መረጻ ጀርመን፡ ዓቃባውያን ዓወቶም ይጽንብሉ

ኣብ መረፃ ጀርመን ውድብ ዓቃባውያን ተዓዊቶም

ኣብ መረጻ ጀርመን ብፍረድሪክ መርዝ ዝምራሕ ዓቃባዊ ውድብ ክርስትያን ዲሞክራስያዊ ሕብረት ተዓዊቱ።

እዚ ይዅን ግን፡ እቲ ዝረኸቦ ድምጺ ካብቲ ክዕወተሉ ትጽቢት ዝገበረሉ ብ 30 ሚእታዊት ዝተሓተ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

መራሒ እቲ ዓቃባዊ ሰልፊ ፍረድሪክ መርዝ ንደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ሎሚ ምሸት ንጸንብል፡ ንግሆ ከኣ ናብ ስራሕ ክንኣቱ ኢና" ኢሉ፤ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓላፍነት ብዝግባእ ከምዝፈልጥ ድማ ተዛሪቡ።

ኣልተርነቲቭ ፎር ዶይችላንድ (ኤኤፍዲ) ከኣ፡ 20. 8 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ንዘመዝገቦ ዓወት ይጽንብል ኣሎ።

ኣብዚ መረጻ ንቻንስለር ሕጽይቲ ኤኤፍዲ ኰይና ዝቐረበት ኣሊስ ወይደል፡ንደገፍታ ንኢዳ።

ኣልተርነቲቭ ፎር ዶይችላንድ ኣብዚ መረጻ ውሱን ዓወት እኳ እንተረኸበ፡ እቲ ዓወት ከምቲ ዝተጸበዮ ምሉእ ብዘይምዃኑ ግን ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ዘካይዶ ድሙቕ ጽንብል የለን።

ሰኑይ ንግሆ ውጽኢት መረጻ ጀርመን ወግዓዊ ኣብ ዝዀነሉ፡ ኣልተርነቲቭ ፎር ዶይችላንድ፡ ኣብ ምብራቓዊ ጀርመን ልዕሊ ካልኦት ውድባት ዓብላሊ ከም ዝዀነ ንጹር ኰይኑ ኣሎ። ገምጋም ዜድዲኤፍ፡ ኣልተርነቲቭ ፎር ዶይችላንድ ኣብ ምብራቕ ጀርመን 34 ሚእታዊት ድምጺ ክረክብ ከም ዝኽእል የመልክት።

ኣሊስ ወይደል ፡ "ጀርመናውያን ንለውጢ ኣድሚጾም ኣለዉ" ብምባል፡ ፍረድሪክ መርዝ ምስ ካልኦት ውድባት ልፍንቲ ንምምስራት ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ መወዳእትኡ ውድቀት ከም ዝዀነ ተዛሪባ።

ንሳ፡ "ሓድሽ መረጻታት ክህልወና እዩ። ተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመታት ክንጸንሕ ዘለና ኣይመስለንን" ኢላ።

ካርታ መረጻ ኣብ ምብራቓዊ ጀርመን ብሰማያዊ ሕብሪ ኣብ ዝደመቐሉ፡ ዝተረፈ ክፋል ጀርመን ብጸሊም ሕብሪ ሲዲዩ (ውድብ ክርስትያን ዲሞክራስያዊ ሕብረት) ተዋሒጡ ኣሎ።