩ።
ብዘይካ'ዚ፡ኣብ የመን ዝነበሩ ሱፊያውያን ንመጀመርታ ግዜ ዘርኢ ቡን ዝቐለዉ ምዃኖም ታሪኻዊ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ድማ ነዚ ሎሚ እንፈልጦ መስተ ፈጢሮምዎ።
ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ድማ፡ እንዳ ቡን ኣብ መላእ ግዝኣት ኦቶማን ተኸፍታ፤ ድሒረን ድማ ናብ ኣውሮጳ ብምዝርጋሕ ማእከል ንግዲ፡ ፖለቲካን ሓደስቲ ሓሳባትን ኰይነን።
ከም በዓል ዩርገን ሃበርማስን (ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ፍሉጥ ጀርመናዊ ፈላስፋ ስነ-ማሕበረሰብ ) ገለ ፍሉጣት ምሁራንንውን ብዘይ ጽልዋ ቡን እቲ ናይ ሓሳባት ፍልቀት ኮነ ኣብርሆት ክውን ክኸውን ኣይምኸኣለን ነይሩ ብምባል ይምጕቱ።
ኣብ መበል 17ን 18ን ክፍለ ዘመን፡ ኵሎም እንዳ ቡናት ህዝባዊ ርእይቶን ሓሳባትን ዝምስረተሎም "ማእከል ነቐፌታ" ከም ዝዀኑ ሃበርማስ ይገልጽ።
ዓበይቲ ናይ ምንቕቓሕ ሰባት እውን ዕሉላት ኣድነቕቲ ናይቲ መስተ ምንባሮም ይእመን።
ፈረንሳዊ ፈላስፋ ቮልቴር ኣብ መዓልቲ ክሳብ 72 ኩባያ ቡን ክሰቲ እንከሎ፡ ወዲ ዓዱ ዲደሮ ድማ ብቡን እናተነቕቕሐ ነቲ 28 ቅጺታት ዝሓዘ "ኢንሳይክሎፔዲያ" ዝብል መጽሓፉ ኣዋዲዱ። ከም ልሙድ ተግባር እዋን ኣብርሆት ምዃኑ ድማ ኣመሪካዊ ደራሲ ሚካኤል ይገልጽ።
ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ቫንደርቢልት ዩኒቨርሲቲ፡ ንኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ቡን ዝመርሕ ፕሮፌሰር ኣንትሮፖሎጂ ቴድ ፊሸር፡ ቡን ርእሰማላውነት‘ውን ኣብ ምውሳኽ መሪሕ ተራ ከምዝነበሮ ንቢቢሲ ብምሕባር፡ ቡን ናብ ፍልጠትን ርእሰ ምትእምማንን ዝመርሕ ሓሳባት ንምፍላቕ ክውዕል የተባባዕ።
"ኣብቲ ተጠቃምነት ቡን ዝሃበበሉ እዋን፡ ብዛዕባ ዲሞክራሲ፡ ርትዓውነት፡ ተመኵሮኣውነት፡ ሳይንስን ርእሰማላውነትን ዝምልከት ሓሳባት ምምጽኡ ብኣጋጣሚ ጥራይ ኣይመስለንን። እዚ ንኣረዳድኣን ምትእኽኻብን ዘስፍሕ ንጥረ ነገር፡ ብርግጽ ኣካል ናይቲ ዓውደ-ጽሑፍ እዩ ነይሩ፡'' ብምባል ኣብቲ እዋን ነጋዶ ቡን ኣፍራይነት ንምድንፋዕ ክውዕል ከምዝኽእል ስለዝተገንዘቡ ንሰራሕተኛታቶም ቡን ክህቡ ከምዝጀመሩን ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ ቡን ዕረፍቲ ክወስዱ ከምዝገበሩን ፊሸር ወሲኹ ገሊጹ።
ጸሊም ታሪኽ ቡን
ቡን በቲ ካልእ ሸነኽ ኣብ ምዝመዛ ባሮት ብዝነበሮ ዕዙዝ ተራ ኣሉታዊ ታሪኽ እውን ሓዲጉዩ።ፈረንሳውያን፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ባሮት ኣብ ሕርሻታት ቡን ሀይቲ ይጥቀሙሎም ነይሮም። ኣብ መጀመርታ 1800ታትውን ብራዚል ኣፍሪቃውያን ባሮት ተጠቒማ ሲሶ ናይ ዓለም ቡን ተፍሪ ነይራ እያ።
ሎሚ ቡን እምነ ኵርናዕ ዓለምለኻዊ ባህሊ ኰይኑ፡ መዓልታዊ ልዕሊ ክልተ ቢልዮን ኩባያታት ይሃልኽ። እዚ ድማ ኣብ ዓመት 90 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ይገብር።
ይዅን እምበር፡ኣብ መላእ ዓለም ድኽነትን ጥሜትን ንምጥፋእ ዝሰርሕ ዘይመንግስታዊ ትካል ሄይፈር ኢንተርናሽናል፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ እውን እንተዀ ዓንዲ ሕቘ ኢንዱስትሪ ቡን ብትሑት መሃያ ዝሰርሑ ጸለምትን ካልኦት ዜጋትት ድኻታት ሃገራትን እዮም። ኣብ 50 ሃገራት ዝርከቡ 125 ሚልዮን ሰባት ድማ ዕለታዊ ናብራኦም ንምምራሕ ኣብ ሕርሻ ቡን ይምርኮሱ።ይዅን እምበር ልዕሊ ፍርቂ ካብዚኣቶም ኣብ ድኽነት እዮም ዝነብሩ ብምባል ኣብ ውሽጢ 600 ዓመታት ዳርጋ ለውጢ ኣይተራእየን" ይብል
ቡን ንኣካላትና ብኸመይ ይጸልዎ?
