መልከፍቲ ኤችኣይቪ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ዝላብዓላ ዘሎ ሃገር፡ ጠንቁኸ እንታይ እዩ?

መርፍእ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓሰርተ! እዚ ዕድመ ናይቲ ሰሰኒየሊ ናይታላ፡ ካብ መንጐ ዝረኸበቶም ብዕድመ ዝነኣሰ ኤችኣይቪ ዘለዎ ሰብ እዩ።

ንመጀመርታ ግዜ፡ ኣብ 2013 መርበብ ተጣባቒ ሰርቫይቨር ፊጂ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን፡ እቲ ቈልዓ ገና ኣይተወልደን ነይሩ።

ሕጂ ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት በቲ ብደም ዝመሓላለፍ ቫይረስ ዝተለኽፉ ኣሽሓት ሰባት እዩ - ብዙሓት ዕድሚኦም 19 ዓመትን ትሕቲኡን፡ ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ብመርፍእ ናብ ሰራውር ደም ዝኣቱ ሓሽሽ ዝጥቀሙ እዮም።

"ዝያዳ መንእሰያት ሓሽሽ ይጥቀሙ ኣለዉ። (ንሱ) ሓደ ካብቶም ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ ኣብ ጽርግያ መርፍእ ዝካፈሉ ዝነበሩ መንእሰያት እዩ ነይሩ፡" ትብል።

እታ ኣብ ደቡብ ፓስፊክ እትርከብ ሃገር፡ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ እዩ ዘለዋ። ንእሽቶ ሃገር እያ፤ ግን ድማ ኣብ ዓለምና፡ ሓንቲ ካብተን ብቕልጡፍ ለበዳ ኤችኣይቪ ዝርኣየላ ኰይና ኣላ።

እታ ሃገር እቲኣ፡ ፊጂ ትብሃል።

ኣብ 2014 ኣብታ ሃገር ትሕቲ 500 ሰባት ምስ ኤችኣይቪ ይነብሩ ነይሮም። ኣብ 2024 እቲ ኣሃዝ ናብ ኣስታት 5,900 ደይቡ - እዚ ድማ ዓሰርተ ሓደ ዕጽፊ ወሰኽ ዘርኣየ እዩ።

ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ፊጂ 1,583 ሓደስቲ መልከፍቲ ኣመዝጊባ - እዚ ድማ ካብቲ ልሙድ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ማእከላይ ደረጃ ብዓሰርተ ሰለስተ ዕጽፊ ወሰኽ ኣርእዩ።

ካብዚኦም እቶም 41 ዕድሚኦም፡ 15 ዓመትን ትሕቲኡን ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብ 2023፡ 11 ጥራይ እዮም ነይሮም።

እቲ ናታላ እትሰርሓሉ ትካል ድማ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ፊጂ ሱቫ፡ ንሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብን ተጠቀምቲ ዕጸ-ፋርስን ደገፍ ይህብ።

ከምዚ ዓይነት ኣሃዛት ሚኒስተር ኣገልግሎት ጥዕናን ሕክምናን እታ ሃገር፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ለበዳ ኤችኣይቪ ክእውጅ ምኽንያት ኰይኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓጋዚት ሚኒስተር ጥዕና ፔኒዮኒ ራቩናዋ፡ ፊጂ ኣብ መወዳእታ 2025 ልዕሊ 3000 ሓደስቲ ሕሙማት ኤችኣይቪ ክትምዝግብ ከም እትኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

"እዚ ሃገራዊ ቅልውላው'ዩ"።

ቢቢሲ ንብዙሓት ክኢላታት፡ ተጣበቕትን ሰራሕተኛታትን ብዛዕባ ምኽንያታት ከምዚ ዝኣመሰለ ወሰኽ ቁጽሪ ሕሙማት ኣዘራሪቡ።

ሓያሎ ሰባት፡ ኣብ ዙርያ ዝርግሐን ተነጽሎን ኤችኣይቪ ዝነበረ ግንዛበ እናነከየን ምስ ከደ፡ ዝያዳ ሰባት ደፊሮም መጺኦም መርመራ ክገብሩ ከም ዝጸንሑ ኣመልኪቶም።

ማዕረ ማዕሪኡ ግን፡ ማእለያ ዘይብሎም ካልኦት ብወግዓዊ ኣሃዛት ዘይተፈልጡ እውን ምህላዎም ኣስተብሂሎም።

ሓቀኛ ዝርግሐ ናይቲ ለበዳ ድማ ካብዚ ልዑል ኣሃዛት ዝዛየደ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጹ።

