ዘይተቐልዐ ምስጢር እታ ኣብ ጫካ ህንዲ ተኣሲራን ጠምያን ዝተረኸበት ኣመሪካዊት

ኣብ ምዕራባዊ ህንዲ ግዝኣት ማሃራሽትራ ኣብ ዝርከብ ጫካ ኣብ ገረብ ብሰንሰለት ተኣሲራ "ክተእዊ" ዝተረኽበት ኣመሪካዊት ሰበይቲ፡ እቲ ዝተረኸበትሉ ኵነታት ምስጢራዊ ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ።

ጓል 50 ዓመት ላሊታ ካይ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ጽዑቕ ጫካታት ኣውራጃ ሲንዱዱርግ ሓገዝ ንምርካብ ዘውጽኣቶ ድምጺ ኣውያት ብጓሶት ምስ ተሰምዐ እያ ተረኺባ። ሽዑ እቶም ጓሶት ንፖሊስ ምስሓበሩ፡ ዝተኣሰረትሉ ሰንሰለት ተሰይሩ ክትድሕን በቒዓ።

ምሉእ ብምሉእ ዝተዳኸመት ትመስል ዝነበረት ካይ ናብ ሆስፒታል’ያ ተወሲዳ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣካላዊ ጥዕናኣ ተመሓይሹ። ብዓርቢ ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ማእከል ጥዕና ስነ-ኣእምሮ ከምዝተሰጋገረት ዝከታተልዋ ሓካይም ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ንሳ ንፖሊስ ኣብ ዝሃበቶ ናይ ጽሑፍ መብርሂ፡ በዓል ቤታ "ብሰንሰለት ኣሲሩ ብዘይ መግቢን ማይን ክትመውት ኣብ ጫካ ከምዝገደፋ" ከሲሳቶ’ላ።

ፖሊስ፡ ብመሰረት ንሳ ዝሃበቶም ሓበሬታ ንበዓል ቤታ ኣብ ደቡባዊ ክፍለ ግዝኣት ታሚል ናዱ ይደልይዎ ከምዘለዉ ይገልጹ።

ሚስ ካይ ካብ እትድሕን 7 መዓልታት እኳ እንተተቘጸሩ ብኸመይ ናብቲ ጫካ ከም ዝኸደት? መን ኣብቲ ገረብ ከም ዝኣሰራን ስለምንታይን? ዝብሉ ግን ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ካብ ዝረኸብዋ ጓሶት ሓደ ዝነበረ ፓንዱራንግ ጋውካር ንቢቢሲ ማራቲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ጥሪቱ እናጓሰየ ከሎ "ሓንቲ ሰበይቲ ዓው ኢላ ከተእዊ" ከምዝሰምዐ ገሊጹ።

"እቲ ድምጺ ካብቲ ኣብ ጐድኒ እቲ እምባ ዝነበረ ጫካ ይመጽእ ነይሩ። ናብኡ ምስ ከድኩ ሓደ እግራ ኣብ ገረብ ተኣሲራ ከም ዝነበረት ርእየ። ከም እንስሳ ተእውይ ነይራ። ሽዑ ንኻልኦት ደቂ ዓድን ንፖሊስ እቲ ከባቢን ጸዊዐዮም" ይብል።

ፖሊስ፡ ኣመሪካዊት ምዃና ዝገልጽ ቅዳሕ ፓስፖርታ ከምኡ'ውን ንህንዳውያን ዝወሃብ ፍሉይ መለለዪ መንነት (ኣድሃር ካርድ) ምስ ኣብ ታሚል ናዱ ዝርከብ ኣድራሻ ገዛኣ ከም ዝረኸበ’ዩ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ሞባይል፡ ታብለትን 31 ሽሕ ሩፒን (370 ዶላር) ኣብ ኢዳ ከምዝነበራ ዝሓበረ ፖሊስ፡ እቲ ጉዳይ ምስ ስርቂ ከምዘይራኸብ ክኣምኑ ከምዝደረኾም ገሊጹ’ሎ።

እቲ ጓሳ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ንጥሪቱ ሒዙ ኣብ ጥቓ እታ ሰበይቲ ናብ ዝነበረትሉ ቦታ ክከይድ ምምራጹ ጽቡቕ ዕድል ምዃኑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ይዛረቡ።

