ብመተግበሪ ዝወሃብ ልቓሕ ስለምንታይ እዩ ዓርሰ ቕትለት ዘስዕብ ዘሎ?

ኣስታ ሲንሃ፡ ካብ ሓትኖኣ ቴለፎን ምስተደወለ’ያ ካብ ድቃሳ ተበራቢራ።

"ኣዴኺ ካብ ገዛ ከይትወጽእ" ኢላታ።

እታ ጓል 17 ዓመት ጎርዞ፡ ኣብታ ቀጺላ ዘላ ክፍሊ ኣዲኣ ብሕርቃን እናበኸየት ምስ ረኸበታ ሰንቢዳ።

ቡሚ ሲንሃ፡ ንጓላ በይና እተዕቢ መበለትን ኣብ ሙምባይ ዝተኸበረት ጠበቓ ንብረትን እያ።

እዛ መስሓቒትን ፍርሒ ዘይትፈልጥን ኣደ፡ ብብኽያትን ብሕርቃን ንእሽቶ ኰይና ምርካብ ብሓቂ ዘሰንብድ’ዩ።

ኣስታ ገና እቲ ስንባደ ከይወጸላ እንከሎ፡ ኣዲኣ ኩሎም ኣገደስቲ ሰነዳትን ርክባትን ኣበይ ከም ዘለዉ ክትነግራ ጀሚራ።

ብተስፋ ምቑራጽ ድማ ካብቲ ገዛ ክትወጽእ ዝደለየት ትመስል።

ኣስታ ክትሰዳ ከም ዘይብላ ተረዲእዋ። ሓትንኣ፡ "ካብ ዓይንኺ ከይትርሕቒ" ኢላ ኣጠንቂቓታ’ያ።

"ምኽንያቱ ነብሳ ክተጥፍዕ’ያ።"

ኣስታ ኣዲኣ ዘይተለምዱ ተሌፎናት ይድወለላ ከም ዝነበረ ኣስተብሂላ ነይራ። ኣዲኣ ብገለ ሰብ ገንዘብ ከም እትእወድ’ውን ትፈልጥ እያ። እንተዀነ ኣዲኣ ንኣዋርሕ ብምግፋዕን ስነ-ኣእምሮኣዊ ስቅያትን ክትሳቐ ከም ዝጸንሐት ግን ፈጺማ ኣይትፈልጥን።

ኣዲኣ ቡሚ፡ ግዳይ ዓለማዊ ለያቡ ኰይና’ያ ጸኒሓ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኤስያን ላቲን ኣመሪካን ኣብ ዝርከባ ብውሑዱ ኣብ 14 ሃገራት ዝነጥፉ እዞም ዓለም-ለኻዊ ለያቡ፡ መኽሰብ ንምርካብ ውርደትን ጸለመን እዮም ዝጥቀሙ።

ብኸምኡ ድማ፡ ህይወት ብዙሓት ኣበላሽዮም’ዮም።

እቲ መስርሕ ንግዶም ኣረሜናዊ ግን ከኣ ቀሊል’ዩ።

ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ብቀሊሉ ልቓሕ ዝህቡ መተግበሪ ሞባይላት ኣለዉ። ኩሎም ቀጠፍቲ ኣይኰኑን። ብዙሓት ግን ናብ ሞባይልኩም ምስ ጸዓንክምዎም ካብ ዝርዝር መራኽቦ፡ ስእልታትኩምን ካልኦትን ሓበሬታ ንምእካብ ፍቓድ ይሓቱ።

ጸገም ዝፍጠር፣ ዓማዊል ልቓሖም ብእዋኑ ከይከፈሉ ምስ ዝተርፉ እዩ፤ እቶም ኣለቃሕቲ ካብቶም ሞባይላት ዝኣከብዎ ሓበሬታ ተጠቒሞም ምፍርራሕን ምግፋዕን ይጅምሩ። ሓደ ሓደ ግዜ ዋላ ብእዋኑ ኣብ ዝኸፈሉ ዓማዊል’ውን ክፍጸም ይኽእል።

ኣብ መወዳእታ 2021፡ ቡሚ ገለ ክፍሊት ናይ ስርሓ ክትረክብ ኢላ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ልቓሕ መተግበሪታት ኣስታት 565 ዶላር ተለቂሓ ነይራ። እቲ ገንዘብ ከም ክፍሊት ብዙሕ ተቖሪጽዎ’ዩ።

