ኣፍሪቃ ስለምንታይ'ያ ክሳብ ሕጂ ዋንጫ ዓለም ክትዓትር ዘይክኣለት?

እታ ደው ዘይትብል ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋል ምስታ ዘይትሕለፍ ሞሮኮ ሎሚ ምሸር ክፋለማ'የን።

ጸወታታት ርብዒ ፍጻመ ሎሚ ቀዳም’ውን ዝቕጽል ኮይኑ ሞሮኮ ኣንጻር ፖርቱጓል [ሰዓት ሽዱሽተ ድሕሪ ቀትሪ] እንግሊዝ ኣንጻር ፈረንሳ [ሰዓት ዓሰርተ ምሸት] ተራኺበን ቀጻሊ ዕድለን ክፈልጣ እየን።

ፖርቱጋል ኣብቲ፡ ኮኾብ ተጻዋታያ ዘየሰለፈትሉ ናይ ርብዒ ፍጻመ ግጥም፡ ንስዊዘርላንድ ብገፊሕ ውጽኢት 6 ብ 1 እያ ስዒራታ።

እቲ ንወዲ 37 ዓመት ሮናልዶ ዝተክአ 21 ዓመት ዝዕድመኡ ኣጥቅዓይ በነፊካ ጎንካሎ ራሞስ ሰለስተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ ሃትሪክ ሰሪሑ።

ሞሮኮ ንፖርቱጋል እንተድኣ ስዒራ፡ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝበጽሐት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን ትኽእል እያ።

ብተወሳኺ ኣብ ቐጠር ዝተረፈት እንኮ እስላማዊት ሃገር እያ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ዋሊድ ረግራጊ "ኣፍሪቃን ህዝቢ ዓረብን ብድሕሬና እዮም" ይብል።

ሞሮኮን ፖርቱጋልን ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም

ሞሮኮን ፖርቱጋልን ክራኸባ እዚ ንሳልሳይ ግዜ ክኸውን ከሎ፡ እተን ዝሓለፋ ክልተ ጸወታታት ኣብ ዋንጫ ዓለም እዩ ነይሩ።

ሞሮኮ ኣብ 1986 ኣብ ናይ ምድብ ጸወታ ንፈለማ ግዜ 3 ብ 1 ክትዕወት ከላ፡ ፖርቱጋል ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 1 ብ 0 ተዓዊታ።

ዝሓለፈ ግዜ ኣንጻር ስዊዘርላንድ፡ ፖርቱጋላዊ ጎንካሎ ራሞስ፡ ድሕሪ ሚሮስላቭ ክሎሰ ኣብ 2002 ንፈለማ እዋን ኣብ ዋንጫ ዓለም ሃትሪክ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ኮይኑ።

ሞሮኮ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብ ኣርባዕተ ጸወታታት ኣይተሰዓረትን፡ ሓንቲ ሸቶ ጥራይ ክትምዝገባ እንከላ ኣርባዕተ ሽቶታት ኣመዝጊባ።

ፖርቱጋል፡ ብሸሞንተ ዝተፈላለዩ ተጻወትቲ 12 ሸቶታት ኣመዝጊባ ኣላ።

ሞሮኮን ፖርቱጋልን ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022

ኣሰልጣኒ ፖርቱጋል ፈርናንዶ ሳንቶስ ኣብ ልዕሊ ስዊዘርላንድ ኣብ ዘመዝገቦ ዓወት ንክርስትያኖ ሮናልዶ ብጎንካሎ ራሞስ ምትክኡ ውጽኢቱ ተራእዩ እዩ።

ፖርቱጋል ከም ማንቸስተር ዩናይትድ ብዘይ ሮናልዶ ዝሓሸት ትመስል ይብል ተንታኒ ኵዕሶ እግሪ ቢቢሲ ክሪስ ሱቶን።

ዋላ’ኳ ርእሰይ ፖርቱጋል እንተበለኒ ዝብል ሱቶን፡ ልቡ ግን እታ ዘገርሙ ደገፍቲ ዘለውዋ ሞሮኮ 1 ብ 0 ተዓዊታ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ክትበጽሕ ትምኒቱ ከምዝኾነ ይገልጽ።

ሞሮኮ፡ ኣብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ፡ ንስጳኛ ስዒራ ንፈላማ ግዜ ኣብ ታሪኻ ናብ ርብዒ ፍጻመ ግጥም ዋንጫ ዓለም ክትሓልፍ ክኢላ ኣላ።

