ዙር ርዋንዳ 2025 3ይ መድረኽ ፡ ብራዲ ግሪሞር ተዓዊቱ ዩኤልን ሄኖክን 2ይን 3ይን ኣትዮም

መበል ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ብራዲ ግሪሞር ደጊሙ ተዓዊቱ ዩኤልን ሄኖክን ካልኣይን ሳልሳይን ኣትዮም

ናይ ሎሚ መድረኽ ካብ ከተማ ሙሳንዘ ተበጊሳ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ብምቕናዕ ኣብታ ምስ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ተጸጊዓ ትርከብ ከተማ ሩባቩ'ያ ተወዲኣ።

እቲ ትማሊ ንካልኣይ መድረኽ ዝተዓወተሉ ኣባል እስራኤል ፕሪሜርቴክ ብራዲ ግሊሞር ነዛ ናይ ሎሚ መድረኽ'ውን ተዓዊትላ'ሎ።

ኣባል ባይክ አይድ ኤርትራዊ ዩኤል ሃብተኣብ ካልኣይ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን ከኣ ሳልሳይ ኮይኖም ዛዚሞም።

ብጫ ማልያ ሒዙ ዘሎ ኣባል ቶታል ኢነርጂ ፋብያን ዶቢ ግዜ ከይከሰረ መበል ራብዓይ ስለዝኣተዉ ብጫ ማልያ ዓቂቡዋ ኣሎ።

ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜኡ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝወዳደር ዘሎ ዩኤል ሃብተኣብ እዚ ናይ ሎሚ ዘመዝገቦ ካልኣይ ደረጃ፡ ኣብ ዙር ርዋንዳ እቲ ዝበለጸ ውጽኢቱ'ዩ።

ተቐዳደምቲ ኣብ 121.3 ኪሎሜተር ብድምር 1740 ሜተሮ ብራኸ'ዮም ደይቦም።

ናብዛ መድረኽ፡ ብጫ ማልያ ተቐዳዳማይ ቶታል ኢነርጂ ፋብያን ዱበይ፡ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ብ10፡ ዩኤል ሃብተኣብ ብ25፡ ዳዊት የማነ ብ26 ናሆም ዘርኣይ ብ27 ካልኢት ድሒሮም ኣብ መበል 10፡ 21፡ 23 ከምኡ ከኣ 24 ተሰሪዖም'ዮም ኣትዮም።

ካብ ኢትዮጵያውያን ኣማንኤል ደስታ ብ20 ካልኢት ድሒሩ መበል 20 ብዛይ ተስፉ ድማ ብ22 ካልኢት ድሒሩ መበል 22 ተርታ ሒዞም ነይሮም።

ናብዚ መድረኽ ምስ እንምለስ ጸወታ ብግስ ምስ በለ'ዩ ተደጋጋሚ ናይ ሙሙላቕ ፈተነ ተኻይዱ፡ ብፍላይ ክኣ ርዋንዳውያን።

ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ናብ 2.1 ካብ ዝሰጋገር ርዋንዳ ሓንቲ ናይ መድረኽ ዓወት ጥራይ'ያ ኣመዝጊባ፡ ንሳ ድማ ኣብ ሻሙናይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2022 ብመንገዲ ኮየስ ሞጉሻ እያ ነይራ።

ኣብዚ ዓመት'ዚ ግን ካልኣይቲ ናይ መድረኽ ዓወት ንምርካብ ሓሊኖም ዘንቀሉ ይመስሉ።

ካብ ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ ሓደ፡ ካብ ኢትዮጵያ ተስፋብሩክ ደባይ፡ ካብ ጋንታ ኣማኒን ካብ ጋንታ ጃቫ ኢኖቬተክን ኣርባዕተ ተጻወትቲ ዝመስረትዋ ጉጅለ፡ ኣብ ወሽጢ ሓደ ሰዓት ክሳብ ሓሙሽተ ደቒቕን 10 ካልኢትን ብምንጻፍ ነዊሕ ተጓዓዘት፡ ዓባይ ጉጅለ ከኣ ብዘገምታ ትስዕባ።

ዓባይ ጉጅለ ስግኣት ዝሓደራ ክትመስል ስለዝተበራበረት እቲ ፍልልይ በብቑሩብ ክጸብብ ጀሚሩ። ጸወታ ፍርቂ ምስ ተለዓሎ ከኣ እቲ ፍልልይ ናብ ሰለስተ ደቒቕ ወረደ።

ጸወታ ክዛዘም 40 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ዓባይ ጉጀለ ነቶም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ኣርባዕተ ተቐዳደምቲ ወሓጠቶም።

ኣብ መበል 106 ኪሎሜተር ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ናሆም ዘርኣይ ተሪር መጥቃዕቲ ብምፍናው ፍልልዪ ናብ 30 ካልኢት ኣግፊሕዎ።

ዓወት ኣማን'ውን ካብ ዓባይ ጉጅለ ክሞልቕ'ኳ እንተፈተነ፡ ዓባይ ጉጅለ ዕድል ኣይሃበቶን፡ ናሆም ዘርኣይ ከኣ ጸወታ ክዛዘም 11 ኪሎሜተር ክተርፎ እንከሎ ፍልልዩ ናብ 40 ካልኢት ክብ ኣበሎ።

ናሆም፡ ኣብ ብጫ ማልያ ብ27 ካልኢት ጥራይ ድሒሩ ስለዝነበረ፡ ብጫ ማልያ ዝሓዙ ቶታል ኢነርጂ፡ ረብሃኦም ንምሕላው ንዓባይ ጉጅለ ኣብ ቅድሚት ተገዲሞም ክስሕብዋ ጀመሩ። ንናሆም'ውን ንዓባይ ጉጅለ ወጢጦም ተጸግዕዎ።

ጸወታ ክዛዘምም ሓሙሽተ ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ግን ካብ ዓባይ ጉጅለ ዝተፈንጨሉ 19 ተቐዳደምቲ ንናሆም ኣርከብዎ። ጸወታ ብቅጽበታዊ ውድድር ክውዳእ ምዃኑ ከኣ ርግጽ ኮነ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝገበርዎ ቅጽበታዊ ውድድር ንኻልኣይ መድረኽ ዝተዓወተሉ ብራዲ ግሊሞር ቀዳማይ ክኣቱ እንከሎ፡ ዩኤል ሃብተኣብን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ተመራሪሖም ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ኣትዮም።

ሄኖክ ኣብ ብጫ ማልያ ብሓሙሽተ ደረጃታት ክብ ኢሉ ካብ መራሓይ 10 ካልኢት ጥራይ ድሒሩ መበል ሓሙሻይ ተቐሚጡ ኣሎ።

ዩኤል ብወገኑ ካብ ዝነበሮ ብ11 ደረጃ ክብ ኢሉ ካብ መራሓይ 25 ካልኢት ድሒሩ መበል ዓስራይ ይርከብ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ዓወት ክብሮም መበል 16፡ ብሰንኪ ትማሊ ዘጋጠሞ መውደቕቲ ሎሚ ምስ ቁስሉ ናብ ጸወታ ዝኣተወ ዳዊት የማነ መበል 17፡ ዓወት ኣማን መበል 19፡ ናሆም ዘርኣይ መብ 19፡ ናታን መድሃኔ 22 መትከል እዮብ 28 ያፌት ሙሌጌታ ከኣ መበል 33 ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም ኣለዉ።

ካብ ኢትዮጵያውያን ኣማንኤል ደስታ መበል 20፡ ገረዝግሄር ገብረመድህን መበል 29፡ ብዛየ ተስፉ መበል 32፡ ሃይለሚካኤል ኣማንኤል 36፡ ፊልሞን ዘርኣብሩኽ 50፡ ኣማንኤል ተስፋይ 53 ክያ ሮጌራ ከኣ መበል 54 ኮይኖም ኣትዮም።