'ህዝቢ ኣብ ፍርሒ ኣሎ' - ፍሉይ ጸብጻብ ቢቢሲ ካብ ከተማ ጎማ

- Author, ፖል ንጂየ
- Role, ቢቢሲ ኒውስ
- Reporting from, ጎማ
ንፈለማ ግዜ ናብ ከተማ ጎማ ክኣቱ ከለኹ፡ ግጭት ናብ ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ ዝኣቱ ዘለኹ ኰይኑ ኣይተሰምዓንን።
ተቐማጦ ናይታ ሒደት ማይላት ካብ ዶብ ርዋንዳ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ጎማ፡ ኣብ ጐደናታት ምልእ ኢሎም - ናብ ስራሕ ዘቕንዑ ተጓዓዝቲ፡ ኣብ ወሰናስን ጽርግያ ኣቑሑት ዝሸጡ ሸቃጦ፡ ዓማዊል ንምስሓብ ሃተምተም ዝብሉ ሰብ ታክሲ ይርኣዩ።
እንተዀነ፡ ኣብታ ከተማ ሓድሽ 'መንግስቲ' ከም ዘሎ ከስተውዕል ሒደት ደቓይቕ ጥራሕ እዩ ወሲዱለይ።
ቅድሚ ሕጂ ብመንግስቲ ኮንጎ ኣብ ዝመሓደር ዝነበረ መደበር ፖሊስ ምስ በጻሕኩ፡ ሽጉጥ ዝሓዙ ኣባላት ኤም23 ንመኪናይ ደው ኣበሉዋ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕጡቓት ምስ ሰራዊት ዲ.ኣር.ኮንጎን መሻርኽቱን ኣብ ዝተጋጨውሉ እዋን፡ ብውሕዱ 700 ሰባት ከሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 3,000 ሰባት ድማ ከም ዝቘሰሉ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኮንጎን ሓቢሮም ነይሮም።
ብብሄረ ቱትሲ ዝቘመ ኤም23 ንመሰል ውሑዳት ይቃለስ ከም ዘሎ ክገልጽ እንከሎ፡ መንግስቲ ኮንጎ ግን ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ንዝርከብ ማዕድናዊ ሃብቲ ዘለዎ ቦታ ክቘጻጸሩ ከም ዝደልዩ ይገልጽ።
ኣብቲ መፈተሺ ነቝጣ፡ ኣባላት ኤም23 ናብ መኪናና ብምጥማት፡ ንመራሒ መኪና ውሑዳት ሕቶታት ድሕሪ ምሕታቶም፡ ናብታ ዝዓነወት ከተማ ክንሓልፍ ምልክት ገበሩልና።
በቶም ዕጡቓት ዝዀነ ተቓውሞ ኣይገጠመናን፣ ንነዊሕ እዋን ኣብኡ ዝነበሩ ይመስሉ ነይሮም።
ብድሕሪኡ ናብተን በቲ ግጭት ዝተጐድኡ ዝሕክማ ውሑዳት ሆስፒታላት ከድኩ`ሞ፡ ናብ ውሽጢ እናኣተኹ እንከለኹ ካብቲ ኮሮድዮ ቃንዛ ዝተመልኦ ኣውያት ሰማዕኩ።
ናትናኤል ሲርሆ ንዝተባህለ ሓኪም ረኸብኩዎ። እቲ ውጉኣት ክሕክም ዝግብኦ ዶክተር፡ ብኽሳዱ ዘይሩ ኣብ ጸጋማይ ቅልጽሙ ዝተኣስረ ፋሻ ተጠምጢሙ ኣብ ዓራት ኮፍ ኢሉ ጸንሓኒ።
ሓደ ቦምባ ኣብ ጐድኒ ገዛኡ ስለ ዝወደቐ እዩ፡ እቲ ዶክተርን ጐረባብቱን በቲ ፍንጅርጃር ተሃሪሞም።
"ንዓይ ኣብ ቅልጽመይ መጕዳእቲ ኣጋጢሙኒ። ሓደ ወዲ 65 ዓመት ሰብኣይ ከኣ ኣብ ከብዱ ተሃሪሙ። መብጣሕቲ ድሕሪ ምክያዱ ብህይወት ኣይተረፈን፡" ክብል ብጣዕሳ ኣዕሊሉኒ።
ሓያሎ ክፍልታት ሰጊርካ፡ ሓንቲ ሽማግለ ሰበይቲ ኣብ ጐድና ኦክስጅን ተተኺሉላ ኣብ ዓራት ደቂሳ ነበረት።
ኣብቲ ዝነበረቶ ከባቢ ምልውዋጥ ተዅሲ ምስ ተኻየደ፡ ሓንቲ ስኮጆ ካብ ቅልጽማ ስጋ መንጢላ ከደት።
"ሃንደበት ኢደይ ዝሕልሕል ክብል ተፈሊጡኒ፣ ብጥይት ከም ዝተሃርምኩ ድማ ተረዲኡኒ፡" ትብል መግለጺ ክትረኽበሉ እናተቓለሰት።
ንዝቘሰለት ኢዳ ሓገዝ ከይረኸበት ንመዓልታት ባዕላ ክትከናኸና ቀንያ። መወዳእታኡ፡ ብዕጡቓት ኤም23 ተሰንያ ናብ ህዝባዊ ሆስፒታል ከም ዝተጓዓዘት ኣዕሊላትኒ።
