ሰባት ግን ስለምንታይ እዮም ዝሰዓዓሙ?

ብቐዳማይ ደረጃ፡ ገና ዕሸላት ኴንና ንከንፈር ናይ ምትንኻፍ ባህርያዊ ፍቕሪ ኣለና። ካብ ምጥባው ጀሚርና ንከንፈርና ምስ ኣወንታዊ ምቹእነት ወይ ምድልዳል ኢና ነተሓሕዞ።

ብፍላይ ከንፈር ንከንፈር ምስዕዓም ዘፍቱ ስምዒት ክነማዕብል ዝኸኣልናሉ ምኽንያት ዘቐምጥ ሓደ ሓሳብ ኣሎ።

እዚ ከኣ ኣብቲ ምስ ፍልቀት [ሰባት ኣመጻጽኣኦም ካብ ህበይ እዩ ዝብል መጐት] ዝተሓሓዝ ሕሉፍ ታሪኽና፡ ኣደታትና ድሕሪ ምቍራጽ ጡብ መግቢ እናሓየኻ እየን ብቐጥታ ናብ ኣፍና ዝምግባና ነይረን። እዚ መስርሕ’ዚ ቅድመ-ምሕያኽ መግቢ ዝበሃል ኰይኑ ኣብተን ምስ ደቂሰብ ከም ዝዛመዳ ዝዝረበለን ኣህባይ ዝረአ ባህሪ እዩ።

ብኻልኣይ ደረጃ፡ ከናፍርና ኣዝየን ንስምዒት ዝቐረባ (ተኣፈፍቲ) እየን። ካብቶም ብኽዳንና ዘይንሽፍኖም ውሑዳት ክፋላት ኣካላትና እየን።

"ብዙሕ ክዳውንቲ ብዝተኸደንና መጠን፡ ንምስዕዓም ዝህልወና ድልየት ይውስኽ" ይብል ተመራማሪ ስነ-ሰብ ፕሮፌሰር ዊልያም ጃንኮዊያክ።

"[ውሑድ] ክዳውንቲ ብዝለበስና መጠን ከኣ እቲ መጠን ምስዕዓም ይውሕድ። እቲ ዝገርም ፍሉይ ዝዀነ ባህርያት ከኣ ኣብቶም ኣብ ጫካ ብሃደን ዝናበሩ ሰባት ምስዕዓም ዘይረአ ተግባር ምዃኑ እዩ። ብዘይካ ኣብ ዞባ ኣርክቲክ ዝርከቡ ኢኑይትስ ኣብ ዝበሃሉ ማሕበረሰብ” ይብል እቲ ፕሮፌሰር።

ልምዲ ምስዕዓም ዘለዎም እንኮ ሃደንቲ ከምዝዀኑ ዝሕብር እቲ ተመራማሪ፡ ኣፍ ምስ ኣፍ ገጢሞም ከምዝተሓሳሰዩ የረድእ።

ስለምንታይ?

"ኣብ ኵሎም ካልኦት ሃደንቲ ዝነብሩሎም ቦታታት ክዳን ምኽዳን ዝተለመደ ኣይኰነን። እዚ ማለት ከኣ ምስ ዝዀነ ክፋል ኣካላት ስምዒታዊ ምትንኻፍ ክህልዎም ይኽእል ማለት’ዩ" ይብል ጃንኮዊያክ።

ክዳን ክንክደን ከለና ግን እቲ እንኮ ስምዒታዊነት ዘለዓዕልን ንምትንኻፍ ዝዕድምን ኣካል ገጽና እዩ።

ምስዕዓም ፍልቀታዊ ዕላማ እውን ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ኣካል ንኣካል ክንጸጋጋዕ ከለና ሓደ ነቲ ካልእ ዘለና ስምዒት ዝሕብር ምልክታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ እቲ ከንፈር ንከንፈር ዝግበር ፍቕራዊ ምስዓም ንበይኑ ፍሉይ ዝውቱር ባህሪ ደቂ ሰባት ከምዘይኰነ ከረድእ ይኽእል።

ሓደ ገምጋም ከም ዝሕብሮ ካብ ኵሎም ባህልታት ዓለም ኣብቶም ትሕቲ ፍርቂ ዝዀኑ ከንፈር ንከንፈር ናይ ምስዕዓም ልምዲ ኣሎ።

ፕሮፌሰር ጃንኮዊያክ፡ ዳህሳስ ካብ ዝተኻየደሎም 168 ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ባህልታት እቶም 46 ሚእታዊት ጥራይ ብፍቕራዊ ትርጕም ከንፈር ንከንፈር ናይ ምስዕዓም ልምዲ ከምዘለዎም ከረጋግጽ ክኢሉ።