'ደም ምክፋል'

ንለበዳ ኤችኣይቪ ፊጂ ዘጋድዶ ዘሎ፡ ምጥቃም ዕጸ-ፋርስ፡ ውሑስ ዘይኰነ ጾታዊ ርክብ፡ ምክፋል መርፍእን "ብሉቱዚንግን" እዮም።

ብኻልእ ኣጸዋውዓ "ሆትስፖቲንግ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓደ ተጠቃሚ ዕጸ-ፋርስ ብውሽጢ ሰራውር ደም ዝኣቱ መርፍ ድሕሪ ምጥቃሙ ምስ ደሙ ኣውጺኡ ናብ ካልኣይ ሰብ ዝወግኣሉ ልምዲ የመልክት - ድሕሪኡ ንሳልሳይ ሰብ እውን ከምኡ ክገብር ይኽእል . . .።

ፈጻሚ ዳይረክተር ናይቲ ካብ ዕጸፋርስ ነጻ ዝዀነት ፊጂ ዝተሰምየ ዘይመንግስታዊ ትካል ካሌሲ ቮላታቡ፡ እዚ ከጋጥም ርእዮም ምስክር ዓይኒ ካብ መንጐ ዝዀኑ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ሓደ ካብቲ ስሩዕ ናይ ንግሆ ንግሆ ኣብ ርእሰ ከተማ ፊጂ ሱቫ እትገብሮ ናይ እግሪ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ጐደናታት ንዝርከቡ ተጠቀምቲ ሓሽሽ ደገፍን ትምህርትን እናሃበት ከላ፡ ሓደ ኵርናዕ ተጠውያ ሸውዓተ ወይ ሸሞንተ ሰባት ዝሓቘፈት ጕጅለ ርእያ።

"እቲ ደም ዘለዎ መርፍእ ርእየዮ - ልክዕ ኣብ ቅድመይ እዩ ነይሩ" ክትብል ትዝክር።

"እታ መንእሰይ፡ ድሮ ተጠቒማ ነቲ ደም ዘለዎ መርፍእ ኣውጺኣ ንኻልኦት ደቀንስትዮ፡ ኣባጽሕ ሂባተን። ኵለን ንዕኡ ዝጽበያ ዝነበራ እየን። መርፍእ ጥራይ ኣይኰነን ዝካፈሉ ዘለዉ - ደም እውን'ዮም ዝካፈሉ ዘለዉ፡" ኢላ።

'ብሉቱዚንግ'፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ሌሶቶን - ገለ ካብተን ኣብ ዓለም ዝለዓለ ዝርግሐ ኤችኣይቪ ዘለወን ሃገራት - እውን ከም ዝተራእየ ይፍለጥ።

ኣብ ፊጂ፡ እቲ ተግባር ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ልሙድ ከም ዝዀነ ቮላታቡን ናይታላን ይገልጻ።

ሓደ ምኽንያት ናይዚ፡ ብሕሱር - ብዙሓት ሰባት ንሓንቲ መርፍእ ገዚኦም ተጠቒሞም ኣብ መንጐኦም ክካፈሉዋ ዝኽእሉ ብምዃኑ'ዩ።

ካልእ ድማ ነዚ ዅሉ እተድሊ ሓንቲ መርፍእ ጥራይ ምዃና ዝፈጠሮ ምቹእነት እዩ።

እዚ ኣብ ፊጂ ክትረኽቦም ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ፋርማሲታት ብጸቕጢ ፖሊስ መብዛሕትኡ ግዜ ንመርፍእ ዝኸውን ትእዛዝ ሓኪም ይሓታ እየን።

ሓጋዚ ሚኒስተር ጥዕና ፊጂ፡ ለበዳ ኤችኣይቪ "ሃገራዊ ቅልውላው" ኢሉዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓጋዚ ሚኒስተር ጥዕና ፊጂ፡ ለበዳ ኤችኣይቪ "ሃገራዊ ቅልውላው" ኢሉዎ

ካብዚ ሓሊፉ፡ ኤንኤስፒ ዝተባህለ፡ ተጠቀምቲ ዕጸ-ፋርስ ከም ኤችኣይቪ ዝበሉ ብደም ዝመሓላለፉ ሕማማት መልከፍቲ ንምንካይ ጽሩይን ኣብ ጥቕሚ ዘይወዓለን መርፍእን ተዛመድቲ ናውትን ብውሑድ ወይ ብዘይ ወጻኢታት ክረኽቡ ዘኽእሎም ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣሎ።