እታ ኣደ ካብቶም እምብዛ ተጨኒቘም ዝነበሩ ሓካይም እኹል ቈላሕታ ስለ ዘይረኸበት፡ ናብ ናይ ብሕቲ-ሆስፒታል ክትከይድ ተገዲዳ፣ ኣብኡ ድማ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ትረክብ ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ካልኣይ ሆስፒታል'ውን ውጉኣት እናሻዕ ክመጽኡ እንከለዉ፡ እቶም ዶካትርን ነርሳትን ዕዮኦም ክቕጽሉ ይቃለሱ ነይሮም።
"ንብዙሓት ካብኦም ክንሕክሞም ዝኸኣልና፡ ንኣሸበሸብ ኢልና ዝመደብናዮ ስለ ዝነበረ እዩ፡" ይብል ንድሕነቱ ክብል ስሙ ክጥቀስ ዘይመረጸ ዶክተር።
"እቲ ውግእ ኣብ ዝጀመረሉ ሰንበት፡ 315 ውጉኣት ተቐቢልና ሓኪምናዮም፡" ክብል ይውስኽ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ ግን እቲ ሆስፒታል ልዕሊ 700 ዝተፈላለየ ደረጃ መጕዳእቲ ዘለዎም ሕሙማት ኣዕቊቡ ከም ዘሎ እቲ ዶክተር ኣዕሊሉኒ።
"ርእሶም፣ ደረቶም፣ ከብዶም፣ ኢዶምን እግሮምን ዝተሃርሙ፡" ውጉኣት ከም ዝተቐበሉ ይገልጽ።
ምብራቓዊ ሸነኽ ኮንጎ ኣብ ፖለቲካዊ ነውጺ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ እቶም ተቐናቐንቲ ውድባት ንጾታዊ ዓመጽ ከም ኣጽዋር ኲናት ይጥቀምሉ ከም ዘለዉ፡ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።
እዚ ኣብ ናይ ብሕቲ-ሆስፒታል ዝርከብ ዶክተር'ውን ነዚ መግለጺ ሕቡራት ሃገራት ሓቅነቱ ኣረጋጊጹ፣ ክሳዕ ሕጂ ኣስታት 10 ግዳያት ዓመጽን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ከም ዝተቐበለ ገሊጹ።
ካብ ማእከል ከተማ ወጺእና ናብ ማእከል ከተማ ከነምርሕ እንከለና፡ ርግኣትን ጥንቃቐን ብዝተሓዋወሰ መንገዲ ነበረ።
ሰባት ናብቲ ዘዕቝብሉ ቦታ እናኸዱ ከለዉ፡ ጠያይቲ ዝመልኣ መካይን ሰጊሮም ሓለፉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋላ እኳ ኣብ ጎማ ድምጺ ብረትን ነታጕን እንተሃድአ፡ ኵለን ትካላት ናብ ንቡር ዕማመን ኣይተመልሳን።
ኣብ ዝተወሰነ ቦታታት ሒደት ድኳናት ተኸፊተን ኣለዋ። ዓበይቲ ባንክታት'ውን ገና ተዓጽየን ኣለዋ።
ኵነታት ጸጥታ ዞባ ሰሜን ኪቩ ዘይርጉእ ብምዃኑ፡ ገለ ሰባት ዝዀነ ነገር ከጋጥም ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ዘለዎም ይመስል።
"ህዝቢ ፈሪሑ ኣሎ፣ ነቲ ግጭት ዝፈጠሩ ገና ምሳና ስለ ዘለዉ - ገና ክሳዕ ሕጂ ይፈርሕ ኣለኹ። እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ድማ ንፈልጦ የብልናን፡" ይብል ብዓል ድኳን ሳሚ ማታቪሺ።
"እቲ ሕማቕ ነገር ግን ዝገዝኡልና ሰባት ዘይምህላዎም እዩ፣ ብዙሓት ናብ ርዋንዳ፡ ቡካቩ፡ ኬንያን ኡጋንዳን ከይዶም'ዮም።"
እቶም ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ቀረባት ዘእትዉ ነጋዶ ድማ ናብታ ከተማ ክጓዓዙ ከም ዘይከኣሉ ወሲኹ ይገልጽ።
