እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሰንኪ 'ጨና ኣካላት' ካብ ነፋሪት ክወርዱ ዝተገደዱ ጸለምቲ ክሲ መስሪቶም
ሰለስተ ጸለምቲ ኣብ ልዕሊ መገዲ ኣየር ኣመሪካን ክሲ ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣቕሪቦም።
ኣብ ሓደ በረራ፡ ተጓዓዝቲ ብዛዕባ ጨና ኣካላት ጥርዓን ድሕሪ ምቕራቦም፡ ገለ ሰባት ንሓጺር እዋን ካብ በረራ ክወጽኡ ከም ዝተገብረ ይግለጽ።
እቶም ብሓባር ኰፍ ዘይበሉን ንሓድሕዶም ሌላ ዘይጸንሖም ጸለምቲ፡ ነፍሲ ወከፍ ጸሊም ወዲ ተባዕታይ ካብታ ብ5 ጥሪ ካብ ፎኒክስ ኣሪዞና ናብ ኒውዮርክ እትጓዓዝ ዝነበረት በረራ ከም ዝተኣልዩ ይዛረቡ።
እዞም ውልቀሰባት ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ “መገዲ ኣየር ኣመሪካ ጸለምቲ ብምዃንና ፈልዩ ኣውጺኡና፤ ኣሕፊሩና፡ ኣውሪዱና” ኢሎም።
እቲ ኣብ ቴክሳስ ዝመደበሩ መገዲ ኣየር፡ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ምስ ክብሪታቱ ከም ዘይሳነ ብምግላጽ ነቲ ጉዳይ ይምርምሮ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ብመሰረት ብጕጅለ ተጣበቕቲ ተገልገልቲ ‘ፓብሊክ ሲቲዘን’ ዘቕረቦ ፈደራላዊ ክሲ፡ እቶም ውልቀሰባት መንበሮም ሒዞም ካብ ፎኒክስ ክብገሱ ኣብ ዝዳለዉሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሓደ ሰራሕተኛ እቲ በረራ ንነፍሲ ወከፎም ቀሪቡ ካብታ ነፋሪት ክወጽኡ ሓቲቱዎም።
ኣልቪን ጃክሰን፡ ኢማኑኤል ጂን ጆሴፍን ዛቪየር ቪልን፡ ካብታ ነፋሪት ክወጽኡ እንከለው፡ “ኲሉ ኣብታ በረራ ዝነበረ ጸሊም ይእለ ከም ዝነበረ” ከም ዝተረድኡ ይኸሱ።
ነፍሲ ወከፎም፡ ኣቐዲሞም ኣብታ መዓልቲ ካብ ሎስ ኣንጅለስ ብዘይዝዀነ ጸገም ተጓዒዞም ዝመጽኡ’ዮም።
ኣብ ኣፍደገ በረራ፡ እቶም ሰለስተ ሰባት ምስ ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት፡ “ሓደ ጻዕዳ ተጓዓዚ ብዛዕባ ጨና ኣካላት ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ተጓዓዛይ ስለ ዘማረረ” ከም ዝተኣልዩ ብወኪል እቲ መገዲ ኣየር ተነጊርዎም።
እቶም ውልቀሰባት ኣብ መግለጺኦም፡ ነዚ “ብዘይካ ሕብሪ ቈርበትና ካልእ መግለጺ የብሉን" ብምባል “እዚ ቅሉዕ ዓሌታዊ ኣድልዎ ምንባሩ ንጹር'ዩ” ክብሉ ወሲኾም ገሊጾም።
ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየር ኣመሪካን ነቶም ጸለምቲ ኣብ ካልኦት በረራታት ዳግማይ ክጓዕዙ ፈቲኖም’ኳ እንተነበሩ፡ ኣብቲ ዕለት ግን ናብ ኒውዮርክ ዝኸይድ ካልእ በረራ ኣይነበረን። ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቲ ነቶም ካብታ ነፋሪት ዝተኣለዩ ሰባት ዝሓዘ ጕጅለ ኣብቲ ፈላማይ በረራኦም መሊሶም መንበሮም ክሕዙ ተፈቒዱሎም።
እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ንዅሉ ክስታት ኣድልዎ ብዕቱብ ኢና እንወስዶ፤ ዓማዊልና ምሳና ክበሩ ምስ ዝመርጹ እወታዊ ተመኵሮ ክህልዎም ኢና ንደሊ" ኢሉ።
“እቲ ዝበሃል ዘሎ ንዓንዲ ክብርታትና ወይ ሰባት ንምሕብሓብ ዘለና ዕላማ ስለ ዘየንጸባርቕ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣባላትና ነቲ ጉዳይ ይምርምርዎ ኣለው” ክብል ሓቢሩ።
እቲ ክሲ፡ እቶም ውልቀሰባት ካብታ ነፋሪት ወጺኦም ኣብ ዝጽበይሉ ዝነበሩ እዋን፡ እቲ ኣብራሪ ብሰንኪ “ጨና ኣካላት” ብዝተፈጥረ ምዝንጋዕ ከም ዝነበረ ንተጓዓዝቲ ሓበሬታ ከም ዝሃበ የመልክት።
ከሰስቲ ግን እዚ ሓሶት’ዩ ይብሉ።
“ኣብ ምሉእ በረራ - ካብታ ዳግማይ ዝተሰቕሉላ ህሞት፡ ምስ ነፍሲ ወከፍ ጸዓዱ ሰራሕተኛታት እቲ በረራ ዝነበሮም ርክብ፡ - ከሰስቲ ዓሚቝ ስምዒታት ሕፍረት፡ ውርደት፡ ጭንቀትን ቍጥዐን ይስምዖም ነይሩ” ይብል እቲ ክሲ።
“ድሕሪ እቲ ዘይርትዓዊ ምድንጓይ ናብ መንበሮም ክምለሱ ዝተገብረ ውሳነ፡ ነቶም ብብዝሒ ጸዓዱ ዝነበርሉ ቦታ ሓሊፎም ክኸዱ ሓያሎ ካብኣቶም ብሕርቃንን ዘይግቡእ ጥርጣረንን ይጥምቱዎም፡ ብምንባሮም እቲ ዝተሰምዖም ሕንከት ኣጋዲድዎ።”
እቲ ክሲ፡ እቲ መገዲ ኣየር በቲ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ዝተጻወርዎ “ስንባደ” መጠኑ ዘይተገልጸ ካሕሳ ክኸፍል ክግደድ ከም ዘለዎ ይገልጽ።
ሓደ ካብቶም ከሰስቲ ዝዀነ ጆሴፍ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ክስተት፡ ታሪኽ ጀግና ተቓላሲት ሲቪላዊ መሰላት ሮዛ ፓርክስ፡ ኣብ 1955 ብሰንኪ ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣብ ኣውቶቡስ ኣብ ድሕሪት ክትሳፈር ከም ዝተገደደት ከም ዘዘኻኽሮ ገሊጹ።
“ኣብ 2024 ኰይንና’ውን ገና ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ንሓልፍ ምህላውና ዝገርም እዩ” ኢሉ።
ኣብ 2017 ንሲቪላዊ መሰላት ዝጣበቕ ጕጅለ ኤንኤኤሲፒ ንጸለምቲ ኣመሪካውያን ብሰንኪ ኣድልዎ መገዲ ኣየር ኣመሪካን ካብ ምጥቃም ክቝጠቡ ዝሕብር ናይ ጕዕዞ ምኽሪ ኣውጺኡ ነይሩ።
ኣብ ዝቐጸለ ዓመት፡ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ስርሑ ለውጢ ከም ዝገበረ ድሕሪ ምግላጹ ድማ ነዚ መምርሒ ክለዓል ገይሮም።