ዋላ'ኳ ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ መደባት ዘሎ ቕቡልነት እናወሰኸ እንተመጽአ፡ ኣብታ ኣዝያ ሃይማኖታውን ዓቃባውን ማሕበረሰብ ዘለዋ ሃገር ሙሉእ ንሙሉእ ንምትግባር በዳሂ ምዃኑ ተረጋጊጹ'ሎ።

ቮላታቡ፡ መርፍእ ዝወሃበሎም ቦታታት "ከቢድ ሕጽረት" ከም ዘሎን፡ እዚ ድማ ከም መርፍእ ምክፋልን ብሉቱዚንግን ዝኣመሰሉ ሓደገኛ ተግባራት ንክውስዅ ምኽንያት ይኸዉን ምህላውን ትዛረብ።

መርፍእ ከምኡ'ውን ኮንዶም ናይ ምክፍፋል ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ዘይመንግስታውያን ትካላት ከም ዝወደቐ እውን ሓቢራ።

ኣብ ነሓሰ 2024፡ ሚኒስትሪ ጥዕናን ኣገልግሎት ሕክምናን ፊጂ (MOH)፡ ብሉቱዚንግ ሓደ ካብቶም ኣብታ ሃገር ንዝውስኽ ዘሎ ቝጽሪ ሕሙማት ኤችኣይቪ ዝድርዅ ምዃኑ ኣፍልጦ ሂቡ።

ካልእ ድማ 'ኬምሴክስ' - ሰባት ቅድሚን ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብን ሓሽሽ - መብዛሕትኡ ግዜ ሜታምፌታሚን - ይጥቀሙ ምህላዎም እዩ።

ኣብ ፊጂ፡ ዘይከም መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም፡ ክሪስታል ሜት ብዓብላሊ መልክዑ ብመርፍእ ሰራውር ደም እዩ ዝውሰድ።

ብተወሳኺ እቲ ሚኒስትሪ፡ ካብቶም ኣብ ቀዳሞት ትሽዓተ ኣዋርሕ 2024 ዝተመዝገቡ 1,093 ሓደስቲ ሕሙማት፡ እቶም 223 – ኣስታት 20 ሚእታዊት – ብሰራውር ደም ብዝውሰድ ዕጸ-ፋርስ ዝተለኸፉ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

ውሉፋት ቈልዑ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፊጂ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ቀንዲ ማእከል ንግዲ ክሪስታል ሜት ፓስፊክ ኰይና ኣላ።

ዓቢ ክፋል ናይዚ ድማ፡ እታ ሃገር ኣብ መንጐ ምብራቕ ኤስያን ኣመሪካን - ኣብ ዓለም ገለ ካብ ዓበይቲ ኣፍረይቲ ናይቲ ዕጽ- ከምኡ'ውን ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን - እተን ዝለዓለ ዕዳጋ ዘለወን - ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ምህላዋ እዩ።

ኣብቲ ተመሳሳሊ እዋን፡ ሜት ናብ መላእ ማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ፈሲሱን ተዘርጊሑን። እዚ ናብ ቅልውላው ኣምሪሑ።

እዚ ማለት፡ ከምቲ ሕጂ ኤችኣይቪ፡ ኣብ ቀረባ እዋን "ሃገራዊ ህጹጽ እዋን" ተባሂሉ ዝተኣወጀሉ ደረጃ በጺሑ ነይሩ ማለት እዩ።

ዕድመ ተጠቀምቲ ድማ ናብ ኣዝዩ ዝተሓተ ዕድመ ይወርድ ኣሎ።

"ብዙሓት ንኣሽቱ ቈልዑ ንርኢ ኣለና። ዕድሚኦም እናነከየ ይመጽእ ኣሎ፡" ትብል ቮላታቡ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ፊጂ ዝተገብረ ሃገራዊ ስታቲስቲክስ ኤችኣይቪ፡ ብመርፍእ ዝውሰድ ዕጽ ምጥቃም፡ ከም ቀንዲ ምትሕልላፍ ኤችኣይቪ ምዃኑ ይጠቅስ።

እዚ ድማ 48 ሚእታዊት ካብቶም ሕሙማት ይሕዝ።

ብጾታዊ ርክብ ዘሎ ምትሕልላፍ 47 ሚእታዊት ክሕዝ እንከሎ፡ ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ካብ ኣደ ናብ ህጻን ዘሎ ምትሕልላፍ ጠንቂ መብዛሕትኦም ሕሙማት ህጻናት ምዃኑ ተጠቒሱ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኵሎም፡ ሕጽረት ትምህርቲ ቀንዲ ረቛሒ ናይቲ ለበዳ ምዃኑ ይሰማምዑ።