ቡን ካፈይን ኣለዎ፡ ምስ ሰተናዮ ድማ ብስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ይጓዓዝ እሞ ብመዓንጣ ኣቢሉ ናብ ደም ይምጾ። ይዅን እምበር፡ ጽልዋታቱ ኣብ ስርዓተ መትንታታት ምስ በጽሐ ጥራይ እዩ ዝጅምር።
እዚ ድማ ካፈይን ምስቲ ብተፈጥሮ ኣብ ኣካላትና ዝፍጠር ንጥረ ነገር ኣዴኖሲን ብዘለዎ ኬሚካላዊ ተመሳሳልነት እዩ።
ኣዴኖሲን ንናይ ድንጋጸ ስርዓተ መትንና የዝሕሎ፡ እዚ ድማ ህርመት ልቢ ከም ዝንኪን ስምዒት ድቃስን ምዝንጋዕን የስዕብ።
ካፈይን ምስቶም ኣብ ልዕሊ ዋህዮታት መትንና ዝርከቡ ተቐበልቲ ኣዴኖሲን ይተሓሓዝ፣ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ መዕጸዊ ዝኣቱ መፍትሕ ዝመሳሰል እዩ።
ጸቕጢ ደም ቅሩብ ክውስኽ፡ ንጥፈታት ሓንጐል ከነቓቕሕ፡ስምዒታት ጥሜት ከጉድልን ንቕሓት ከደንፍዕን ይኽእል፡ በዚ ድማ ንነዊሕ እዋን ምትኳር ከዕቢ ይኽእል።
ብተወሳኺ ጽልዋ ካፈይን ናይ ምዝናይ ስምዒት፡ ምጉዳል ድኻምን ምምሕያሽ ኣካላዊ ብቕዓትን እውን ዝዝርጋሕ ብምዃኑ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኣትለታታት ከም መመላእታ ይጥቀሙሉ እዮም።
እዚ ጽልዋታት ካብ 15 ደቓይቕ ክሳብ ክልተ ሰዓታት ክጸንሕ ይኽእል።ኣካላትና ንካፈይን ኣብ ውሽጢ 5 ክሳብ 10 ደቓይቕ የወግዶ'ኳ እንተዀነ ድሕሪ ምህላኽና ግና እቲ ጽልዋኡ ንነዊሕ ክጸንሕ ይኽእል እዩ።
እዚ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ እቲ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣካላትና ክህቦ ዝኽእል ግብረመልሲን ይፈላለ'ኳ እንተዀነ፡ሚዛናዊ ጥቕሚ ካፈይን ንምርካብ፡ ንግሆ ናይ መጀመርታ ቡን ምስ ሰተኻ ጽልዋኡ ንምዕቃብ፡ ብመጠኑ ክትወስዶን ድሕሪ ቀትሪ ካብ ምውሳድ ክትቁጠብን ሞያውያን ይመኽሩ።
ምኽንያቱ ዓቐኑ ዝሓለፈ ተጠቃምነት ቡን ድማ ናብ ድቃስ ምስኣን፡ ጭንቀት፡ ቅርጸትን ረስኒን ሕማም ርእስን ዝኣመሰሉ ጐናዊ ሳዕቤናት ከስዕብ ይኽእል።
"ብኣንጻሩ ብኣገባብ ምስ እንወስዶ ቡን ንጥዕና ክህልዎ ዝኽእል ምስ ምጉዳል ሃንደበታዊ ሞት፡ ሕማም ሽኮር፡ ሕማማት ልብን ስርዓተ ደምን ዋላ'ውን ገለ ዓይነታት መንሽሮን ሓያሎ ሕማማትን ዝተኣሳሰር ረብሓታት ኣሎ፡" ክብል ዶክቶር ማቲያስ ሄን ካብ ሃርቫርድ ይገልጽ።
ስለዚ ኣብ ዝቕጽል እዋን ቡን ክትሰትዩ እንከለኹም ንድሕረባይታኡን ዝህበኩም ጥቕምን እናሰላሰልኩም ኣስተማቕርዎ።