እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ራብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025: ጆሪስ ዴልቦቭ ኣብ ዝተዓወተሉ ሄኖክ ሳልሳይ ወጺኡ
ናይ ሎሚ መድረኽ ካብ ከተማ ሩባቩ ተበጊሳ ኣብ ከተማ ካሮንጊ ትውዳእ ኮይና 95.1 ኪሎሜተር'ያ ሸፊና።
ኣብ መበል 30.8 ኪሎሜተር፡ 62.6 ኪሎሜተር ከምኡ ድማ ኣብ 84.2 ኪሎሜተር ንኣንበሳ ዓቐብ ነጥቢ ዘውህባ ሕንጻጻት ተሰሪዐን ነይረን።
ኣብ 41.8 ኪሎሜተር ከምኡ'ውን ኣብ 78 ኪሎሜተር ከኣ ናይ መንጐ ቅጽበታዊ ውድድር ተሰሪዐን።
ክሳብ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ብጫ ማልያ ብ9 ሰዓታት 57 ደቂቕንን 36 ካልኢትን ተጻዋታይ ቶታል ኢነርጂ ፋብያን ዶቢ ሒዙዋ።
ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ብጫ ማልያ ብ10 ካልኢት ድሒሩ ሓሙሻይ፤ ዩኤል ሃብተኣብ ከኣ ብ25 ካልኢት ድሒሩ ዓስራይ ተሰሪዖም፡ ኣብ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ኣባል ባይክ አይድ ቪንሰንት ዶርን ብ27 ነጥቢ፡ ዓወት ኣማን ብ18 ነጥቢ ሳልሳይ፡ ናሆም ዘርኣይ ብ8፡ ዩኤል ሃብተኣብ ብ4 ሻሙናይን ታሽዓይን።
ንትሕቲ 23 ዓመቶም ኣብ እትውሃብ ማልያ፤ ዩኡል ሃብተኣብ ብ13 ካልኢት ድሒሩ መበል ራብዓይ ኮይኑ ናብዛ መድረኽ ኣትዩ።
ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ ከኣ ዩኤል ሃብተኣብ። ብጋንታ ንዳዊት የማን ንዩኤል ሃብተኣብን ዝሓቖፈት ጀርመናዊት ባይክ አይድ ቀዳማይቲ፡ ኤርትራ ከአ ብ24 ካልኢት ድሒራ ካልኣይቲ ተሰሪዐን ነዛ ናይ ናይ ሎሚ መድረኽ ብሓያል ጸሓይ ተሰንየን ጀሚረናኣ።
ናብ ናይ ሎሚ መድረኽ ምስ እነብል፡ ጸወታ ጅምር ኣብ ዝበለሉ'ዩ ሓያለ ናይ ምምላቚ ፈተነታት ዝካየድ ነይሩ።
ናይ ሎሚ መድረኽ ሓጻር ምስ ምዃና፡ ዝዀነ ዝግበር ምምላቊ ሓደገኛ ክኸውን ከምዝኽል ዝተረድኣ ጋንታታት ንዝተፈተነ መጥቃዕቲ'የን ቀልጢፈን ዘምክነኦ ነይረን።
ንመሬት ዓዶም ከም ከብዲ እግሮም ዝፈልጥዎ ርዋንዳውያን ግን ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይውዓሉን። ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ምስ ናይ ዝሓለፈ ዙራት ብምንጽጻር ዝሓሸ ብቕዓት ሒዛ'ያ ቐሪባ ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ክትዛረበላ ትኽእል ኢኻ።
ኣብዛ መድረኽ እዚኣ'ውን እቶም ዝበዝሑ ናይ ምምላቚ ፈተነታት ዘካይዱ ዝነበሩ ርዋንዳውያን'ዮም።
ካብቶም ኣብ ቅድሚት ወጺኦም ካብ ዓባይ ጉጅለ ፍልልዮም ከግፍሑ ዝጀመሩ ሽዱሽተ ተጻወትቲ ከኣ እቶም ኣርባዕተ ርዋንዳውያን ነበሩ። ኡጋንዳዊ ኣባል ጋንታ ኣማኒ ላውረንስ ሎሮትን ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ዳኒያል ማቲውን ከኣ ምስኦም።
ጸወታ 23 ኪሎሜተር ምስ ተለዓሎ፡ እዛ ሸዱሽተ ተጻወትቲ ዝሓቖፈት ጉጅለ ምስ ዓባይ ጉጅለ ዝነበራ ፍልልይ ናብ ሓሙሽተ ደቓይቕ ተገማጊሙ ነበረ፡ ኩሎም ኣብ ብጫ ማልያ ስለዘየስግኡ'ያ መስለኒ ዓባይ ጉጅለ ረጊኣ'ያ ትስዕቦም ነይራ።
እቶም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ብጽቡቕ ውህደት ምስ ዓባይ ጉጅለ ዝነበሮም ፍልልይ ክብን ለጠቅን እናበለ፡ ጸወታ ክዛዘም 35 ኪሎሜተር ክሳብ ዝተርፎ ከኣ ፍልልያ ኣብ ሰለስተ ደቒቕን ርብዕን ገጥ ኣቢላ ሒዛቶ ነበረት።
ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ናብ 2.1 ክብ ካብ ዝብል፡ ርዋንዳውያን ሓንቲ ናይ መድረኽ ዓወት'ያ ዘላቶም፡ ኣብ 2022 ኣብ ሻሙናይ መድረኽ ብመንገዲ ሳሙኤል መጉሻ ዘመዝገብዋ ናይ መድረኽ ዓወት።
ሎሚኸ ካልኣይቲ ናይ መድረኽ ዓወት ይረኽቡዶ ይኾኑ? ሓንቲ ተራር ዓቐበት ትርከቦ 30 ኪሎሜተር ኣብ ቅድሚኦም ይጽበዮም ኣሎ።
