እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዋንጫ ዓለም፡ ብራዚል ብክሮኦሽያ ተሳዒራ ካብ ውድድር ተገሊፋ
ሎሚ ኣብ መንጎ ብራዚልን ክሮኦሽያን ዝተኻየደ ቀዳማይ ግጥም ርብዒ-ፍጻመ ብዓወት ክሮኦሽያ ተዛዚሙ'ሎ።
ኣብቲ ብፍጹም ቅላዕ ዝተወድአ ጸወታ ክሮኦሽያ 4 ብ 2 ንብራዚል ብምስዓር ናብ ፍርቂ-ፍጻመ ሓሊፋ'ላ።
ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ዝነበረን ምዱብ ግዜ ብዘይሸቶ ማዕረ ብምውጽአን፡ ናብ ተወሳኺ 30 ደቒቕ ኣምሪሐን።
ኣጥቃዓይ ብራዚል ነይማር ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ክፋል ተወሳኺ ግዜ ብዘመዝገባ ሸቶ'ያ ብራዚል ክትመርሕ ጀሚራ።
ነይማር ንሃገሩ ብዘመዝገበን 77 ሸቶታት ንክበረወሰን ወዲ ሃገሩ ኮኾብ ኲዕሶ እግሪ ዓለም ፔለ ተዳሪጉዎ'ሎ። ፔለ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ሆስፒታል ምእታዉ ሻቕሎት ፈጢሩ ቀንዩ'ዩ።
ክበኽዩን ክነብዑን ዝተራእዩ ደገፍቲ ብራዚል ግን ብናይ ነይማር ክብረወሰን ቀልጢፎም ዝጸናንዑ ኣይመስሉን'ዮም።
ኣብተን ዝተረፋ 15 ደቓይቕ ድማ ክሮኦሽያ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋባ፡ ሓደ ብሓደ ጸወታ ወዲአን፡ ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣምሪሐን።
እንተኾነ ግን፡ ብራዚል ክልተ ብምስሓታ በታ ካብተን ዝተዋህብኣ 5 ፍጹም ቅላዓት ነተን 4 ብዘመዝገበት ክሮኦሽያ ተሳዒራ ወጺኣ'ላ።
ኣብዚ ግጥም'ዚ ተጻወቲ ክሮኦሽያ ኣንጻር እታ ዓርሞሸሽ ጋንታ ብራዚል ዘርኣይዎ ሓቦን ኒሕን ኣዝዩ ዝንኣድ'ዩ።
ክሮኦሽያ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2018 ናብ ፍጻመ ድሕሪ ምሕላፋ ብፈረንሳ ከምዝተሳዕረት ይዝከር። ሽዑ ንዘጋጠማ ስዕረት ሕኒኣ ንምፍዳይ ግን ዓቢ ዕድል ከፊታ'ላ።
ምውጻእ ናይታ ዋንጫ ክትወስድ ዓቢ ትጽቢት ዝግበረላ ብራዚል፡ ንደገፍታ መዓንጥኦም ዘሕርር ክኸውን እንከሎ፡ ንዝተረፋ ዓቢ ዕድል ዝፈጥር ክኸውን'ዩ።
እታ ዝበዝሐ ዋንጫ ዓለም ዝዓተረት ብራዚል፡ ኣብ 2002 ንመወዳእታ ግዜ ምዕዋታ ይዝከር።
ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣብ ዝካየድ ካልእ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ድማ ኣብ መንጎ ኣርጀንቲናን ነዘርላንድስን (ሆላንድ) ክኸውን'ዩ።