ሓለፍቲ ክልል ትግራይ 'ንግምገማ' ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ተኣኪቦም ኣለዉ

ሓለፍቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ዛዕባ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንዝሰርሖ ስርሓት ንምግምጋም ኣብ ኣራት ኪሎ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቦም ይዝትዩ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር ብስእሊ ዝተሰነየ ሓበሬታ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ዝተመስረተሉ “ዝተገበሩ ስርሓት ብዕምቈት ክግምግሙ ጀሚሮም ኣለዉ” ይብል።

እቲ ቤት ጽሕፈት ኣተሓሒዙ እዚ ግምገማ ድሕሪ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኵናት “ዳግመ ህንጻን ንኣፈጻጽማ ውዕል ሰላምን ዘተኮረ’ዩ” ኢሉ።

ኣብቲ ኣኼባ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፡ ኣቦ ወንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝርከብዎም ከምኡ'ውን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራልን ወከልቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ተረኺቦም ኣለዉ።

ኣብ እዋን እቲ ኵናት ንሓይልታት ትግራይ ዝመርሑ ዝነበሩ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደን ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን’ውን ኣብቲ ግምገማ ይሳተፉ ኣለዉ።

ሚኒስተር ፍትሒ ዶክተር ጌድዮን ጢሞትዮስን ትማሊ ሓላፊ ሃገራዊ ስለያን ድሕነትን ኢትዮጵያ ኰይኑ ዝተሾመ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ገለ ካብቶም ንመንግስቲ ፈደራል ወኪሎም ኣብቲ ግምገም ዝሳተፉ ዘለዉ ሓለፍቲ’ዮም።

ብመሰረት'ቲ ተዋሂቡ ዘሎ ሓጺር መግለጺ፡ እዚ ኣገዳሲ ዝተባህለ ገምጋም ሓላፍነት ዘለዎም ተዋሳእቲ ፈደራልን ክልልን፡ ኣብ ኵነታት ድሕረ ግጭት ዳግመ ህንጸትን ትግባረ ስምምዕ ሰላምን ዘተኮረ እዩ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጉዳይ ትግባረ ውዕል ፕሪቶሪያ በብወገኖም ምኽንያታት ዝበልዎም ነጥብታት ከቕርቡ ክስምዑ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ብኸምቲ ዝግብኦ ከምዘይተሳለጥን ከምዝተደናጐየን ግን ክልቲኦም ይኣምኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ነዊሕ ኣኼባ ተጸሚዱ ዝወርሐ ህወሓት፡ ኣብ ሰነድ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝሰፈሩ ዓንቀጻት፡ እቲ ውዕል ዘስፈሮ ሕገመንግስቲ መሰረት ዝገበረ ጉዳይ ምኽባር ግዝኣታዊ ሓድነት ክልል ትግራይ፣ ምውጻእ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ካብቲ ክልል፡ ምምላስ ተመዛበልቲን ካልእን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መግለጺ ኣውጺኡ ምንባሩ ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ “ስምምዕ ፕሪቶሪያ ልዕሊ ዝዀነ ግብራዊ ምላሽ ይደሊ” ብዝብል ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሳዊ መግለጺ፡ ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለን፡ ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝተገትአት ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ገበን ስጕምቲ ከም ዝወሰደ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ኣከራኻሪ ግዝኣታት ምዕራብ ትግራይ ህዝበ ውሳነ ንኽፍታሕ ብክልቲኡ ክልላት - ትግራይን ኣምሓራን - ምርድዳእ ከም ዝተበጽሐን፤ ብዙሓት ተመዛበልቲ'ውን ናብ መረበቶም ከምዝተመልሱን ኣመልኪቱ ነይሩ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግን፡ ነዚ መግለጺ መንግስቲ ፈደራል 'ካብ ሓቂ ዝረሓቐ' ብምባል ነጺጉ እዩ።

እዚ እናዀነ ግን፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብኣጋ ክስዕብ ዝግባኦ ዝነበረ ብኩራት ፖለቲካዊ ዘተ ክልቲኦም ወገናት ከም ሓደ ጠንቂ ንዘይምፍታሕን ምጕታትን ግብራዊ ሕቶታት ኰይኑ ምጽንሑ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ገምጋማዊ ዘተ ድማ፡ ክቐርቡ ንዝጸንሑ ኣከራኸርቲ ዛዕባታት ንምፍታሕ ደራኺ ተራ ክህልዎ ከም ዝኽእል፡ ብኣጋኡ ብእወታ ተገምጊሙ ኣሎ።