እቶም ብኣናብስ ኣትላስ ዝፍለጡ ተጻወትቲ፡ ኣብቲ ብዘይሸቶ ዝተዛዘመ ግጥም፡ ብፍጹም ቅላዕ፡ 3 ብ 0 እዮም ስዒሮም፡ ሎሚ ቀዳም ድማ ኣንጻር ፖርቱጋል ክገጥሙ እዮም።

ኣብቲ ብፍጹም ቅላዕ ዝተዛዘመ ግጥም ሞሮኮን ስጳኛን፡ ሓላው ልዳት ሞሮኮ ክልተ ሸቶታት ብምድሓን ደሚቝ።

ሞሮኮ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘካየደቶ ኣርባዕተ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም 2022፡ ሓንቲ ሸቶ ጥራይ ክትምዝገባ እንከላ ክሳብ ሕጂ ኣይተሳዕረትን።

ሞሮኮ ንስጳኛ ስዒራ ናብ ርብዒ ፍጻመ ብምስጋራ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ሃገራውያን ጋንታት ካሜሮን፡ ጋናን ሰኔጋል ዝበጽሓኦ ደረጃ ክትበጽሖ ክኢላ’ያ።

ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ክብረ ወሰን ክምዝገብ እንተዀይኑ ንፖርቱጋል ስዒራ ናብ ርብጺ ፍጻመ ክትሓልፍ ኣለዋ። ብድሕሪኡ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ክብሪ ክብሪ’ዩ ክኸውን፤ ዘይክኣል ግን ኣይኮነን።

መን ይፈልጥ እታ ዋንጫ’ውን ንፈለማ እዋን ናብ ኣፍሪቃ ተምጽኣ ትኸውን።

ኣፍሪቃ ስለምንታይ'ያ ክሳብ ሕጂ ዋንጫ ዓለም ክትዓትር ዘይክኣለት?

እዚ ካብ መግዛእቲ እታ ኣህጉር እዩ ዝጅምር።

እቲ ዘሕዝን ክውንነት ኣብ ምሉእ እቲ ካብ 1930 ክሳብ 1962 ኣብ ዝተኻየደ 7 ወድድራት ዋንጫ ዓለም፡ ኣፍሪቃ ኣብ 1934 ጥራይ'ያ ተሳቲፋ። ሽዑ እታ እንኮ ንኣፍሪቃ ዝወከለት ሃገር ግብጺ እያ ነይራ።

እዚ ብኸፊል ብሰንኪ ኣብታ ኣህጉር ዝነበረ ኣረሜናዊ መግዛእቲ ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ፡ ብኸፊል ድማ ሓለፍቲ ፊፋ ነበር ንኣፍሪቃ ኣብቲ ውድድር ብቐጥታ ቦታ ምሃብ ብምእባዮም እዩ። እዚ ድማ ዋላ ነተን ነጻነት ዝረኸባ ሃገራት ዘጠቓልል እዩ።

ኣብ 1966 ኣህጉር ኣፍሪቃ ንፊፋ ኣብቲ ውድድር ውሕስነት ዘለዎ ቦታ ክትረክብ ከም ዝጠለበት መልእኽታ ንምግላጽ ንገዛእ ርእሳ ኣብ እንግሊዝ ካብ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ኣግሊላ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ 1970 ከተረጋግጽ ክኢላ።

ኣብ ዝቐጸሉ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ጋንታታት ሃገራት ኣፍሪቃ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ውጽኢታት ኣመዝጊበን እየን። ንኣብነት ኣልጀርያ ንምዕራብ ጀርመን ስዒራ፡ ሞሮኮ ንፖርቱጋል ገሊፋ፡ ካሜሩን ድማ ንኣርጀንቲና ዓብሊላ።

እዚ እናሃለወ ግን ፊፋ ተሳትፎ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምውሳኽ ቅልጡፍ ምላሽ ክህብ ኣይከኣለን። ኣብ 1982 ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ ክሳተፋ ዕድል ረኺበን፤ ኣብ 1994 ሰለስተ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ 1998 ሓሙሽተ ቦታታት ንሃገራት ኣፍሪቃ ተፈቒዱ።

ክሳብ ሕጂ ከኣ ከምኡ ኢሉ ይቅጽል ኣሎ።

ስለዚ ኣፍሪቃ ገና ዋንጫ ዓለም ዘይተዓወተትሉ ሓደ ምኽንያት፡ ዳርጋ ክትሳተፍ ስለዘይጸንሐት እዩ።

ገሊኦም ኣብ ዝሓለፈ 12 ዓመታት ድኹም ውጽኢት ምምዝጋቡ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም፡ እንተኾነ ግን ተሳትፎ ምውሳኽ ናብ ዝያዳ ተወዳዳሪነትን ምምሕያሽን ኣየምርሕን'ዩ ዝብል መን እዩ?