ክሳብ ነታ ዓቐበት ዝወጽእዋ፡ ዙር ርዋንዳ ናብ 2.1 ክብ ካብ ዝብል ሓሙሽተ ተጻወትቲ ኣከታቲሎም ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቦም።
ኣብ 2019 ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን መድረኽ፡ ኣብ 2020 ኮሎምብያዊ ጆናታን ሬስትሬፖ ኣብ ሓሙሻይ ሻዱሻይን ሻውዓይን፡ ኣብ 2021 ፈረንሳዊ ኣላን ቦይለ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን መድረኽ፡ ኣብ 2023 እንግሊዛዊ ኢታን ቬሮን ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን መድረኽ፡ ኣብ 2025 ከኣ ኣውስትራልያዊ ብራዲ ጊሊሞር ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን መድረኽ።
ናብ ጸወታ ምስ እንምለስ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ሒዙ ዘሎ ርዋንዳዊ ዲደር ሙንየኔዛ ብውሕዱ ንሎሚ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ስለዘውሓሰ ካብታ ሽዱሽተ ተጻወትቲ ዝነበርዋ ጉጅለ ዘልሓጥ ኢሉ ተረፈ።
እታ መራሒት ጉጅለ ከኣ ክትገማማዕ ጀመረት፡ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ ማይክ ኢውዲሃየ ከኣ ንበይኑ ተፈልዩ ኣብ ቅድሚት ወጽአ። ኣባል ጋንታ ኣማኒ ኡጋንዳዊ ሎረት ብ20 ካልኢት ተፈንቲቱ ይስዕቦ፡ ሰለስተ ተጻወትቲ (ክልተ ርዋንዳውያንን ሓደ ደቡብ ኣፍሪቃዊን) ድሕሪኡ ዲደር ሙንየኔዛ ከኣ ፍልይ ኢሉ ጸወታ ይቅጽሉ። ዓባይ ጉጅለ ከኣ እናተሓቋቖነት ፍልልያ ናብ ክልተ ደቂቕን 50 ካልኢትን ኣብጺሓ ጉዕዞኣ ትቅጽል።
ጸወታ 80 ኪሎ ሜተር ምስ ተለዓሎ፡ ዓባይ ጉጅለ ንኹሎም ኣብ ቅድሚኣ ዝነበሩ ተቐዳደምቲ በብሓደ ክትሃድኖም ጀመረት። ርዋንዳውያን ሎሚ'ውን ናይ መድረኽ ዓወት ኣይክረኽቡን'ዮም። ኩሎም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ በብሓደ ብዓባይ ጉጅል ተጎበጡ።
ብጫ ማልያ ዝሓዙ ቶታል ኢነርጂ ነቲ ብጫ ዝሓዘ ኣባሎም ፋብያን ዶቢ ሒዞም ኣብ ቅድሚት ኣለና በሉ።
ኣባል ቶታል ኢነርጂ ፈረንሳዊ ጆሪስ ደልቦቭ ተሪር መጥቃዕቲ ብምፍናው ብዘለዎ ሓይሊ ናብ መስመር ሕንጻጽ ክበጽሕ እንከሎ፡ ብድሕሪኡ ካብ ዝነበሩ 16 ተቐዳደምቲ ኣቐዲሙ ክልተ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ብራዲ ግሊሞር ሰለስተ ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን ከኣ ሳልሳይ ኣትዮም።
ተዓዋቲ ዙር ርዋንዳ 2023 ከምኡ ከኣ ተዓዋቲ ቀዳማይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025 ሄኖክ ኣከታቲሉ ኣብ ሳልሳይን ራብዓይን መድረኽ ሳልሳይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።
ሎሚ ቀዳማይ ዝኣተወ ጆሪስ ደልቢቭ ብጫ ማልያ ካብ ወዲ ጋንታኡ ፋብያን ዶበይ ተቐቢልዋ ኣሎ። ሄኖክ ምሉእብርሃን ብ12 ድሒሩ መበል ሓሙሻይ ኮይኑ'ሎ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ዓወት ኣማን 13፡ መትከል እዮብ 16፡ ዩኤል ሃብተኣብ 18፡ ናሆም ዘርኣይ 22፡ ናታን መድሃኔ 30፡ ዳዊት የማነ 31፡ ዓወት ክብሮም 32፡ ያፌት ሙሉጌታ ከኣ 35 ወጺኦም።
ካብ ኢትዮጵያውያን ኣማንኤል ተስፋይ 27፡ ዳንኤል ደስታ 28፡ ሃይለሚካኤል ኣማንኤል 49፡ ብዛይ ተስፉ 51፡ ገረዝግሄር ገብረመድህን 62፡ ፊልሞን ዘርኣብሩኽ 63 ኮይኖም ንራብዓይ መድረኽ ዛዚሞም ኣለዉ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንኹለን ጋንታታት ብምብላጽ ናብ ቀዳማይ ደረጃ ክትሓኵር እንከላ፡ ባይክ አይድ ብ24 ካልኢት ድሒራ ካልአይቲ ኮይና ኣላ።
ሄኖኖክ ሙሉብርሃን ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ፡ ዩኤል ሃብተኣብ ከኣ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ ዝብላ ክብሮም ሎሚ'ውን ዓቒቦመን ኣለዉ።