ኮንጎ፡ ዕጡቓት ተዅሲ ደው ምባል ኣዊጆም

 ልፍንቲ (ኪዳን) ሩባ ኮንጎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ልፍንቲ ዕጡቓት ጕጅለታት ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ ዝጅምር ሰብኣዊ ተዅሲ ደው ምባል ኣዊጁ።

እቲ ኪዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቶም ብርዋንዳ ዝድገፉ ዕጡቓት ኤም23 ዘጠቓልል ኰይኑ፡ "ብሰብኣዊ ምኽንያታት" ተዅሲ ደው ምባል ከም ዝኣወጁ ይገልጽ። እቶም ዕጡቓት ኣብ ምብራቓዊ ከባቢታት እታ ሃገር ንዝርከብ ግዝኣት ድሕሪ ምቍጽጻሮም እዮም ተዅሲ ደው ምባል ኣዊጆም ዘለዉ።

ዕጡቓት ነታ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ዝዓበየት ከተማ ጎማን ከባቢኣን ድሕሪ ምቍጽጻሮም ብዝተኻየደ ውግእ፡ ብውሑዱ 900 ሰባት ከም ዝተቐተሉን 2880 ድማ ከም ዝተጐድኡን ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተን ሕብረት ኣውሮጳን እቲ መጥቃዕቲ፡ ንልኡላውነት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብቅሉዕ ዝጠሓሰ'ዩ ብምባል ኰኒኖምዎ።

እዚ ልፍንቲ ሩባ ኮንጎ ብዝብል ዝፍለጥ ኪዳን ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ንሰራዊት ኮንጎ ብደብዳብ ነፈርቲ ሰባት ብምቕታል ከሲሱ።

ተወሳኺ ግዝኣት ናይ ምቍጽጻር መደብ ከም ዘይብሉ ድማ ሓቢሩ። እንተዀነ እቲ ኪዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተወሰኽቲ ቦታታት ከም ዝሕዝ ገሊጹ ነይሩ።

ልፍንቲ ሩባ ኮንጎ፡ "ንሲቪል ህዝቢን ኣብ ቍጽጽርና ዝርከቡ ከባቢታት ንምሕላውን ንምክልኻልን ዘለና ቆራጽነት ደጊምና ነረጋግጽ" ኢሉ።

ኣብቲ ዞባ ዝካየዱ ውግኣት ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ኣገዲዱ እዩ። ኤጀንሲ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ መፈለምታ 2025 ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ፡ ሰራዊት ሃገሩ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ምህላዎም ከም ዘይፈልጥ ገሊጹ።

ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ፖል ካጋመ ብሰኑይ ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ "ብዙሓት ዘይፈልጦም ጉዳያት ኣለዉ። ግን ንርዋንዳ ዘሻቕል ጸገም ኣብ ኮንጎ ኣሎ ዶ? ዝብል ክትሓትት እንተድኣ ደሊኻ ግን፡ ርዋንዳ ንርእሳ ንምክልኻል ኵሉ ክትገብር እያ፤ ሚእቲ ሚእታዊት፣" ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ርዋንዳ ንኸተንሳሕብ ዝያዳ ፀጸቕጢ ክግበር ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

ሚኒስተር ኮምዩኒኬሽን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ርዋንዳ ማዕቀባት ከንብር ጸዊዑ።

ፓትሪክ ሙያያ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ርዋንዳ ትገብሮ ንዘላ ደው ንክተብል፡ ምዅናን ጥራይ ዘይኰነስ ረዚን ውሳነ ክውሰድ ኣለዎ። ኣብ ዞባና ኰነ ኣብ ኣፍሪቃ ሰላም ንምቕጻል እንተተደልዩ፡ ተቐባልነት የብሉን (ሩዋንዳ ትፍፅሞ ዘላ)" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ "እቲ ዝነኣሰ ማዕቀባት ምግባር እዩ" ኢሉ።

ፕረዚደንታት ኮንጎን ሩዋንዳንን ዝቕጽል ዓርቢ ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዝካየድ ዞባዊ ጉባኤ ሰላም ክሳተፉ እዮም።

እተን ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ግጭት ተሸሚመን ዝጸንሓ ሩዋንዳን ኰንጎን፡ ዘይከምቲ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሕ እዋን ዝፈሸለ ጻዕርታት ሰላም፡ ብዝዀነ ዓይነት ድርድራት እንተዘይተቛሪጹ፡ ሕጂ'ውን እቲ ግጭት ንኣዋርሕ ክቕጽል ይኽእል እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።