እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብኣሜሪካ ዝምወል 'በርቃዊ' ብርጌድ ሶማልያ
ኣጋ ወጋሕታ እዩ፤ ነፍሲ ወከፈን ከም ቅንፍዝ ዝኣሾኻ ሰለስተ ፒክኣፕ መካይን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ብኸቢድ ዝዓጠቑ ወተሃደራት ጽዒነን ነቲ ኣብ ማእከላይ ሶማልያ ኣብ ዝርከብ በረኻታት ሰንጢቐን ይሕንበባ ኣለዋ።
መራሒ ናይታ ማእኸለይቲ መኪና ኣብ ልዕሊ መዘወሪኡ ንቕድሚት ተደፊኡ ካብቲ እሾኽ ዝበዝሖ ቁጥቋጥ ከምልጥ ማርሻ ድሕሪ ምቕያር ፍሽኽ እናበለ፡ ካብቶም እግሮም ኣብ ልዕሊ ጎድኒ እታ መኪና ዘንጠልጠሉ ብጾቱ ዝወደቐ ከምዘየለ ብጎኒ መስትያት ኣረጋጊጹ።
"ቀዳማይ ስራሕና ምእታው'ዩ" ይብል ሓደ መንእሰይ ሌተናል፡ ኣብ መንበር ተሳፈርቲ ኮፍ ኢሉ፡ ኣብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ገጠራት፡ ምልክታት ድብያ ወይ ድማ እቲ ብዙሕ ግዜ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ዝጥቀመሉ ናውቲ ምፍንጃር ከይህሉ እናመርመረ።
እዞም ብሉጻት ወተሃደራት ሃገራዊ ሰራዊት፡ ኣባላት ናይቲ ብኣሜሪካ ዝምወልን ዝሰልጠነን ዳናብ - ማለት "በርቃዊ" - ብርጌድ ኮማንዶ ኮይኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ሰፊሕ ምልዕዓል ኣንጻር ኣልሸባብ ማእከላይ ተራ ተጻዊቶም እዮም። እዚ ድማ እቶም ዕጡቓት ካብ ኣብ ማእከል ሶማልያ ዝርከባ ዓሰርተታት ከተማታትን ቁሸታትን ክወጹ ገይሩ እዩ።
እቲ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ዓወት ናይቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ዋላ’ውን ሚልዮናት ምስ ኣዕናዊ ድርቂ ኣብ ዝቃለሱሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ማዕበል ተስፋ ኣለዓዒሉ’ሎ።
"እዚ ንዓመታት ካብ ዝተሰምዓኒ እቲ ዝያዳ ተስፋ ዝህብ'ዩ። ኣንጻር ኣልሸባብ ዓወት ስለ ዝጠዓምና፡ ነዞም ስርሒታት ደው ከብሎ ዝኽእል ነገር የለን። ክስዓሩ ከምዝኽእሉ ርኢና ኢና፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ህዝቢ ሶማልያ ነቒሑ'ሎ" ይብል ማሊክ ዓብዳላ። ንሱ፡ ኣብቲ ዝበዝሕ ውግእ ዝተኻየደሉ ዞባ ሂራን፡ ኣባል ባይቶ እቲ ከባቢ እዩ።
ቁጡዕ ጽልኢ
ድሕሪ ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ ሓያል ጉዕዞ፡ እቲ ቃፍላይ ኣብ ወሰን ሓንቲ ቡኩረ እትበሃል ንእሽቶ ከተማ በጺሑ፡ ወተሃደራት ሻድሻይ ቦጦሎኒ ዳናብ ድማ ካብ መካይኖም ዘሊሎም ወሪዶም።
ስጡማት፡ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎም፡ ብረቶም ብግቡእ ዝጥቀሙን ኣብ ጉዕዞ ሸኽሚ ዘየብዝሑን እዮም። ቃል ከይተዛረቡ ነታ ናብቲ ክፍለ ሰራዊትን ዞባ ግጭትን ንምእታው ሳሕቲ ዝወሃብ ፍቓድ ዝረኸበት ሰለስተ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ዝሓቖፈት ጉጅለ ይሕልዉ።