ኣብ ዋንጫ ዓለም ብምስታፍ ጥራይ ዝርከብ ናይ ገንዘብ ሽልማት ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ኣብ መሰረታዊ ኩዕሶ እግሪ ምምሕያሽ ክውዕል ይኽእል ነይሩ፡ እዚ ድማ ንጽሬት ጸወታ ብዓቢኡ ከማዕብል ምኸኣለ።

ፈላሚ ዋንጫ ዓለም ኣብ ኡራጋይ ካብ ዝእንገድ ጀሚሩ፡ ድሕሪ ዳርጋ ሓደ ዘመን ኣፍሪቃ ኣብ መወዳእታ ዝያዳ ፍትሓዊ ቁጽሪ ተሳትፎ ክትረክብ እያ፡ ኣብ 2026 ኣብ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም 9.5 ቦታታት ክትረክብ እያ እዚ ድማ ቁሩብ ናብ ዓለማዊ ምዕሩይነት ክትቀርብ ዘኽእል እዩ።

ዋንጫ ዓለም 2022 እውን ብመልክዕ መጻረዪ ተሳትፎ ጥራይ ዘይኮነስ ብመልክዕ መሰል ኣአንጋዲ ውክልና ዘይምህላው ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ኣርእዩና እዩ።

ደቡብ ኮርያ ኣብ 2002 ነዚ ውድድር ምስ ጃፓን ብሓባር ኣብ ዘአንገደትሉ እዋን ናብ ፍርቂ ፍጻመ ክትሓልፍ ከላ፡ ጸለምቲ ኮኾባት ጋና ኣብ 2010 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ ፈላሚ ዋንጫ ዓለም ኣፍሪቃ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ንምሕላፍ ኣብ ምስ ኡራጋይ ኣብ ዝገጠመትሉ ብፍጹም ቅላዕ'ያ ተሳዒራ።

ኣፍሪቃን ኤስያን ብሉጻት ውድድራት ኣብ ኣህጉራተን ኣብ ዘአንግዳሉ እንኮ ግዜ ከምዚ ዝበለ ውጽኢት ምምዝጋቡ ኣጋጣሚ ድዩ?

መልሱ: ምናልባት ኣይኮነን ዝብል ምዃኑ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣርእዩና ኣሎ።

ኣብዚ ዓመት ክልተ ኤስያውያን ጋንታታት ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ በጺሐን፡ ዋንጫ ዓለም ቀጠር ድማ፡ ብሩሑቕ፡ ኣብ ሜዳ ንሃገራት ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ዕዉት ውድድር ኮይኑ ኣሎ።

ካብ 15 ናይ ምድብ ጸወታታት 24 ድምር ነጥቢ ብምምዝጋብ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2002 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ተመዝጊቡ ዝነበረ 15 ነጥቢ ብምብላጽ ክብረወሰን ሰቢሩ።

ካሜሩን ኣብ ሓደ ውድድር ዋንጫ ዓለም ንብራዚል ዝሰዓረት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና፡ ቱኒዝያ ኣብ ልዕሊ ሻምፕዮን ፈረንሳ ዓወት ኣመዝጊባ፡ ሞሮኮ ድማ 7 ነጥቢ ብስማ ኣመዝጊባ ካብ ምድባ ቀዳመይቲ ኮይና ዝሓለፈት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና።

ኣሽሓት ደገፍቲ ስዑዲ፡ ሞሮኮን ቱኒዝያን ንጋንታታቶም ንታሪኻዊ ዓወታት ክድርኹ ምርኣይ፡ ሓዱሽ ህዋህው ዝፈጠረ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ እዚ "ትጽቢት ዘይተገብረሎም ውጽኢታት ዝተረኣይሉ ዋንጫ ዓለም" እቲ ዝበለጸ ጥዑም ዝኸውን ድማ፡ ሞሮኮ ኣብቲ ውድድር ክትዕወት እንተኽኢላ እዩ"።

ክሳብ ክንደይ ጽኑዕ ምክልኻል ከም ዝገብሩን ሓላዊ ልዳቶም ያሲነ ቦኖ ክሳብ ክንደይ ንፉዕ ምዃኑን ኣብ ግምት ምስ እነእቱ፡ ኣብ ጸወታ ወትሩ ዕድል ክህልዋ እዩ።

ሞሮኮ ሻምፕዮን ዓለም ክትከውን 270 ደቓይቕ ከምዝተረፋ ትኣምን። ምናልባት ንሕና እውን ክንኣምኖም ግዜኡ በጺሑ ይኸውን።