"እቲ ወሳኒ ነገር፡ ስምዒታዊነት ሰባት ካብ ምስዕዓም ወጻኢ ብብዙሕ መንገዲ ክማላእ ዝኽእል ምዃኑ'ዩ ዝመስለኒ" ክብል እቲ ፕሮፌሰር ይገልጽ።

እቲ ዝጸንሐ ጽሑፋዊ መርትዖ ባህሪ ወይ ልምዲ ምስዕዓም ኣብቲ 3,500 ዓመታት ዘቝጸረ ናይ ሂንዱ ‘ቬዲክ ሳንስክሪት’ ጽሑፋት ዝርከብ’ዩ።

"ከምቲ ሎሚ እንገብሮ ዘለና ኣፍ ንኣፍ ናይ ምስዓም ልምዲ ዘለዎም ብዙሓት ባህልታት ነይርዎም" ትብል ደራሲት ዘ ሳይንስ ኦፍ ኪሲንግ - ሸሪል ኣር ክሪሸንባም።

"ቻርለስ ዳርዊን ዝገለጾ ባህሊ ምስዕዓም ማሌዥያ እውን ኣሎ። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መሬት ኩይጥ ኢለን ደቂ ተባዕትዮ ድማ ናብአን ተጸጊዖም ብቕልጡፍ ሓደ ነቲ ካልእ የጫንዎ። በዚ ከኣ ስምዒት መጻምድቶም ክግንዘቡ ዘኽእሎም ምልክት ይወስዱ" ትብል እታ ደራሲት።

ኣብተን ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ፓፑዋ ኒው ጊኒ ዝርከባ ደሴታት ትሮብሪያንድ ከኣ ፍቝራት ፊት ንፊት ኮፍ ኢሎም ሓደ ናይቲ ካልእ ጸጕሪ ዓይኒ እናሸርመሙ ይሰዓዓሙ።

"እዚ ባህሊ ኣብዚ እዋን ንብዙሓት ከም መግለጺ ፍቕራዊ ርክብ ዘይክመስለና ከምዝኽእል እሓስብ፤ ንዓኣቶም ዝህቦ ትርጕም ግን ከምኡ እዩ” ትብል ሸሪል ኣር ክሪሸንባም።

ወሲኻ፡ “እዚ ኵሉ ስምዒት ምትእምማን ዘመልክት'ዩ። ምስቶም እንሓልየሎም ሰባት ብዝያዳ ንምቕራብ ይሕግዘና" ትብል።

ከናፈር ብምቅርራብ ምስዕዓም ዳርጋ ፍሉይ ባህሪ ደቂሰብ እዩ። ምስዓም ምስ ፍልቀት ዝተሓሓዝ ዕላማ እንተዝህልዎ ነይሩ፤ ንምንታይ እንስሳታት ክሰዓዓሙ ዘይንርኢ?

ሜሊሳ ሆገንቡም ብ2015 ኣብ መደብ ‘ቢቢሲ አርዝ’ ነዚ ሕቶ መልሲ ሂባትሉ ነይራ።

"ሓደ ካብቲ ኣብ ገጽ መጻምድትና ክንቀርብ ንግደደሉ ምኽንያት ጽቡቕ ዝዀነ ሽታ ንክንህቦም'ዩ" ትብል።

"ጨና ኵሉ ዓይነት ጠቓሚ ሓበሬታ ክገልጽ ይኽእል እዩ። ኣመጋግባ፡ ሕማም ምህላዉን ዘይምህላዉን፣ ስምዒትን ምትእስሳርን ገለ ክጥቀሱ ዝኽእሉ ኣብነታት እዮም። ብዙሓት እንስሳታት ግን ካባና ኣዝዩ ዝረቐቐ ናይ ምሽታት ህዋሳት ስለዘለዎም ክሳብ ክንድኡ ምቅርራብ ወይ ምጽግጋዕ ኣየድልዮምን” ክትብል ተረድእ።

ስለዚ ምስዕዓም ክንቅጽል ዲና? - ስለምንታይከ ገለ ባህልታት ዘይግደሱሉ?

"ልምዲ ምስዕዓም ኣብ መላእ ዓለም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክሰፍሕን ክጠፍእን ተራእዩ እዩ። ብሰንኪ ሕማም፡ ኣብ መንጎ ህዝቦም ምስዕዓም ዝእግዱ ሃጸያት እውን ነይሮም" ትብል ክሪሸንባም።

"ሓደ ክንጽበዮ ዘለና ነገር፡ ዋላ'ኳ ምስዕዓም ዝተኣገደሎም ኣዋጃት እንተነበሩ፤ ሕማማት እውን እንተመጽኡ ምስዕዓም ኵሉ ግዜ ዘይጠፍእ ልምዲ ምዃኑ እዩ" ክትብል ተዛሪባ።