"ወረ ብቕልጡፍ’ዩ ዝዝርጋሕ። ኣልሸባብ ኣብዚ ከም ዘለኹም ድሮ ክፈልጥ እዩ። ስለዚ ድማ ኢና ሎሚ ቅድሚ ድብያ ምትካሎም መገዲ ምእንቲ ክንጅምር ብንግሆኡ ካብ መዓስከር ክንወጽእ ዝተገደድና" ይብል ሓላፊ መራኸቢ ሲቪልን ወተሃደራዊን ዝኾነ ኣስሊ ሃላነ።
ኣስሊ ብዕሊ ምሳና ክዛረብ ስልጣን ዝተዋህቦ እንኮ ኣባል ናይታ ኣዝያ ምስጢራዊት ክፍለ ሰራዊት እዩ።
ሰለስተ ወተሃደራት ኣብተን መካይን ተሪፎም፡ ኣብ ድሕሪ እቲ ነፍሲ ወከፍ ፒክኣፕ ዝተሰቕሉ ዘርዕድ ከበድቲ ብረት ዶሽካ ብምዃን ነቶም ዘርጠብጠብ እናበሉ ካብቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ገጠራት ዝመጽኡ ሳገምቲ ጓሶት ይከታተሉ።
ሳጅን ሃላነ ብጥቃ ዝተቓጸለ ተረፍ ሓያሎ ንኣሽቱ ድኳናት ኣናሓለፈ "ኣብዚ 60 ዕጡቓት ኣልሸባብ ቀቲልና ኢና" ብምባል፡ ነቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ነታ ከተማ ንምቁጽጻር ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውግእ የዘንቱ።
ኣብ መወዳእታ ሓያሎ ኣማኢት ዕጡቓት ካብ ቡኩረ እኳ እንተ ኣንስሓቡ፡ ብዙሓት ህንጻታት ኣቃጺሎምን ነታጒ ተጠቒሞም ብኮንክሪት ንዝተሰርሐ ግምቢ ማይ እታ ከተማ ኣዕንዮምን እዮም።
እቶም ደቂ ዓዲ፡ ነቲ እቶም ዕጡቓት ዝፈጸምዎ ተግባር ከም ቁጥዐ ዝመልኦ ጽልኢ ይትርጉምዎ።
ካድራ ፋራ ዝተባህለት ኣብቲ ከባቢ እትነብር በዓልቲ ድኳን፡ ሓደ ንድሕሪት ዝምለስ ዝነበረ ዕጡቕ ድኳና ድሕሪ ምቅጻሉ ከመይ ከምዝተኮሰላ ገሊጻ።
እቲ ሕብረተሰብ ንብዙሕ መዓልታት ብዘይ ማይ ይኹን መግቢ ተሪፉ፡ "ክሳብ ሕጂ መሰረታዊ ቀረብ የብሎምን። ኣብዚ፡ ነገራት ናይ ብሓቂ ሕማቕ እዮም" ይብል ሳጅን ሃላነ።
'ብፍርሒ ንድቅስ ነይርና'
እንተኾነ ግን፡ ኣብ ቡኩረ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ብዙሕ ካልእ ክፋላት ሶማልያ ዘሎ ስምዒት፡ እቲ ልሙድ ፍርሒን ተስፋ ምቑራጽን ኣይኮነን።
ኣብ ክንድኡስ፡ ኣብ ሳሕቲ ዝረአ ህዝባዊ ተጻብኦ፡ ዓሰርተታት ሲቪላውያን ብቪድዮ ንኽሰኣሉ ፍቓደኛታት እዮም ኔሮም፡ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ዘለዎም ጽልኢን ገለ መሰረታዊ ነገርን ተቐይሩ'ዩ ዝብል እምነትን ብግልጺ የርእዩ።
"ኣብ ትሕቲ ኣልሸባብ ምሸት ምሸት ብፍርሒ ንድቅስ ነይርና" ይብል ዓሊ ዳሂር ዋርሳመ ዝተባህለ ወዲ 48 ዓመት መራሒ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ።
"ሕጂ ግን ምስ እስልምና ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሎም ተረዲእና ኣለና። ንንጹሃት ሰባት ክጎድኡ ጸኒሖም እዮም። ሕጂ ናብዚ ከምዘይምለሱ ሚእቲ ብሚእቲ ርግጸኛታት ኢና።"
ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእምማን ካበይ'ዩ መጺኡ?
