እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤተሰብ ግዳያት ሓደጋ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ ብገበን ክኽሰስ ሓቲቶም
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ 10 መጋቢት 2019 ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትውነን ቦይንግ 737 ማክስ 9 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ እናበረረት እንከላ 157 ሰባት ሒዛ ከምዝወደቕት ዝዝከር ኮይኑ፡ ቤተ ሰብ ግዳያት ኣፍራዮ እዛ ነፋሪት ዝኾነ ኣሜሪካዊ ትካል ቦይንግ ብገበን ክኽሰስ ንቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣሜሪካ ሓቲቶም።
እቶም ቤተሰብ ግዳያት ብቅድሚ ትማሊ 24 ሚያዝያ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ሰብመዚ ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣሜረካ ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ’ዮም እቲ ትካል ብገበን ክሕተት ሕቶ ኣቕሪቦም።
ብጀካ እዛ 157 ሰባት ሒዛ ዝተሓምሸሸት ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትውነን ቦይንግ፡ ኣቐድም ኣቢላ’ውን ብመንገዲ ኣየር ኢንዶንዥያ እትውነን ተመሳሳሊት ነፋሪት 189 ሰባት ሒዛ ከምዝወደቐት ዝዝከር ኮይኑ ቤተሰብ ግዳያት መንገዲ ኣየር ኢንዶንዥያ’ውን ትካል ቦይንግ ብገበን ክሕተት ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት’ውን ብመንገዲ ኣየር ኣላስካ እትውነን ቦይንግ 737 ኣብ ሰማይ እንከላ ፍኒስትራኣ ተሰይሩ ከምዝወደቐ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቶም ስድራን ጠበቓታትን ግዳያት ትካል ቦይንግ ዘፍረየን ቦይንግ 737 ማክስ 9 ኣብ ኣሰራርሐአን ጸገም ከምዘለወን ብምጥቃስ፡ እቲ ትካል ብሕጊ ክሕተት ከምዘለዎ’ዮም ዝጽውዑ ዘለዉ።
ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ትካል ቦይንግ ንነዊሕ ግዜ መርመራ ድሕሪ ምክያድ፤ ትካል ቦይንግ እተን 737 ዝዓይነተን ነፈርቲ ፍቓድ በረራ ንኽረኽባ ኮነ ኢሉ ንተቖጻጸርቲ ንምምሕዳር ፌዴራል በረራታት ዘጋጊ ሓበሬታ ከምዝሃበ ጭብጢ ረኺበ’የ ብምባል ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ክሲ መስሪቱ ነይሩ’ዩ።
እንተኾነ ትካል ቦይንግ ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ንስድራ ግዳያት ካሕሳ ክህብ ስለዝተሰማመዐ እቲ ብቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣሜሪካ ተመስሪትሉ ዝነበረ ክሲ ከምዝውንዘፍ ተገይሩ።
ትካል ቦይንግ ምሉእ ሓላፍነት ብምውሳድ ንመንግስቲ ኣሜሪካ፡ ሓደጋ ንዘጋጠመን መንገዲ ኣየራትን ንስድራ ግዳያትን ዝኸውን 2.5 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክህብ’ዩ ተሰማሚዑ።
እንተኾነ ትካል ቦይንግ ነዚ ካሕሳ እዚ ክኸፍል ተወሳኺ ክሲ ከይምስረቶን እቲ ኣቐዲሙ ተመስሪትሉ ዝነበረ ክስታት ንኽልዓለሉን ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣሜሪካ ከምዝተሰማመዐ’ዩ ተገሊጹ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ኣሜሪካ ብወገኖም፡ ቦይንግ እቲ ዝኣተዎ ቃል ንሰለስተ ዓመታት እንተኣተግቢርዎ ነቲ ከሲ ከወንዝፍዎ’ዮም ተሰማሚዖም።
እንተኾነ እቲ ሰለስተ ዓመታት ናይ ገደብ ግዜ ክመልእ ክልተ መዓልታት ምስ ተረፎ ብመንገዲ ኣየር ኣላስካ ትውነን ቦይንግ 737 ማክስ 9 ኣብ በረራ እንከላ ፍኒስትራኣ ስለዝተሰበረ፡ ቦይንግ ከምቲ ቃል ዝኣተዎ ድሕነት ዘረጋገጸ በረራ ኣየካየደን ተባሂሉ እቲ ተወንዚፉ ዝነበረ ክስታቱ ዳግማይ ክልዓል ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።
እታ ካብ ክፍለ ግዝኣት ኦሬጎን ከተማ ፖርትላንድ ናብ ካሊፎርንያ ትበርር ዝነበረት ብመንገዲ ኣየር ኣላስካ እትውነን ቦይንግ 737 ኣብ በረራ እንከላ ፍኒስትራኣ ድሕሪ ምስባሩ ብዙሓት መንገዲ ኣየራት ቦይንግ 737 ከይበራ እገዳ ኣንቢረን ይርከባ።
ካብዚ ብምብጋስ’ዮም ስድራ ግዳያት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶንዥያን ሰብመዚ ፍትሕኢ ፍትሒ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ትካል ቦይንግ ክሲ ገበን ክምስረቱ ጻውዒት ዘቕርቡ ዘለዉ።
ኣብታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ እናኸደት እንከላ ዝወደቐት ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እትውነን ቦይንግ 737 ወዳ ዝሞታ ናዲያ ሚለር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል “ካልእ ተቖጻጻሪ እተዝህሉ ነይሩ እዚ ኣብ መንገዲ ኣየር ኣላስካ ዘጋጠመ ክስተት’ውን ኣይመጋጠመን ነይሩ” ትብል።
ትካል ቦይንግን ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካን ኣብዚ ጉዳይ ዝኾነ ርእይቶ ከምዘይሃቡ ሮይተርስ ሓቢሩ ኣሎ።
እታ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እትውነን ቦይንግ 737 ማክስ 9 ብ10 መጋቢት 2019 ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ካብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናብ ኖይሮቢ ምስ ተበገሰት ድሕሪ ሽዱሽተ ደቓይቕ’ያ ወዲቓ።
ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ዜግነት 35 ሃገራት ዝነበሮም ኣባላታ ዝርከብዎም 157 ሰባት ከኣ ብምልኦም ሞይቶም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንቦይንግ 737 ማክስ 9 ካብ በረራ ደው ኣቢሉወን ድሕሪ ምጽናሕ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዳግማይ ናብ ስሩዕ በረራ ከምዝመለሰን ይዝከር።