እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ ሃለዋት ሃንዳሲ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ንዝሓበረ 10 ሚልዮን ዶላር ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ
ኣሜሪካ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ከተማ ናይሮቢ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምውዳብ ንእትኸሶ ማሕሙድ ኣብዲ ዓደን ዝምልከት ሓበሬታ ንዘቐበለ 10 ሚልዮን ዶላር ዓስቢ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ።
ማሕሙድ ኣብዲ ዓደን ዋና ሃንዳሲ ናይቲ ኣብ 2019 ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ሓደ ሆቴልን ኣብያተ ጽሕፈትን ዝተፈጸመን ሞት 22 ሰባት ዘስዓበን መጥቃዕቲ ምዃኑ ዝኽሰስ እዩ።
ኣብ ሶማልያ ዝመደበሩ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ሓላፍነት እቲ መጥቃዕቲ ምውሳዱ ዝዝከር እዩ።
ማሕሙድ ኣብዲ ዓደን ምስ ካልኦት ጥርጡራት ኣባላት እቲ ጉጅለ ይእለሽ ከም ዘሎ መግለጺ ኣሜሪካ ይሕብር።
እቲ ዓስቢ ብምትሕብባር ሰብ መዚ ኬንያ ዝወሃብ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈላለየ ግደ ከምዝነበሮም ዝተኸሰሱ ብርክት ዝበሉ ሰባት ተኣሲሮም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም እዮም። ዛጊት ግና ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር ፍርዲ ዝተዋሃቦ የለን።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን፡ ኣሜሪካ ንመራሒ ኣልሸባብ ጨንፈር ኬንያ፡ ማዓሊም ኣይማን ዝምልከት ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ 10 ሚልዮን ክትከፍል ምዃና ኣፍሊጣ ኔራ።
ማዓሊም ኣይማን ነቲ ምስ ሶማልያ ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ኣብ ልዕሊ መዓስከር ሓይልታት ኬንያን ኣሜሪካን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እጃም ኔርዎ ብዝብል እዩ ዝድለ።
ኣሜሪካ ኣብቲ ኬንያ ኣንጻር ግብረሽበራ እተካይዶ ኲናት ቀንዲ መሻርኽታ እያ።
ኣፍሪቃዊ ሕብረት ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ንምድምሳስ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽአ ሰራዊት ኣብ 2011 ናብ ሶማልያ ምልኣኹ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኬንያ ከም ኣካል ናይዚ ሰራዊታ ብምልኣኻ ከምዝተቖጥዐ ዝገልጽ ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ኬንያ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ፈጺሙ እዩ።