ኢራን፡ እስራኤል ሕነ ክትፈዲ ከይትፍትን ኣጠንቂቓ

ኢራን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መሬት እስራኤል እትገብሮ ዘላ ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ፡ እታ ሃገር ዝዀነ ግብረመልሲ ክትህብ ከይትፍትን ክትብል ደጊማ ኣጠንቂቓ። ምላሽ እንተሂባ ድማ ውጽኢቱ ዝኸፍአ ክኸውን እዩ ክትብል ተሓንያ።

ሓላፊ ዕጡቕ ሓይልታት ኢራን ሜጀር ጀነራል መሓመድ ባገሪ ንመንግስታዊ ተሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ሕነ እንተፈድያ፡ ምላሽ ኢራን ካብቲ ኣብ ሓደ ለይቲ ዝተፈጸመ ድብደባ "ኣዝዩ ዝኸፍአ" ክኸውን'ዩ ከምዝበለ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ኢራን፡ እስራኤል ሕነ ንክትፈዲ ድጋፍ እንተተገይሩላ ድማ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ከምዘስዕብ እውን ንዋሽንግተን ኣጠንቂቓ ኣላ።

ተልእኾ ኢራን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲሙ፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 51፡ ኣብ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ንርእሰ ምክልኻል ዝምልከት ድንጋገ ብምጥቃስ፡ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዘካየደቶ ዋሕዚ "እዚ ጉዳይ... ከም ዝተዛዘመ" ከም ዝቘጽሮን እስራኤላዊ "ካልእ ጌጋ" ከይፍጸም'ውን ኣጠንቂቑ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብወገኑ ዝዀነ ተወሳኺ ስግኣታት ንምምካት ድሉው ምዃኑ እዩ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ፡ ኣቐዲሙ እስራኤል 99 ሚእታዊት ካብቲ ብኢራን ዝተወንጨፈ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከምዝዓገተቶ ኣረጋጊጹ’ዩ።

"እቲ ኵነታት ቀጻሊ'ዩ፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ድማ ካብ ኢራን ዝመጽእ ተወሳኺ ስግኣታት ንምምካት ድሉው'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ሰራዊት እስራኤል፡ ፈረንሳ ካብተን መጥቃዕቲ ኢራን ንምክልኻል ዝነጥፋ ሃገራት ከምዝነበረት እውን ገሊጹ ኣሎ። ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ዮርዳኖስን እውን ኣብቲ ጻዕሪ ሓጊዘን እየን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መራሕቲ ጕጅለ ሸውዓተ - ጂ7 - “ዘይግቡእ መጥቃዕቲ” ብምባል ንስጕምቲ ኢራን ኰኒኖም ኣለዉ።

መራሕቲ G7 'ዘይግቡእ መጥቃዕቲ' ብኽብደት ኮኒኖም።

ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ፕረዚደንት ባይደን ኣኼባ መራሕቲ G7 ከምዘአንግድ ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ነቲ "ሸለልትነት ዝተመልኦ መጥቃዕቲ" ብዕቱብ ብምዅናን፡ ወጥሪ ዘጋድድን እቲ ዞባ ናብ ዘይምርግጋእ ንኽኣቱ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን እዩ ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ስተፈን ስጆርን፡ ሰብመዚ ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ካብቶም ንመጥቃዕቲ ኢራን ዝዀነኑ እዮም።