ኣብ ርዋንዳ ተራእዩ ዘሎ ተላባዒ ሕማም እንታይ'ዩ?

ሕማም ማርቡርግ ውጽኣት፡ ተምላስን ከምኡ ከኣ ኣብ ገለ ሰባት ከኣ ብሰንኪ ብዙሕ ምፍሳስ ሰም ሞት ከስዕብ ዝኽእል ሕማም’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሕማም ማርበርግ ውጽኣት፡ ተምላስን ከምኡ ከኣ ኣብ ገለ ሰባት ብሰንኪ ብዙሕ ምፍሳስ ደም ሞት ከስዕብ ዝኽእል ሕማም’ዩ

ሰብ መዚ ርዋንዳ ኣብታ ሃገር ሕማም ውጽኣት፡ ተምላስን ከምኡ ከኣ ኣብ ገለ ሰባት ብሰንኪ ብዙሕ ምፍሳስ ደም ሞት ከስዕብ ዝኽእልን ብቅልጡፍ ዝላባዕን ሕማም ‘ማርበርግ’ ብምኽሳቱ ኣብ ቀብሪ ውሱናት ሰባት ጥራይ ክሳተፉ ዘገድድ ሕጊ ኣተኣታትዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና ርዋንዳ ብዓርቢ እቲ ሕማም ኣብታ ሃገር ከምዝኣተወ ካብ ዝሕብር ጥራይ፡ ብሰንኪ እቲ ሕማም ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም ከምዘለዉ ገሊጹ ኣሎ።

ሕማም ማርበርግ ዘመሓላልፍ ቫይረስ ዓሌት ኢቦላ ኰይኑ በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ ሰብ ናይ ምማት ተኽእሎኡ 88 ሚእታዊት ከምዝዀነ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ሕማም መጀመርታ 'ፍሩት ባትስ' ካብ ዝበሃላ ዓይነታት መንካዕ ናብ ሰብ ይመሓለለፍ፡ ብድሕሪኡ ግን ካብ ዝሓመመ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ኣብ ኣካላትና ካብ ዝርከብ ፈሳሲ ክመሓላለፍ ይኽእል።

ሰብመዚ ርዋንዳ፡ ሓደ ሰብ በዚ ሕማም ምስ ዝመውት፤ ኣብ ቀብሩ ልዕሊ 50 ሰብ ከይሳተፉ ከልኪሎም ኣለዉ።

ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ብሰንበት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ “ሰብ ካልእ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ከም ንቡር ክቕጽል ይኽእል’ዩ” ብምባል ሰብ ክርበሽ ከምዘይብሉ’ዮም መኺሮም።

እንተዀነ፡ ሓደ ሰብ ነዚ ሕማም ዝመስል ምልክታት ምስ ዘለዎ ሰብ ዝዀነ ኣካላዊ ምትንኻፍ ከይገብር ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ሚኒስትሪ ወሲኹ፡ ረስኒ፡ ሕማም ርእሲ፡ ቃንዛ ጅማውቲ፡ ተምላስን ውጽኣትን ቀንዲ ምልክታት እዚ ሕማም ኰይኖም፡ እቲ ሕማም ብርቱዕ ምፍሳስ ደም ብምስዓብ ናብ ሞት ከምዘብጽሕ ገሊጾም።

ብዘይካ'ዚ በዚ ሕማም ዝተለኸፈ ሰብ ኣብ ሆስፒታል ምስ ኣተወ፡ ቅድሚ 14 መዓልታት ዝዀነ ሰብ ክበጽሖ ከምዘይፍቀድ’ውን ሓቢሮም።

ምምጋብን ምሕጻብን ሕሙም ብሰብ ሞያ ጥዕና ጥራይ ከምዝካየድ’ውን እቲ ሚኒስትሪ መምርሒ ኣውጺኡ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ርዋንዳ ብቀዳም ብሰንኪ ሕማም ማርቡርግ ዝሞቱ ሰባት ሽዱሽተ ከምዝበጽሐ ኣብ ዝሓበረሉ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ዝሞቱ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ጥዕና ምዃኖም ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ቦስተን ክኢላ ሓደስቲ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝዀነት ዶክተር ናሂድ ባሃደልያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እዞም ሕጂ ብሰንኪ እዚ ሕማም ከምዝሞቱ ዝንገሩ ዘለዉ ሰባት ኣብታ ሰብ ብጻዕቂ ዝነበረላ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ብምዃኖም ነቲ ሕማም ቀልጢፍካ ክትቈጻጸሮ ኣጸጋሚ ክኸውን ከምዝኽእል’ያ ገሊጻ።

እንተዀነ “ርዋንዳ ምስ ካልኦት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብምንጽጻር ጽቡቕ ትሕተ ቅርጺ ጥዕናን ጽቡቕ ውዳበን ዘለዋ ሃገር ስለዝዀነት ቀልጢፋ ክትቈጻጸሮ ተስፋ ኣለኒ” ኢላ።