ቡሚ ድሕሪ 7 መዓልቲ ልቓሓ ክትከፍል ነይርዋ። ኰይኑ ግን እቲ ትጽበዮ ዝነበረት ክፍሊት ስለዘይረኸበት ዳግማይ ካብ ካልእ መተግበሪ ተለቂሓ፤ ብድሕሪኡ’ውን መሊሳ ካልእ ተለቂሓ።

እቲ ዕዳን ወለድን እናወሰኸ ከይዱ፤ ክሳብ ኣስታት 24,000 ዶላር ድማ በጺሑ።

ነዊሕ ከይጸንሑ እቶም ኣለቃሕቲ ተሌፎን ክድውሉ ጀመሩ። ቀልጢፎም ናብ ጽዩፋት ተቐይሮም፤ ብጸርፍን ምፍርራሕን ሃለዋታ ኣጥፊኦሙላ።

ኣብ መዓልቲ ክሳብ 200 ግዜ ይድዉሉ ነይሮም። ምስ ከፈለት እውን ‘ሓስያ’ያ’ ይብሉ ነይሮም። ኣበይ ከም እትነብር ይፈልጡ’ዮም፤ ከም መጠንቀቕታ ድማ ስእሊ ሬሳ ሰዲዶምላ።

እቲ ምፍርራሕ እናገደደ ምስ ከደ፡ ናብ ኹሎም እቶም ኣብ ቴለፎና ዝነበሩ 486 መራኽቦታት ሰራቒትን ኣመንዝራን ምዃና ዝገልጽ መልእኽቲ ክንጽሕፍ ኢና ኢሎም ኣፈራሪሖምዋ። ስም ጓላ እውን ከም ዘፀልምዎ ምስ ኣፈራርዋ፡ ቡሚ ክትድቅስ ኣይከኣለትን።

ኣብ መወዳእታ፡ ቡሚ ኩሉ እቲ ገንዘብ መሊሳ ከፊላ። እቲ ተሌፎን ምድዋል ግን ኣይተቋረጸን - ብፍላይ ‘ኣሳን ሎን’ ዝተበሃለት መተግበሪት። ብምፍርራሕን ብጸርፍን ተዳኺማ ኣብ ስራሕ ከተተኩር ስለ ዘይከኣለት ራዕዲ ክስማዓ ጀሚሩ።

ሓደ መዓልቲ ሓደ መሳርሕታ ኣብ ቴለፎኑ ሓደ ናታ ስእሊ እርእይዋ - ቡሚ ኣብቲ ስእሊ ዕርቃና’ያ ትርአ።

እታ ስእሊ ብዘይ ምግናን ዝተሰንዐ (ፎቶሾፕ ዝተገበረ) እዩ፣ ቡሚ ግን ብኣዝዩ ልዑል ሕፍረት ተመሊኣ።

ኣሳን ሎን፡ ነቲ ስእሊ ኣብ መዝገብ ተሌፎና ናብ ዘለዉ ነፍሲ ወከፍ ቁጽሪ ተሌፎናት ልኢኽዎ’ዩ። ሽዑ’ዩ ቡሚ ንነብሳ ክትቀትል ክትሓስብ ጀሚራ።

ቢቢሲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብዝተፈላለዩ ኩባንያታት ዝካየድ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትላል መርትዖታት ርእዩ’ዩ። ብተወሳኺ ኣብ ህንዲ ጥራይ ብውሕዱ 60 ሰባት ብሰንኪ ናይ ልቓሕ መተገበሪታት ነብሶም ከምዝቐተሉ ፈሊጡ ኣሎ።

መብዛሕትኦም ኣብ 20ታትን 30ታትን ዕድመ ዝርከቡ ኰይኖም እቶም ኣርባዕተ ገና መንእሰያት ነይሮም።

መብዛሕትኦም ግዳያት ብዛዕባ እቲ ምትላል ክዛረቡ ኣዝዮም ስለ ዝሓፍሩ፡ እቶም ገበነኛታት ከይተፈልጡ ክጸንሑ ክኢሎም’ዮም። ቢቢሲ ንኣዋርሕ ፈላጢ-ውሽጢ ድሕሪ ምእላሽ፡ ኣብ ሓደ ልቓሕ ዘምልስ ማእከል ዝሰርሐ መንእሰይ ክረክብ ክኢሉ።