ቮላታቡን ናይታላን ክልቲአን ነዚ ንምቕያር ይሰርሓ ኣለዋ።

ኣብ ኒውዚላንድ ዩኒቨርሲቲ ካንተርበርይ ሓላፊ ማእከል ጸጥታ ዞባ ፓስፊክ ጆሴ ሶሳ-ሳንቶስ፡ "ፍጹም ህቦብላ ይብላዕላዕ እዩ ዘሎ፡" ይብል።

"ስክፍታ ቅልውላው ኤችኣይቪ ፊጂ ኣብ ኵሉ ደረጃታት ሕብረተሰብን መንግስትን ዘሎ እዩ፤ ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይፍጸም ኣሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሕጽረት ጸጋታት ፊጂን ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣበይ ከም ዝበጽሕን፡" ምግማቱ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ከም ዝገብሮ የረድእ።

"እቲ ናይ ደገፍ ስርዓታት - ነርሲንግ፡ እቲ ንሕክምና ኤችኣይቪ ዝኸውን መድሃኒታት ናይ ምዝርጋሕ ወይ ናይ ምርካብ ዓቕሚ - በቃ የለን። እዚ እዩ ንዓና፡ ነቶም ኣብቲ ዞባ ዝሰርሑ ሰባት ዘሸግረና፡ ፊጂ ነዚ ክትገጥሞ እትኽእለሉ መገዲ የለን።"

መንግስቲ ፊጂ ኣብ ወርሒ ጥሪ ለበዳ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ምክትታል ኤችኣይቪ ንምምሕያሽን ነቲ ክህሉ ዝኽእል ትሑት ጸብጻብ ሕሙማት ንምፍታሕ ዘለዎ ዓቕሚ ንምዕባይን ጻዕሪ ኣካይዱ።

እቲ ነዚ ደገፍ ክህብ ዝተጸውዐ ዓለማዊ መርበብ መጠንቀቕታን ምላሽን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ "ነዞም ተኣፋፊ ጕዳያት ብጽቡቕ ዝተዋደደ ሃገራዊ ምላሽ ምፍታሕ፡ ለበዳ ኤችኣይቪ ኣብ ፊጂ ኣብ ምምላስ ወሳኒ'ዩ፡" ኢሉ።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ሕጽረት ሰራሕተኛታት፡ ጕዳያት ኮሚዩኒኬሽን፡ ብድሆታት መሳርሒታት ቤተ-ፈተነን ምዕቃብ ቅልጡፍ መርመራታትን መድሃኒታትን ኤችኣይቪን፡ ኣብ መርመራ፡ ምርመራን ሕክምናን ጽልዋ ከም ዘሕድር ኣመልኪቱ።

ምእካብ መረዳእታ ዝሕቱል፡ ኣጸጋምን ንጌጋታት ዝተቓልዐን ምዃኑ ወሲዅ ይሕብር።

እዚ ድማ፡ ስፍሓት ለበዳ ኤችኣይቪ ፊጂ ንምፍላጥን ውጽኢታዊነት ምላሽ ለበዳን ንምርዳእ ዝግበር ጻዕርታት ይዕንቅፍ።

እዚ ንብዙሓት ክኢላታት፡ ሰበስልጣንን ፊጂያውያንን ኣብ መቐራቕር ይገድፎም።

ሶሳ-ሳንቶስ ድማ ገና ክመጽእ ዝኽእል ብዝሒ ሕሙማት "መደረጓሕ" እዩ ብምባል ይገልጾ።

"ኣብዚ እዋን'ዚ ንርእዮ ዘለና መጀመርታ ናይቲ መደረጓሕ'ዩ፤ ግን ደው ከተብሎ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምኽንያቱ እቶም ረኽስታት ድሮ የጋጥሙ ወይ ኣጋጢሞም ኣለዉ - በቃ ክንርእዮም ኣይንኽእልን ኢና። ሰባት ድማ ንተወሳኺ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመት መርመራ ዘይክገብሩ ይኽእሉ።

"ሕጂ፡ ነዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ቁጽሪ መልከፍቲ ይኹን ነቲ ሕጂ'ዉን ዘጋጥም ዘሎ ደው ንምባል ክንገብሮ እንኽእል ነገር የለን። እዚ'ዩ እቲ ናይ ብሓቂ ዘስካሕክሕ ነገር፡" ኢሉ።