መንግስቲ ርዋንዳ ዝርገሐ እቲ ሕማም ንምግታእ ምስቶም ዝተለኸፉን ዝሞቱን ርክብ ዝነሮም ሰባት ኣብ ምልላይን ኣብ ምክትታልን ብጻዕቂ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ምስቶም ብሕማም ማርበርግ ዝተለኸፉ ሰባት ርክብ ዝነበሮም 300 ሰባት ኣለልዮም ከምዘለዉ ብሰንበት ገሊጹ ነይሩ።

ሕማም ማርበርግ ኣብ ርዋንዳ ንፈለማ እዋን’ዩ ዝርአ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣቐዲሙ ተራእዩ ነይሩ’ዩ።

ኣብ 2023 ታንዛንያ እዚ ሕማም ክርአ እንከሎ፡ ኣብ 2017 ከኣ ኣብ ዩጋንዳ ሰለስተ ሰባት ቀቲሉ ምንባሩ ኣይረሳዕን።

ቫይረስ ማርበርግ እንታይ እዩ?

ቫይረስ ማርበርግ ምስቲ ቀታሊ ዝዀነ ቫይረስ ኢቦላ ዝምድና ከምዘለዎ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር። እዚ ቫይረስ ንመጀመርታ ግዜ ዝተራእየ፡ ኣብ 1967 ኣብ ከተማታት ጀርመን፡ ማርበርግን ፍራንክፈርትን ከምኡ'ውን ኣብ ቤልግሬድ ሰርቢያን ክኸውን እንከሎ፡ ብሰንኪ እቲ ለበዳ 31 ሰባት ሞይቶም።

እዚ ለበዳ እዚ ካብ ዩጋንዳ ብዝተወስዱ 'ሓምላይ ህበይ ኣፍሪቃ' ዝመጸ ከምዝዀነ ይእመን።

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ግን፡ እቲ ቫይረስ ምስ ካልኦት እንስሳታት እውን ክተሓሓዝ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ሰባት ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ፡ መንካዕ ኣብ ዝርከባሉ በዓቲታትን መዐደኒታትን ነዊሕ እዋን ዘሕለፉ ሰባት ይዝርጋሕ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ጋና ንመጀመርታ ግዜ ነቲ ቫይረስ ምርካባ ትግለጽ እምበር፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ነይሩ እዩ። ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ዚምባብወን ካብ መንጐ እተን ሃገራት ዝጥቀሳ እየን።

እቲ ለበዳ ኣብ 2005 ኣብ ኣንጎላ ልዕሊ 300 ሰባት ቀቲሉ።

ኣብ ኣውሮጳ ግን ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ሓደ ሰብ ጥራይ ክመውት እንከሎ፡ ኣብ ኣመሪካ ድማ ኣብ ዩጋንዳ ናብ በዓቲታት ተጓዒዙ ዝነበረ ሓደ ሰብ፡ ናብ ሃገሩ ምስተመልሰ ከምዝሞተ ይፍለጥ።

ቅድሚ ሕጂ ዝተረኣየሉ

ኣብ 2017 ኣብ ዩጋንዳ ሰለስተ ሰባት ተረኺቦም ሰለስቲኦም ድማ ሞይቶም።

ኣብ 2012 ኣብ ዩጋንዳ 15 ሰባት ተረኺቦም ኣርባዕተ ሞይቶም።

ኣብ 2005 ኣብ ኣንጎላ 374 ሰባት ተረኺቦም 329 ድማ ሞይቶም።

ካብ 1998-2000 ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ 154 ሰባት ተረኺቦም 128 ሞይቶም።

ኣብ 1967 ኣብ ጀርመን 29 ሰባት ተረኺቦም ሸውዓተ ሞይቶም።

ምንጪ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም

ብኸመይ ይፍወስ?

ነቲ ቫይረስ ዝኸውን ፍሉይ ክታበት ወይ ሕክምና የለን።

ውድብ ጥዕና ዓለም ግን ዝተፈላለየ ዓይነት ደም፡ መድሃኒትን ከምኡ'ውን ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ይዳሎ ከምዘሎ ይገልጽ።

ሓካይም ንሕሙማት ሆስፒታል ብዙሕ ፈሳሲ ብምሃብን ዝጠፍአ ደም ብምትካእን ነቲ ምልክታት ክንክዩ ይኽእሉ ይዀኑ።

ብኸመይ ንከላኸሎ?

ኣብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ሰባት፡ ስጋ እንስሳታት መሮር ካብ ምብላዕ ወይ ካብ ምሓዝ ክቝጠቡ ከም ዘለዎም ጋቪ ዝበሃል ክታበት ዘተባብዕ ዓለምለኻዊ ትካል ይሕብር።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ ኣብቲ ሕማም ዘለዎ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት ምስ ሓሰማታት ክተናኸፉ ከምዘይብሎም ይገልጽ።

እቶም በዚ ቫይረስ እዚ ዝተታሕዙ ደቂተባዕትዮ፡ ንሓደ ዓመት ዝኸውን ወይከኣ ዘርኦም ክልተ ሳዕ ተመርሚሩ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኖም ክሳብ ዝረጋገጽ ኮንዶም ክጥቀሙ ኣለዎም።

እቶም በቲ ቫይረስ ንዝሞቱ ሰባት ዝቐብሩ ኸኣ፡ ነቲ ሬሳ ብኣእዳዎም ከይትንክፍዎ ክጥንቀቑ ይግባእ።