ሓደ ክፋል ናይዚ መብርሂ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ሶማልያ ዘጋጥም ዘሎ ድርቂ እዩ። እዚ ድርቂ፡ ካብ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተርኣዩ እቲ ዝኸፍአን ብዙሓት ማሕበረሰባት ኣብ ኣፍደገ ጥሜት ክርከቡ ዝገበረን እዩ።
እዚ ድማ እቶም ሰባት፡ ኣንጻር ሓደ ብምጭብርባር፡ ጉቦን መቕጻዕታዊ ግብሪ ብምንባርን ዝፍለጥ ዕጡቕ ጉጅለ ካብ ምቅዋም ሓሊፎም ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሎም ክስምዖም ገይሩ እዩ።
ካልእ ምኽንያት ግን ባህሪ ናይቲ ናዕቢ ንባዕሉ እዩ። እዚ ናዕቢ ብናይቲ ከባቢ ሓረስቶትን ዓሌታትን ዝምራሕ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብመንግስቲ፡ ሰራዊትን ፍሉያት ሓይልታትን ዝድገፍ መሰረታዊ ሰውራ እዩ።
"እዚ መቐይሮ'ዩ። ሰባት ብሓቂ ብኣል-ሸባብ ቅጭ መጺእዎም’ዩ። መንግስቲ ነዚ ዕድል [ክጥቀመሉ] እንተኽኢሉ ኣል-ሸባብ ክጠፍእ'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ" ይብል ጋዜጠኛ ነበር ኣባል ባይቶ መሓመድ ሞኣሊሙ።
መሓመድ ሞኣሊሙ፡ ካብ እቶም ዕጡቓት ዝፈጸምዎም ብዙሕ መጥቃዕትታት ብህይወት ዝተረፈ ኮይኑ ነቶም ኣብ ዞባ ሂራን ዝበዝሕ ቃልሲ ዘካይዱ ኣባላት ምልሻታት ዓሌት "ማዓዊስሊ" ንምብጻሕ ሰሙናት ኣሕሊፉ እዩ።
እዚ ህዝባዊ ናዕቢ ነቲ ንሶማልያ ናብቲ ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሐ ግጭትን ስርዓት ኣልቦነትን ዘእተወ ብዕምቆት ዝተሰረተ ምፍልላይ ዓሌታት ክፈትሕ ይኽእል ድዩ? ዝብል ሕቶ ግን ገና መልሲ ኣይረኸበን ዘሎ።
ድሮ ኣብ ገለ ክፋላት ናይቲ ጽንኩር ፌደራላዊ ስርዓት እታ ሃገር ዝርከቡ ሓያላት መራሕቲ፡ ብዛዕባ ተወፋይነትን ብቕዓትን ማእከላይ መንግስቲ ከምዝጠራጠሩ፡ ነቲ ገና ክፈርስ ዝኽእል ናዕቢ ክድግፉ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑን እዚ ድማ ዝያዳ ነቶም ዕጡቓት ክቃልዑ ከምዝገብሮምን ምልክታት ይርኣዩ ኣለዉ።
"እቲ ስትራተጂ ይሰርሕ ኣሎ" ዝብል ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ፕረዚደንት ሶማልያ ሑሴን ሸኽ-ዓሊ፡ እቶም ፈሪሖም ዘለዉ ፖለቲከኛታት ኣብ ቀረባ እዋን ነቲ ናዕቢ ክድግፉ ምዃኖም ኣተንቢሁ’ሎ።
"ጸረ ኣልሸባብ ዝኾነ ስምዒት ኣዝዩ ተፈታዊ ስለዝኾነ፡ ፖለቲከኛታት ንፌደራል መንግስቲ ክዕንቅፉ ወይ ክፈታተኑ ክረኣዩ ኣይደልዩን" ይብል ሚስተር ሸኽ-ዓሊ።
' ሕያዎት ወገናት'
ብርግጽ እዚ ንሶማልያ ናብ ዘይርጉጽ ኩነታት ዘእተዋ ውህደት ድርቅን ግጭትን፡ እቲ ማእከላይ መንግስቲ እቶም ዕጡቓት ኣብ ሰፊሕ ክፋል ገጠራት ንዘለዎም ምቁጽጻር ንክብድህ ሳሕቲ ዘጋጥም ዕድል ኣቕሪቡሉ እዩ።
ብርጌድ ዳናብ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ካብ ኣስታት 1,500 ወተሃደራት ናብ ልዕሊ ዕጽፊ ክዓቢ፡ ኣሜሪካ ድማ ዝያዳ ምወላ ክትህብን ዝያዳ ወተሃደራዊ ደገፍ ክትገብርን ትጽቢት ይግበር።
"ኣሜሪካ? እቶም ሕያዎት ወገናት'ዮም። [ኣብ ውግእ ቡኩረ] ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሓጊዞምና እዮም። ኣነ ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣንጻር ኣልሸባብ ውግኣት ተሳቲፈ ኣለኹ፡ ሕጂ ድማ ክንዋጋእ ከም እንደሊ ምስ ረኣዩ ይጎዩ ኣለዉ" ይብል ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ላዕለዋይ መኮንን ክፍለ ሰራዊት ዳናብ።
ብዛዕባ እቲ ኣንጻር እቶም ዕጡቓት ዝተኻየደ ሰፊሕ ናዕቢ ክዛረብ ከሎ ግን ዝያዳ ጥንቁቕ እዩ ነይሩ፡ "ኣብ መንጎ ዓሌታት" ዝያዳ ዕግርግር ክፈጥር ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ነይርዎ።