እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ፡ '30 ዕጡቓት ኣልሸባብ’ ብመጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝቐተለት ኣፍሊጣ
መንግስቲ ሶማልያ ኣንጻር ዕጡቓት ኣልሸባብ ንዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ንምድጋፍ፡ ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ 30 ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ከምዝተቐትሉ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ካብ ሞቓድሾ - ርእሰ ከተማ ሶማልያ፡ ንሰሜናዊ ምብራቕ 260 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከባቢ ከተማ ጋልካድ እዩ ተፈጺሙ።
ሓይልታት መንግስቲ ሶማልያን ዕጡቓት ኣልሸባብን ካብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣትሒዞም፡ ነታ ከተማ ንምቍጽጻር ክዋግኡ ጸኒሖም እዮም።
ኣብዚ ውግእ፡ ሓይልታት መንግስቲ ብልዕሊ 100 ዕጡቓት ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ምስ ወረዶም ግን፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ትማሊ ዓርቢ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከም ዝፈነወ፡ ወተሃደራዊ እዚ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።
ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ከተማ ጋልካድ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ 7 ወተሃደራት መንግስቲ ከም ዝቐተሉ፤ በቲ መጥቃዕቲ ኣየር ድማ ሓያሎ ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉን ሚኒስትሪ ዜና ሶማልያ ሓቢሩ።
ኣልሸባብ፡ ኣብ ሶማልያ እስላማዊ መንግስቲ ንምቛም ዓሊሙ፡ ቅድሚ 15 ዓመታት ኣንጻር’ቲ ብኲናት ሓድሕድ ዝተዳኸመ ማእከላይ መንግስቲ ምንቅስቓስ ዝጀመረ ዕጡቕ ጕጅለ እዩ።
እቲ ጕጅለ ካብ ከባቢ ሞቓድሾ ብሓይሊ ተደፊኡ ክርሕቕ’ኳ እንተተገብረ፡ ኣብ ወተሃደራውን ሲቪላውን ከባቢታት ከቢድ ጉድኣት ዘውረደ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲታት ይቕጽል ኣሎ።
ወተሃደራት መንግስትን ምልሻታት ቀቢላታትን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣንጻር እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ብዘካየድዎ ሓባራዊ መጥቃዕቲታት እቲ ጉጅለ ካብ ሓያሎ ቦታታት ተደፊኡ እዩ።
ሰራዊት መንግስትን፡ ምልሻ ከባቢን ንወደባዊት ከተማ ሃራርደር ከምዝተቘጻጸሩ፡ መንግስቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
እታ ከተማ ካብ 2010 [ኣ.ኣ] ኣትሒዙ ንዝተፈላለዩ ቀረባት ኣልሸባብ ቀንዲ መናሃርያ ኰይና ምጽንሓ ይንገር።
ኣብቲ ብሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ኣብ ከባቢ ጋልካርድ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሰለስተ መካይን ኣልሸባብ ከም ዝዓነዋ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ዝወጸ ጸብጻብ ወተሃደራዊ እዚ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ የመልክት።
እቲ ጸብጻብ ኣተሓሒዙ፡ በቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ "ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝዀነ ጉድኣት ወይ ሞት ከምዘየለ" ኣመልኪቱ። ይዅን'ምበር ብዛዕባ’ዚ ደብዳብ ነፈርቲ ዝገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ፡ ዛጊት ብናጻ ወገን ዝተባህለ የለን።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ ኣብ መግለጺኡ፡ "ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ነቶም መሻርኽቲ ‘ቲ ዝዓበየን ሓደገኛን ጕጅለ ኣልቓዒዳ ዝዀኑ ዕጡቓት ኣልሸባብ ንምስዓር ንዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት ሶማልያ ዘድሊ ስልጠና፡ ምኽርን ንዋታዊ ደገፍን ምሃብ ክቕጽል'ዩ" ኢሉ።