እቲ ዝተረኽበትሉ ጫካ ሰፊሕ ስለዝኾነ ንመዓልታት ሰባት ንኣውያታ ከይሰምዑ ክትጸንሕ ከምእትኽእል ድማ ኣረዲኦም።

ኣብ እግራ ከምዝቖሰለትን ብጸገም ጥዕና ኣእምሮ ትሳቐ ትመስል ከምዝነበረትን ሓካይም ይዛረቡ።

ሓደ ካብቶም ሓካይም ዝኾነ ዶክተር ባንዴካር፡ "ንኽንደይ ግዜ ከምዘይበልዐት ኣይንፈልጥን ኢና። እንተዀነ ግን ኣገደስቲ ምልክታታ ዘሻቕል ኣይኰነን ዘሎ" ኢሉ።

ብዓርቢ ኣካላዊ ጥዕና እታ ሰበይቲ ምምሕያሽ ስለዘርኣየ ኣብ ግዝኣት ማሃራሽትራ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣእምሮኣዊ ሕክምና ተወሲዳ’ላ።

ተቘጻጻሪት እቲ ሆስፒታል ዶክተር ሳንግሃሚትራ ፉለ ንቢቢሲ ማራቲ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ "መድሃኒት ትወስድ ኣላ፤ ትበልዕን ምስ ሰባት ትዘራረብን ኣላ። ገለ ነገር እንተደሊያ ከተረዳዳእ ትኽእል እያ። እንግሊዝኛ ጥራይ እያ ትፈልጥ" ኢላ

ፖሊስ ከምዝበሎ ሚስ ካይ ኣብ ኣሜሪካ ሳዕሳዒት ባሌን በዓልቲ ሞያ ዮጋን እያ ነይራ። ቅድሚ 10 ዓመት ኣቢላ ድማ ኣብ ታሚል ናዱ ዮጋን ኣስተንትኖን ንምጽናዕ ናብ ህንዲ ተጓዒዛ።

ሳቲሽ ምስ ዝተበሃለ በዓል ቤታ ኣብኡ ዝተላለየት ኰይና ኣብ ሓደ እዋን ምስ በዓል ቤታ ከምዝተባእሰት ፖሊስ ይግምት።

ገለ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ጎዋ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ንኽልተ መዓልታት ምስ ጸንሐት ብድሕሪኡ ናብ ከተማ ሙምባይ ከይዳ።

ድሕሪኡ ግን መዓስን ብኸመይን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተረኽበትሉ ጫካ ከም ዝበጽሐት ዝምልከት ንጹር መረዳእታ የለን።

ኣብ መጀመርታ ክትዛረብ ዘይከኣለት ካይ ምስ ፖሊስን ሓካይምን ብጽሑፍ እያ ክትረዳዳእ ክኢላ። በዚ ኣቢላ ድማ ሰብኣያ ኣብቲ ገረብ ኣሲሩዋ ምስከደ ን40 መዓልታት ብዘይ መግብን ማይን ከም ዝጸንሐት ገሊጻ።

"ኣነ ግዳይ ኰይነ ግን ከኣ ብህይወት ተሪፈ። ንሱ ግን ሃዲሙ" ክትብል ከሲሳ።

ፖሊስ ንክስታት ካይ ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ሓደ ሰብ ብዘይ መግቢ ይኹን ማይ ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ብህይወት ክነብር ተኽእሎ ከምዘየለ ግን ኣብቲ ጉዳይ ጥርጣረ ፈጢሩሉ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ በዓል ቤታ መዝገብ ክሲ ፈተነ ቅትለት ብምኽፋት ነቲ ጉዳይ ብዝያዳ ንምጽራይ ናብቲ ንሱ ይርከበሉ ዝተበሃለ ታሚል ናዱ ኣባላቱ ሰዲዱ’ሎ። ብፖሊስ ዝድለ ዘሎ በዓል ቤታ’ውን ዛጊድ ድምጹ ኣይተሰምዐን።

ፖሊስ ኣብቶም ምስታ ሰበይቲ ዝረኸብዎም ሞባይልን ታብለትን ፍንጪ ይደልዩ ከምዘለዉ ይገልጹ።

ኣብ ደልሂ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ "መርመራ ክቀላጠፍ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ጸቕጢ ይገብር ምህላዉ" ጸብጻባት ይሕብሩ። ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ግን ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን።