ሬሳ ክልተ ጸለምቲ ደቀንስትዮ ብሓሰማታት ዘብልዑ ክልተ ጸዓዱ ንቤትፍርዲ ዝሃቡዎ ቃል

ሓደ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሰራሕተኛ ሕርሻ፡ ብኸመይ ክልተ ጸለምቲ ደቀንስትዮ ብጥይት ምስ ተቐትላ ሬሳአን ንሓሰማታት ክምግቦም ብሓላፊኡ ከም ዝተገደደ ንቤትፍርዲ ኣብሪሁ።
ወዲ 21 ዓመት ኣድሪያን ደ ዌት፡ "ሓሰማታት ምስ ጠመዩ ዝዀነ ነገር እዮም ዝበልዑ፡" ብምባል፡ እቲ ሬሳታት ኣብ ውሽጢ ሕዙእ ቦታ ሓሸማ ክድርብዮ ከም ዝተነግሮ ገሊጹ።
ምስ ሓላፊኡ ብምዃን ናብ ክልተአን ደቀንስትዮ ተዅሲ ከም ዝኸፈተ ተኣሚኑ። ብድሕሪኡ፡ ሓላፊኡ ዛካርያ ጆሃነስ ኦሊቨር ንሬሳአን ክኣልዮ ኣዚዙዎ።
ኦሊቨርን ካልእ ዊልያም ሙሶራን ዝተባህለ ውልቀሰብን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰሜናዊ ዞባ ሊምፖፖ፡ ጓል 45 ዓመት ማርያ ማክጋቶ ከምኡ'ውን ጓል 34 ዓመት ሉቺያ ንድሎቩ ኣብ ጥቓ ፖሎክዋነ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ መግቢ እናደለያ እንከለዋ ብምቕታለን ይኽሰሱ።
ተቘጻጻሪ እቲ ሕርሻ ሚስተር ደ ዌት እውን ቅድሚ ሕጂ ብቕትለት ተኸሲሱ እኳ እንተ ነበረ፡ ምስክር መንግስቲ ምስ ተቐየረ ግን እቲ ክሲ ብዓቃቢ ሕጊ ውድቂ ኰይኑ። ነቶም ሬሳታት ናብቲ ንሓሰማታት ዝተሓጽረ ቦታ ክድርብዮም እንከሎ ድማ ብኣስገዳድ ከም ዝነበረ ኣብቲ ቤትፍርዲ ተኻቲዑ።
ደ ዌት፡ ብሓሙስ ንላዕለዋይ ቤትፍርዲ ፖሎክዋነ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንሱን ወዲ 60 ዓመት ኦሊቨርን፡ ናይ ሃድን ጠበንጃታት ተዓጢቖም፡ ብ17 ነሓሰ 2024 ምሸት፡ ደረት ጥሒሶም ናብቲ ሕርሻ ክሳብ ዝኣትዉ ይጽበዩ ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።
ን30 ደቓይቕ ድሕሪ ምጽባይ ድምጺ ሰባት ከም ዝሰምዑን ናብ ኣንፈት ናይቲ ዝነበርሉ ይመጽእ ከም ዝነበረን ተዛሪቡ።
ብድሕሪኡ ተዅሲ ከፊቶም ሓደ ሰብ ከእዊ ሰሚዖም፤ ነቲ ከባቢ ቅድሚ ምፍታሾም ድማ ገጹ ንታሕቲ ዝተደፍአ ሰብ ወዲቑ ከም ዝረኸቡ ተዛሪቡ።
ካብቲ ከባቢ ወጺኦም ድሕሪ ምኻዶም፡ ንጽባሒቱ ንግሆ ተመሊሶም ሬሳ ሓንቲ ሰበይቲ ኰይኑ ረኸብዎ።
ደ ዌት፡ ሚስተር ኦሊቨር ነቲ ሬሳ ኣብ ውሽጢ እቲ ካብ ሸሞንተ ክሳብ ዓሰርተ ዓበይቲ ሓሰማታት ዝዕቀብሉ ዝተሓጽረ ቦታ ክድርብዮ ክሕግዞ ከም ዝሓተቶ ገሊጹ።
ንጽባሒቱ ካብቲ ቀዳማይ ኣስክሬን ዝተረኽበሉ ቦታ ኣስታት 25 ሜትሮ ርሒቑ ካልእ ሬሳ ተረኺቡ።
ድሕሪኡ ሚስተር ኦሊቨር፡ ደ ዌትን ወዲ 50 ዓመት ሚስተር ሙሶራን ነቲ ካልኣይ ሬሳ ናብ ውሽጢ እቲ ሓሰማታት ዝርከብሉ ቦታ ከም ዝደርበዩዎ ይንገር።
ኣብታ ዝቐጸለት ሰሉስ ናብቲ ቦታ ተመሊሶም እቶም ሓሰማታት ንስጋ እተን ደቀንስትዮ ከም ዝበልዑዎ ተዓዚቦም።
ኣብ ቤትፍርዲ ከም ምስክር ዝቐረቡ ኣሳእል፡ ምዕጕርቲ፡ ገጽ፡ ሰለፍን ኣብራኽን ጐዲሎም የርእዩ።
ዓቃቢ ሕጊ እታ ግዝኣት ጠበቓ ጆርጅ ሰኩኩነ፡ ንሚስተር ደ ዌት ዕላማ ናይቲ ሬሳታት ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተሓጽረ ቦታ ሓሰማታት ምቕማጥ እንታይ ምዃኑ ሓቲትዎ።
ንሱ ድማ፡ "ሓሰማታት ልዕሊ ዓቐን ምስ ጠመዩ ዝዀነ ነገር ክበልዑ ስለ ዝኽእሉ፡ ነቲ መርትዖታት ኢና ንድርብዮ ነይርና፡" ክብል መሊሱ።
ደ ዌት ብተወሳኺ፡ ሚስተር ኦሊቨር ነቶም ናይ ሃድን ጠበንጃታት ቈሪጹ ነቲ ዕንጨይቲ ናይቲ ሽጕጥ ከም ዘቃጸሎ ገሊጹ። ብድሕሪኡ ነቲ ዝተቘርጸ ኣጽዋር ሓዊሱ ነቲ ዝወደቐ ዓረር ኣብ ውሽጢ ናይ ማይ ጕድጓድ ደርብዩዎ ኢሉ።
ወዲ ግዳይ ሚስ ማክጋቶ ኣብ ቤትፍርዲ ብተደጋጋሚ ክበኪ እንከሎ፡ ሚስተር ኦሊቨር ድማ ደ ዌት መርትዖኡ ክህብ እንከሎ ንብዓቱ ክሕብስ ተራእዩ።
እዚ ጉዳይ ኣብ መላእ ደቡብ ኣፍሪቃ ቍጥዐ ፈጢሩ። እዚ ብፍላይ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር ዋላ እኳ ቅድሚ 30 ዓመት ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ እንተ ኣብቅዐ፡ ኣብ መንጎ ጸለምትን ጸዓዱን እታ ሃገር ዘሎ ዓሌታዊ ወጥሪ ኣጋዲዱ ኣሎ።
መብዛሕትኡ ናይ ብሕቲ ናይ ሕርሻ መሬት ኣብ ኢድ ውሑዳት ጸዓዱ ክቕጽል እንከሎ፡ መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት ሕርሻን ጸለምትን ትሑት ደሞዝ እዩ ዝኽፈሎም።
እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ልዑል ዘይዕግበት ይፈጥር ኣሎ፤ ብዙሓት ጸዓዱ ሓረስቶት ድማ ልዑል መጠን ገበን ከም ዘሎ የማርሩ።
ብጠበቓታት ኦሊቨርን ሚስተር ሙሶራን ዝግበር መስቀላዊ መርመራ ዝመጽእ ረቡዕ ክጅምር እዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







