ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ስድራ ግዳያት፡ ቦይንግ 25 ቢልዮን ዶላር ክቅጻዕ ሓቲቶም

ስድራ ሓደጋ ቦይንግ 737፡ ትካል ቦይንግ 24.8 ቢልዮን ዶላር ክቅጻዕ ንኣኽበርቲ ሕጊ ኣሜሪካ ሓቲቶም።

ጠበቃ እቶም ስድራ ግዳያት ቦይንግ 737 ዝዀነ ፓወክ ካሰል “ነቲ ብቦይንግ ዝተፈጸመ ገበን ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ተጠቂሱ ዘሎ መጠን ገንዘብ ምክንያታውን ዝተቐመረን’ዩ” ኢሉ።

ኣብ መጋቢት 2019’ውን ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እትውነን ቦይንገ 737 ማክስ 157 ተሳፈርትን ኣባላት በረራን ሒዛ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ኣብ ዝተበገሰትሉ ድሕሪ ሽዱሽተ ደቃይቕ ወዲቃ ብምልኦም ተሳፈርታ ከምዝሞቱ ይዝከር።

እቲ ፍፃመ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ስንባደን ህውከትን ዝፈጠረ ዀይኑ፡ ነቲ ሓደጋ ተሓታትነት ብዝምልከት ከዘራርብ ምፅንሑ ዝዝከር እዩ፤ ስድራ ግዳያት ድማ ዓቢ ካሕሳ ክሓቱ ፀኒሖም እዮም።

ኣብቲ ቢቢሲ ክርእዮ ዝኸኣለ 32 ገጽ ዝሓዘ ክሲታትን ለበዋታታን ዘለዎ ናብ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ ዝተረከበ ጽሑፍ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ብውሕዱ ነቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ትካል ክኣስሮም ከምዘለዎ ተጠቂሱ ኣሎ።

ላዕላዋይ ሓላፊ ቦይንግ ዴቭ ካልሁን ብሰሉስ ናብ ኮንግረስ ኣመሪካ ቀሪቡ ብሽም ትካል ቦይንግ ይቕረታ ከምዝሓተተ’ውን ኣብቲ ብስድራ ግዳያት እቲ ሓደጋ ዝቐረበ ጽሑፍ ቐሪቡ ኣሎ።

ኣብ 2018 ከምኡ ከኣ 2019 ክልተ ነፈርቲ ቦይንግ ብመውዳቐን 346 ሰባት ከምዝሞቱ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ጥቅምቲ 2018 ብመንገዲ ኣየር ከላዮን ትውነን ቦይንግ 737 ማክሰ 189 ተሳፈርትን ሰራሕተኛታትን ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ካብ ጃካርታ፡ ኢንዶንዥያ ምስ ተበገሰት ድሕሪ 13 ደቂቕ ብምውዳቓ ብምሉኦም ተሳፈርታ ሞይቶም።

እታ ካልኣይ ሓደጋ ድማ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እትውነን ቦይንገ 737 ማክስ ኣብ መጋቢት 2019 ጋጠመ እዩ፥።

ክልቲኡ ሓደጋታት ብሰንኪ ኣብተን ነፈርቲ ዘሎ ድኹም መቆጻጸሪ ዝተኸሰተ ከምዝኾነ’ዩ ዝንገር፡ በዚ’ዮም ስድራ ግዳያት፡ ቦይንግ ብሰልዲ ክቅጻዕን ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ትካል ክእሰሩን ንኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ ዝሓቱ ዘለዉ።

ሓላፊ እቲ ትካል ዴቭ ካልሁን ንኮንግረስ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ኩባንያ ጌጋታት ከምዘለዎ ብምእማን፡ ካብቲ ጌጋ ንምጻኢ ብዙሕ “ተማሂርና ኢና” ኢሉ።

ቤት ጽሐፈት ፍትሒ ኣመሪካ፡ ምስ ክልቲኡ ሓደጋታት ዝተኣሳሰር ኣብ 2021 ኣብ ልዕሊ ቦይንግ ዝቐረበ ገበናዊ ክሲ ምትላል፡ ዳግማይ ንኽምስረት ይሓስብ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ’ውን ብመንገዲ ኣየር ኣላስካ እትውነን ቦይንግ 737 ማክስ ኣብ ሰማይ እንከላ ማዕጾኣ ተገንጺሉ ከምዝወደቐ ዝዝከር’ዩ።

ኩሉ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ቤት ጽሐፈት ፍትሒ ኣመረካ ክሳብ 7 ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ልዕሊ ቦይንግ ተመስሪቱ ዝነበረ'ሞ ዝተወንዘፈ ክሲ ዳግማይ ይልዓልዶ ይደስክል ኣብ ዝብል ናይ መወዳእታ ውሳኔኡ ከፍልጥ’ዩ።