ሮሃን - ትኽክለኛ ስሙ ዘይኮነ - በቲ ዝረኣዮ ግህሰት ከም ዝተሸገረ ነጊሩና። ብዙሓት ዓማዊል ነቢዖም፡ ገሊኦም ድማ ነብሶም ከም ዝቐትሉ ተዛሪቦም ይብል። "ምሉእ ለይቲ ይርብሸኒ ነይሩ" ብምባል ቢቢሲ ነቲ ምትላል ንምቅላዕ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ክሕግዝ ተሰማሚዑ።

ኣብ ክልተ ዝተፈላለያ ማእከላት ጻውዒት - ማጀስቲ ሊጋል ሰርቪስስን ኮልፍሌክስ ኮርፖሬሽንን - ስራሕ ኣመልኪቱ ድማ ንሰሙናት ብሕቡእ ፊልም እናቐረጸ ኣሕሊፉ።

ኣብ ቪድዮታቱ መንእሰያት ወከልቲ ንዓማዊል ከፈራርሑ ተቐሪጾም። ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ዓሚል ምስ ዘመዳ ጾታዊ ርክብ ከም ዝፈጸመ ትኸስሶ እሞ፡ ቴለፎን ምስ ዓጸወ ትስሕቕ። ካልእ ድማ እቲ ዓሚል ነቲ ልቓሕ ንምምላስ ንኣዲኡ ፋይቶ ከስርሓ ከም ዘለዎ ይእምት።

ሮሃን ልዕሊ 100 ፍጻመታት ምግፋዕን ግህሰትን ብምቕራጽ ነዚ ስርዓታዊ ምጭብርባር ንመጀመርታ ግዜ ብካሜራ ሰኒዱ።

እቲ ዝኸፍአ ግህሰት ኣብታ ካብ ደልሂ ቁሩብ ወጻኢ ኢላ እትርከብ ኮልፍሌክስ ኮርፖሬሽን እዩ ተፈጺሙ። ኣብዚ፡ ወከልቲ ንዓማዊል ንምውራድን ንምፍርራሕን ብስሩዕ ጽዩፍ ቋንቋ ይጥቀሙ ነይሮም።

ቪሻል ቻውራስያ ብዝበሃልን ካልኦትን ኣካየድቲ ስራሕ ዝምርሑን ቁጽጽር ዝግበረሎምን’ዮም።

ብቻውራስያ ምስተኣመነ፡ ሮሃን ምስ ረኸበ ምስ ሓደ ኣውፋሪ መሲሉ ዝቐረበ ጋዜጠኛ ብምዃን ምስቲ ኣካያዲ ስራሕ ተራኺቦም፤ እቲ ምትላል ብኸመይ ከም ዝፍጸም ድማ ብልክዕ ክገልጸሎም ሓቲቶም።

ቻውራስያ፡ ሓደ ዓሚል ልቓሕ ክወስድ ከሎ፡ እቲ መተግበሪ ካብ ሞባይሉ ሓበሬታ ንክእክቡ ከም ዝሕግዞም ገሊጹ።

ኮልፍሌክስ ኮርፖሬሽን ነቲ ገንዘብ ንምምላስ ይቑጸር - እቲ ዓሚል ክፍሊት እንተዘይከፊሉ እቲ ኩባንያ ምፍርራሕ ይጅምር፡ ድሕሪኡ ድማ ምስ ርክባቱ ይቕጽሉ።

ቻውራስያ፡ ዓማዊል ክሳዕ ዝኸፍሉ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ኩባንያ ድሌቶም ክዛረቡ ከም ዝኽእሉ ነጊርዎም’ዩ።

"ድሕሪኡ ውርደት ዝፈርሐ ዓሚል ልቓሑ ይኸፍል" ይብል። "ኣብ ዝርዝር ርክባቱ እንተወሓደ ሓደ ንህይወቱ ከዕንው ዝኽእል ሰብ ትረክብ ኢኻ።"

ብድሕሪኡ ንቻውራስያ ብቐጥታ ቀሪቦም ርእይቶ ክህብ ሓቲቶምዎ፡ ንሱ ግን ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን።

ንኮልፍሌክስ ኮርፖሬሽን ንምርካብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ኣይሰመረን።