ብዙሓት ዘዛረብኩዎም ተቐማጦ ጎማ፡ ሓድሽ ምምሕዳር ኣቝሞም ምስ ዝርከቡ ኤም23 ተቓድዮም ይኸዱ ከም ዘለዉ ይገልጹ።
ብግዳም ኰይነ ከም ዝዕዘቦ ሰብ መጠን፡ እቶም ዕጡቓት ቍጽጽሮም ከረጋግጹ ናይ ምድላይ ሃቐና ተዓዘብኩ።
ንቤት-ጽሕፈት ናይቲ ናብ ጎማ እናገስገሱ እንከለዉ ዝቐተሉዎ ወተሃደራዊ ኣመሓዳሪ ሰሜን ኪቩ ይጥቀምሉ ኣለዉ።
ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ገዛእቲ ቦታታት ዕጡቓት ዓሪዶም ኣለዉ፣ ካልኦት ድማ ኣብ ፒክኣፓት ተጻዒኖም ኣብ ጐደናታት ሓለዋ ይገብሩ ኣለዉ።
ኣብቲ ኣብ ጎማ ዝጸናሕኩሉ ግዜ፡ ሓደ ንጡፍ ወተሃደር ኮንጎ ኣይገጠመንን።
"FARDC" ዝብል ዝተጻሕፈን ዝተደርበያ ናይ ጽዕነት መካይን ርኣኹ። "FARDC" ንሓይልታት መንግስቲ ኮንጎ ዝገልጽ ኣሕጽሮተ-ቓል ናይ ፈረንሳይኛ እዩ።

ኣብ ጥቓ መደበር ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት (እቶም ንሰላማውያን ሰባት ካብ ዕጡቓት ናይ ምክልኻል ዕማም ዝተዋህቦም) ወተሃደራዊ ክዳውንቲ፡ መጽሔታትን ጠያይትን ኣብ ጽርግያ ፋሕ ኢሎም ነበሩ።
ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ርቻርድ ዓሊ፡ "ኤም23 ኣብዚ ምስ በጽሑ ንሰራዊትና ኣካቢቦሞም፡" ክብል ኣዕሊሉኒ።
"ብዙሓት ኣጽዋሮም ደርብዮም፡ ወተሃደራዊ ክዳውንቶም ኣውጺኦም ክዳውንቲ በርጌስ ተኸዲኖም፣ ዝተረፉ ድማ ሃዲሞም፡" ይብል።
ዕጡቓት ኤም23 ብዓወቶም ኣብ ዝሕጐስሉ ዘለዉ እዋን፡ መንግስቲ ኮንጎ ግን ነቲ ዕጡቓት ንኸተማ ጎማ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝሓዙዋ ዝገልጹዎ ዘለዉ ምንጻግ ይቕጽሎ ኣሎ።
እቶም ሰብመዚ፡ ንኤም23 ብዘይሕጋዊ መንገዲ መሬቶም - ብደገፍ ሩዋንዳ - ከም ዝሓዙ ይኸሱ።
ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዕጡቓት ንዝወደቐ ነፍስወከፍ መሬት ከምልሱ ምዃኖም ድማ ቃል ይኣትዉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እታ ነቶም ዕጡቓት ከም ዘይትድግፎም ወትሩ ትኽሕድ ዝነበረት ርዋንዳ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ግና መልሳ ብዝያዳ ኣብ ምክልኻል ተሰጋጊሩ ኣሎ።
ወሃብቲ ቃል መንግስቲ፡ ኣብ ጥቓ ዶባቶም ዝካየድ ውግኣት ንጸጥታኦም ኣስጋኢ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ ዘለዉ።
እቶም ዕጡቓት፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ናብ ርእሰ-ኸተማ ደቡብ ኪቩ ከተማ ቡካቩ ገጾም ይምርሹ ከም ዘለዉን ናብ ርእሰ-ኸተማ ክንሻሳ ከም ዝበጽሑ ቃል ከም ዝኣተዉን ይግለጽ።
ዛጊት ጎማ ዝዓበየ ዕልዋ መንግስቲ ዘካየዱላ ኰይና ኣላ።
እቲ ኣብኣ ዘሎ ኵነታት፡ እቶም ዕጡቓት ዝያዳ ቦታታት እንተ ተቘጻጺሮም ህይወት ኮንጎሊዛውያን ኣብ ትሕቲኦም እንታይ ከም ዝመስል ኣመት ዝህብ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ይሕበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







